ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክትረኽቦ እትኽእል ጥበብ

ክትረኽቦ እትኽእል ጥበብ

“ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ . . . እዩ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ኣብዛ ጥቕሲ፡ “ብድራኸ መንፈስ” ኪብል ከሎ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንሓሳባቱ ኣብ ኣእምሮ እቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘእተዎ እዩ ዚገልጽ ዘሎ።

ኣምላኽ፡ ካብ ጥበብ ክትጥቀም ይዕድመካ

“እቲ ዚጠቕመካ ዚምህረካ፡ በታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ዚመርሓካ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ። ኣየ፡ ናብ ትእዛዛተይ ኣቕሊብካ እንተ ትኸውን! ሽዑ፡ ሰላምካ ኸም ፈለግ ምዀነ፡ ጽድቅኻ ድማ ከም ማዕበላት ባሕሪ ምዀነ ነይሩ።”—ኢሳይያስ 48:17, 18

ኣምላኽ በዘን ቃላት እዚኣን ኣቢሉ ይዕድመካ ኸም ዘሎ ጌርካ ሕሰብ። ንሱ፡ ውሽጣዊ ሰላም ኪህልወካን ነባሪ ሓጐስ ክትረክብን ይደሊ እዩ። ነዚ ምእንቲ ኽትረክብ ድማ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ጥበብ ኣምላኽ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

“ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ብስራት ኪስበኽ ኣለዎ።”—ማርቆስ 13:10

እቲ “ብስራት” ተባሂሉ ዘሎ፡ ነቲ የሆዋ ንመከራ ኸም ዜወግዶ፡ ንምድሪ ገነት ከም ዚገብራ፡ ነቶም ሞይቶም ዘለዉ እነፍቅሮም ሰብና ኸም ዜተንስኦም፡ ዝኣተዎ ተስፋታት ዜጠቓልል እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነዚ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መላእ ዓለም ይሰብክዎ ኣለዉ።