ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ | መላእኽቲ

መላእኽቲ

መላእኽቲ

መላእኽቲ ብጽሑፋትን ስእልታትን ፊልምታትን ኪግለጹ ጸኒሖም እዮም። ግናኸ፡ መላእኽቲ እንታዎት እዮም፧ እንታይ ግደኸ እዩ ዘለዎም፧

መላእኽቲ እንታዎት እዮም፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 

ኣምላኽ፡ ንግኡዝ ዩኒቨርስን ነቶም ቀዳሞት ሰባትን ቅድሚ ምፍጣሩ፡ ጸብለል ዝበሉ መስተውዓልቲ ፍጡራት ድሮ ፈጢሩ ነይሩ እዩ። እዚኣቶም ካብ ደቂ ሰብ ኣጸቢቖም ዚሕይሉ ዀይኖም፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዚነብረሉ ስፍራ፡ ማለት ኣብቲ ደቂ ሰብ ኪበጽሕዎ ዀነ ኺርእይዎ ዘይክእሉ መንፈሳዊ ዓለም እዮም ዚነብሩ። (እዮብ 38:4, 7) መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም ልዕል ዝበሉ ፍጡራት፡ “መናፍስቲ፡” “መላእኽቲ” ኢሉ ይጽውዖም።—መዝሙር 104:4 a

ክንደይ ዚኣኽሉ መላእኽቲ ኣለዉ፧ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ቍጽሪ እቶም ኣብ ዙርያ ዝፋን ኣምላኽ ዘለዉ መላእኽቲ፡ “ኣእላፋት ግዜ ኣእላፋት” ወይ “ዓሰርተታት ኣሽሓት ግዜ ዓሰርተታት ኣሽሓት” እዩ። (ራእይ 5:11፣ እግረ ጽሑፍ) እዚ መግለጺ እዚ ቓል ብቓሉ እንተ ተወሲዱ እምበኣር፡ ቍጽሪ መላእኽቲ ኣማእታት ሚልዮናት እዩ!

“ረኣኹ ድማ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን . . . ከኣ ድምጺ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኩ፣ ቍጽሮም ድማ ኣእላፋት ግዜ ኣእላፋት፡ ኣሽሓት ግዜ ኣሽሓት እዩ።”—ራእይ 5:11

መላእኽቲ ብግዜ ጥንቲ እንታይ ገይሮም፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 

መብዛሕትኡ እዋን መላእኽቲ፡ ኣፈኛታት ወይ ልኡኻት ኣምላኽ ኰይኖም የገልግሉ ነይሮም እዮም። b ብዘይካዚ፡ ተኣምራዊ ግብርታት ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ይሳተፉ ኸም ዝነበሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። ኣምላኽ ንኣብርሃም ኪባርኾን ንወዱ ይስሃቅ ምእንቲ ኸይስውኦ ኪኽልክሎን መልኣኽ ሰዲዱ እዩ። (ዘፍጥረት 22:11-18) ሓደ መልኣኽ ንሙሴ ህይወት ሰባት ዚቕይር መልእኽቲ ምእንቲ ኼብጽሓሉ፡ ኣብ ማእከል ሓንቲ እትነድድ ዝነበረት ቈጥቋጥ ተራእይዎ እዩ። (ዘጸኣት 3:1, 2) ነብዪ ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ምስ ተደርበየ፡ ኣምላኽ “መልኣኹ ልኢኹ ኣፍ ኣናብስ ዓጽዩ እዩ።”—ዳንኤል 6:22

“ሽዑ፡ መልኣኽ የሆዋ [ንሙሴ] ኣብ ማእከል ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ ተራእዮ።”—ዘጸኣት 3:2

ሎሚ መላእኽቲ እንታይ ይገብሩ ኣለው፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 

ንዅሉ እቲ መላእኽቲ ኣብዚ ግዜና ዚገብርዎ ዘለዉ ኽንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና። ኰይኑ ግና፡ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ዝያዳ ምእንቲ ኺፈልጡ ኣብ ምሕጋዝ ይሳተፉ ኸም ዘለዉ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:26-35፣ 10:1-22፣ ራእይ 14:6, 7

የሆዋ ነቲ ኣበው ዝነበረ ያእቆብ፡ መላእኽቲ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ብዝነበረ “መደያይቦ” ኣቢሎም ኪድይቡን ኪወርዱን ከለዉ ብሕልሚ ኣርኣዮ። (ዘፍጥረት 28:10-12) ካብዚ ሕልሚ እዚ፡ የሆዋ ነቶም ሓገዙ ዚደልዩ እሙናት ደቂ ሰብ ምእንቲ ኺድግፍዎም፡ መላእኽቲ ናብ ምድሪ ኸም ዚሰድድ ኢና እንድምድም፣ ያእቆብ እውን ኣብ ተመሳሳሊ መደምደምታ በጺሑ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ዘፍጥረት 24:40፣ ዘጸኣት 14:19፣ መዝሙር 34:7

“እንሆ ኸኣ፡ መደያይቦ ኣብ ምድሪ ደው ኢሉ፡ ርእሱ ድማ ክሳብ ሰማያት በጺሑ ነበረ። መላእኽቲ ኣምላኽ ድማ ይድይቡሉን ይወርዱሉን ነበሩ።”—ዘፍጥረት 28:12

a መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገሊኦም መናፍስቲ ኣንጻር ስልጣን ኣምላኽ ከም ዝዓለዉ ይገልጸልና፣ ነዞም እኩያት መላእኽቲ ድማ “ኣጋንንቲ” ኢሉ ይጽውዖም።—ሉቃስ 10:17-20

b ከም ሓቂ እኳ፡ እተን መጽሓፍ ቅዱስ ዚጥቀመለን “መልኣኽ” እተተርጐማ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን በዅሪ ቓላት፡ ክልቲአን “ልኡኽ” ዚብል ትርጉም እዩ ዘለወን።