ዓንቀጽ መጽናዕቲ 42
“ሰማዕ” ዲኻ፧
“እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ . . . ሰማዕ . . . እያ።”—ያእ. 3:17።
መዝሙር 101 ብሓድነት ንዕየ
መላለዪ a
1. እዙዝ ምዃን ኣጸጋሚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
ተኣዛዝነት ይኸብደካዶ፧ ንጉስ ዳዊት ይኸብዶ ነይሩ እዩ። ስለዚ ናብ ኣምላኽ፡ “ክእዘዘካስ ናይ ፍታው መንፈስ ኣብ ውሽጠይ ኣለዓዕል” ኢሉ ጸለየ። (መዝ. 51:12) ዳዊት ንየሆዋ የፍቅሮ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ሓድሓደ ግዜ እዙዝ ምዃን ይኸብዶ ነበረ፣ ንሕና እውን ከምኡ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ቀዳማይ፡ ናይ ዘይተኣዛዝነት ዝንባለ ወሪስና ኢና። ካልኣይ፡ ሰይጣን ከምኡ ዓለወኛታት ምእንቲ ኽንከውን ብቐጻሊ ይትዅትዀና እዩ። (2 ቈረ. 11:3) ሳልሳይ ከኣ፡ በቲ “ኣብቶም ደቂ ዘይተኣዛዝነት ዚዓዪ ዘሎ መንፈስ” ተባሂሉ ዘሎ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ናይ ዕልወት መንፈስ ኢና ተኸቢብና ዘለና። (ኤፌ. 2:2) ስለዚ፡ ምስቲ ሓጢኣት ናይ ምግባር ዝንባለና ኽንቃለስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ድያብሎስን እዛ ዓለም እዚኣን፡ ንሕና ዘይእዙዛት ምእንቲ ኽንከውን ኢሎም ዜውርዱልና ጸቕጢ እውን ክንጻረሮ ኣሎና። ንየሆዋን ነቶም ስልጣን ዝሃቦምን እዙዛት ንምዃን ከኣ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና።
2. “ሰማዕ” ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ያእቆብ 3:17)
2 ያእቆብ 3:17 ኣንብብ። እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዝጸሓፈ ያእቆብ፡ ጥበበኛ ሰብ “ሰማዕ” ከም ዝዀነ ገሊጹ ኣሎ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕሰቦ። ሰማዓት እንተ ዄንና፡ ካብቶም የሆዋ ስልጣን ዝሃቦም ሰባት ንዚመጸና መምርሒ ብተኣዛዝነት ንምቕባል ህንጡያት ወይ ድሉዋት ኢና። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ የሆዋ ንሓደ ትእዛዛቱ ዕሽሽ ክንብል ዚሓትተና ሰብ ክንእዘዞ ይጽበየና ማለት ኣይኰነን።—ግብ. 4:18-20።
3. ነቶም ኣብ ልዕሌና ስልጣን ዘለዎም ሰባት እዙዛት ምዃንና ንየሆዋ ዜገድሶ ስለምንታይ እዩ፧
3 ካብ ንሰብ ንየሆዋ ኽንእዘዝ ይቐልለና ይኸውን። ስለምንታይሲ፡ የሆዋ ፍጹም ዝዀነ መምርሒ እዩ ዚህብ። (መዝ. 19:7) ስልጣን ዘለዎም ሰባት ግና ፍጹማት ኣይኰኑን። ይኹን እምበር፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንወለድን ንሰበ ስልጣን መንግስትን ንሽማግለታትን እተወሰነ ስልጣን ሂብዎም ኣሎ። (ምሳ. 6:20፣ 1 ተሰ. 5:12፣ 1 ጴጥ. 2:13, 14) ንዓታቶም እንተ ተኣዚዝናዮም፡ ከም ሓቂ ንየሆዋ ኢና እንእዘዞ ዘለና። እምበኣር፡ ሓድሓደ ግዜ ሰባት ዚህብዎ መምርሒ ንምስዓቡ ኣጸጋሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቶም የሆዋ ስልጣን ዝሃቦም ሰባት ብኸመይ ክንእዘዞም ከም እንኽእል እስከ ንርአ።
ንወለድኻ ተኣዘዞም
4. ብዙሓት ውሉዳት ንወለዶም ዘይእዘዝዎም ስለምንታይ እዮም፧
4 መንእሰያት፡ “ንወለዶም ዘይእዘዙ” ተባሂሎም ብእተገልጹ መሳቱኦም እዮም ተኸቢቦም ዘለዉ። (2 ጢሞ. 3:1, 2) ስለምንታይ እዮም መብዛሕትኦም ዘይእዙዛት ዚዀኑ፧ ገሊኦም ንወለዶም ከም ግቡዛት ገይሮም እዮም ዚርእይዎም። ስለምንታይሲ፡ እቶም ወለዲ ንባዕላቶም ዘይገብርዎ ነገር እዮም ንውሉዳቶም ኪገብርዎ ትጽቢት ዚገብሩሎም። ገሊኦም ውሉዳት ከኣ፡ እቲ ኻብ ወለዶም ዚውሃቦም ምኽሪ ግዜኡ ኸም ዝሓለፎ፡ ግብራዊ ኸም ዘይኰነ፡ ወይ እምብዛ ተሪር ከም ዝዀነ ይስምዖም። መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ከምኡ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ብዙሓት መንእሰያት ነቲ፡ “ኣቱም ውሉዳት፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ከም ፍቓድ ጐይታ ተኣዘዝዎም” ዚብል ካብ የሆዋ እተዋህበ ትእዛዝ ምትግባር የጸግሞም እዩ። (ኤፌ. 6:1) እሞ ደኣ እዙዝ ንምዃን እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
5. ኣብ ሉቃስ 2:46-52 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ የሱስ ንወለዱ እዙዝ ምንባሩ ዜደንቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
5 ካብቲ ፍጹም ኣብነት ዝዀነ የሱስ፡ ተኣዛዝነት ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። (1 ጴጥ. 2:21-24) ንሱ ፍጹም ሰብ እኳ እንተ ነበረ፡ ወለዱ ግና ዘይፍጹማት እዮም ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ሓድሓደ ግዜ ጌጋታት እኳ እንተ ገበሩ፡ ንዕኡ እውን እንተ ዘይተረድእዎ፡ ንሱ ግና ይእዘዞም ነበረ። (ዘጸ. 20:12) ንኣብነት፡ የሱስ ወዲ 12 ዓመት ከሎ ዘጋጠመ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 2:46-52 ኣንብብ።) ወለዱ ኣብ የሩሳሌም ሓዲጎምዎ ኺምለሱ ጀመሩ። ኵሎም ደቆም ካብቲ በዓል ናብ ዓዶም ይምለሱ ኸም ዘለዉ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ናይ ዮሴፍን ናይ ማርያምን እዩ ነይሩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ዮሴፍን ማርያምን ኣብ መወዳእታ ንየሱስ ምስ ረኸብዎ፡ ማርያም ከም ዘሻቐሎም ብምጥቃስ ወቐሰቶ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሱስ እዚ ዘይፍትሓዊ ኸም ዝዀነ ኺዛረብ ምኸኣለ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ንወለዱ ብኣኽብሮት ቀሊል ምላሽ ሃቦም። እንተዀነ ግና፡ ዮሴፍን ማርያምን “ነቲ ዝበሎም ዘረባ ኣይተረድእዎን።” ይኹን እምበር፡ የሱስ ድሕርዚ እውን “ይእዘዞም . . . ነበረ።”
6-7. ውሉዳት ንወለዶም ምእንቲ ኺእዘዙ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧
6 ኣቱም ውሉዳት፡ ወለድኹም ኪጋገዩ ኸለዉ፡ ወይ ብጌጋ ኺርድኡኹም ከለዉ፡ ንዓታቶም እዙዛት ምዃንሲ ይኸብደኩምዶ፧ እሞ ደኣ ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ኪሕግዘኩም ይኽእል፧ ቀዳማይ፡ የሆዋ እንታይ ከም ዚስምዖ ሕሰቡ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ንወለድኹም እዙዛት እትዀኑሉ ኣጋጣሚታት፡ “እዚ ንጐይታ ባህ ዜብል እዩ” ይብል። (ቈሎ. 3:20) ወለድኹም ምሉእ ብምሉእ ከይተረድኡኹም ኪተርፉ ኸለዉ፡ ወይ ጕድለት ዘለዎ ሕግታት ኬውጽኡ ኸለዉ፡ የሆዋ ነዚ ይፈልጦ እዩ። እዚ እናዀነ ኽነሱ እንተ ተኣዚዝኩምዎም ግና፡ በዚ ይሕጐስ እዩ።
7 ካልኣይ፡ ወለድኹም ከመይ ከም ዚስምዖም ሕሰቡ። ንወለድኹም እንተ ተኣዚዝኩምዎም፡ እዚ የሐጕሶም እዩ፡ ብዝያዳ ኸም ዚኣምኑኹም ድማ ይገብሮም እዩ። (ምሳ. 23:22-25) ብዝያዳ እውን የቀራርበኩም እዩ። ኣለክሳንድረ ዝስሙ ኣብ በልጅዩም ዚነብር ሓው፡ “ንወለደይ ብዝያዳ ኽእዘዞም ምስ ጀመርኩ፡ ርክብና ተቐዪሩ። ብዝያዳ ኽንቀራረብ ክኢልና፡ ዝያዳ ሓጐስ እውን ረኺብና ይብል።” b ሳልሳይ፡ ሕጂ እተርእዮ ተኣዛዝነት ደሓር ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ሕሰብ። ኣብ ብራዚል ዚነብር ፓውሎ “ንወለደይ ብኸመይ እዙዝ ከም ዝኸውን ስለ እተምሃርኩ፡ ንየሆዋን ስልጣን ንዘለዎም ካልኦትን ክእዘዝ ሓጊዙኒ እዩ” ይብል። ብዘይካዚ፡ ቃል ኣምላኽ፡ ንወለድና እዙዛት እንዀነሉ ሓያል ምኽንያት ይህበና እዩ። “ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪ እውን ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ” ዚብል ምኽንያት ይህበና እዩ።—ኤፌ. 6:2, 3።
8. ብዙሓት መንእሰያት ንወለዶም ዚእዘዝዎም ስለምንታይ እዮም፧
8 ብዙሓት ውሉዳት እዙዛት ኪዀኑ ኸለዉ ብኸመይ ጽቡቕ ከም ዚዀነሎም ርእዮም እዮም። ኣብ ብራዚል እትነብር ልዊዛ ስለምንታይ ሞባይል ተሌፎን ክትሕዝ ከም ዘይፍቀደላ ንእተወሰነ ግዜ ምርዳእ ከቢድዋ ነበረ። ከመይሲ፡ መብዛሕትኦም መሳቱኣ ሞባይል ኣለዎም። ድሕርዚ ግና፡ ወለዳ የዕቍብዋ ኸም ዘለዉ ተረድአት። ሕጂ ድማ ንወለዳ ዘለዎ ተኣዛዝነት ቀያዲ ኸም ዘይኰነ፡ የግዳስ ከም መቐነት መንበር ንህይወታ ኼድሕነላ ኸም ዚኽእል ትፈልጥ እያ። ኣብ ሕቡራት መንግስታ ኣመሪካ እትነብር ኤሊዛቤት ዝስማ ሓብቲ ሓድሓደ ግዜ ንወለዳ እዝዝቲ ምዃን ይኸብዳ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “ወለደይ ስለምንታይ ሓደ ሕጊ ኸም ዘውጽኡ ምሉእ ብምሉእ እንተ ዘይተረዲኡኒ፡ ብዛዕባ እቲ ሕግታቶም ንዓይ ዕቝባ ዝዀነሉ እዋናት እየ ዝሓስብ።” ኣብ ኣርመንያ እትነብር ሞኒካ ድማ፡ ንወለዳ ኽትእዘዞም ከላ ወትሩ ጽቡቕ ከም ዚዀነላ ትገልጽ።
‘ኣብ ልዕሌና ንዘለዉ ሰበ ስልጣን’ ተኣዘዞም
9. ንሕጊ እዙዝ ብዛዕባ ምዃን ብዙሓት ሰባት ከመይ ይስምዖም፧
9 ብዙሓት ሰባት፡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኸም ዜድልዩና፡ ነቲ ‘ኣብ ልዕሌና ዘለዉ ሰበ ስልጣን’ ዘውጽእዎ ገሊኡ ሕግታት እውን ክንሕሉ ኸም ዚግባእ ይእመኑ እዮም። (ሮሜ 13:1) እንተዀነ ግና፡ እዞም ሰባት እዚኦም፡ ገሊኡ ሕግታት ዘይፍትሓዊ ዀይኑ እንተ ተራእይዎም ወይ ከቢድ እንተ መሲልዎም ኪእዘዝዎ ኣይደልዩን እዮም። ንኣብነት፡ ግብሪ ብዛዕባ ምኽፋል እስከ ንርአ። ኣብ ሓንቲ ኣብ ኤውሮጳ እትርከብ ሃገር እተገብረ መጽናዕቲ፡ ሓደ ርብዒ ኻብቶም ሰባት፡ “ዘይፍትሓዊ እዩ ኢልካ እንተ ኣሚንካ፡ ግብሪ ዘይምኽፋል ትኽክል እዩ” ኢሎም ይኣምኑ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዜጋታት እታ ሃገር ክልተ ሲሶ ኻብቲ ንመንግስቲ ዚግብኦ ግብሪ ጥራይ እዮም ዚኸፍሉ።
10. ዋላ እውን ንዘይንፈትዎ ሕግታት እንእዘዝ ስለምንታይ ኢና፧
10 ሰብኣውያን መንግስትታት ብዙሕ መከራ የምጽኣ ኸም ዘለዋ፡ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ምዃነን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ከም ዚጠፍኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (መዝ. 110:5, 6፣ መክ. 8:9፣ ሉቃ. 4:5, 6) ኰይኑ ግና፡ “እቲ ንብዓል ስልጣን ዚቃወም፡ ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ” እውን ይብለና እዩ። ንሰበ ስልጣን እነርእዮም እተወሰነ ተኣዛዝነት፡ ክፍሊ እቲ የሆዋ ስርዓት ንምስፋን ዝገበሮ ግዝያዊ መሰናድዎ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ “ንዅሉ ዘዚግብኦ ሃብዎ” ዚብል ትእዛዝ ክንሕልዎ ኣሎና፣ እዚ ድማ ግብርን ኣኽብሮትን ተኣዛዝነትን የጠቓልል። (ሮሜ 13:1-7) ገሊኡ ሕጊ ዘይጥዑም፡ ዘይፍትሓዊ፡ ወይ ብዙሕ ዜኽፍለና ጌርና ንርእዮ ንኸውን። እንተዀነ ግና፡ ንየሆዋ ንእዘዞ ኢና፣ የሆዋ ድማ ትእዛዛቱ ኽንጥሕስ ክሳዕ ዘይሓተቱና ንሰበ ስልጣን ክንእዘዞም ኣዚዙና እዩ።—ግብ. 5:29።
11-12. ኣብ ሉቃስ 2:1-6 ተዘንትዩ ኸም ዘሎ፡ ዮሴፍን ማርያምን ንሓደ ኣጸጋሚ ሕጊ እዙዛት ንምዃን እንታይ እዮም ገይሮም፧ እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ (ስእልታት እውን ርአ)
11 ካብቲ ዮሴፍን ማርያምን ዝሓደግዎ ኣብነት ክንምሃር ንኽእል ኢና። ንሳቶም ተኣዛዝነት ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እኳ ንሰበ ስልጣን ተኣዚዞም እዮም። (ሉቃስ 2:1-6 ኣንብብ።) ማርያም ዳርጋ ናይ ትሽዓተ ወርሒ ጥንሲ ኣብ ዝነበራ እዋን፡ ንሳን ዮሴፍን ናይ ተኣዛዝነት ፈተና ኣጋጢምዎም ነይሩ እዩ። እቲ ገዛኢ ሃጸያዊት ሮሜ ዝነበረ ኣውጉስጦስ፡ ቈጸራ ህዝቢ ኺግበር ትእዛዝ ኣውጽአ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዮሴፍን ማርያምን ናብ ቤት-ልሄም ኪጓዓዙ ነበሮም። እቲ ጕዕዞ፡ ኣኽራን ኣብ ዝበዝሖ መገዲ ኽሳብ 150 ኪሎ ሜተር ዝርሕቀቱ እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ምናዳ ንማርያም ኣጸጊምዋ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ ጥዕናኣን ብዛዕባ ጥዕና እቲ ሕጻንን እውን ተጨኒቖም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ‘ኣብ መገዲ ኸለና ጻዕሪ ሕርሲ እንተ ሓዛኸ፧’ ዚብል ሕቶ መጺእዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ማሕጸና ናይ መጻኢ መሲሕ እያ ጾይራ ነይራ። እሞኸ ነዚ ኸም መመኽነይታ ብምቕራብ፡ ነቲ መንግስቲ ዘውጽኦ ትእዛዝ ዕሽሽ ኢሎምዎዶ፧
12 ዮሴፍን ማርያምን በቲ ዘተሓሳሰቦም ጕዳይ ኣመኽንዮም ነቲ ዝወጸ ሕጊ ኻብ ምሕላው ድሕር ኣይበሉን። የሆዋ ድማ ስለቲ ተኣዛዝነቶም ባረኾም። ማርያም ናብ ቤት-ልሄም ብደሓን በጽሐት፡ ምሉእ ጥዕና ዘለዎ ሕጻን ወለደት፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍጸም እውን ኣበርክቶ ገበረት።—ሚክ. 5:2።
13. ተኣዛዝነትና ንኣሕዋትና ብኸመይ ኪጸልዎም ይኽእል፧
13 ንሰበ ስልጣን ክንእዘዞም ከለና፡ ገዛእ ርእስናን ካልኦትን ኢና እንጠቅም። ብኸመይ፧ ብቐዳምነት ሕጊ ንዘይእዘዙ ዚወርድ መቕጻዕቲ ኣይረኽበናን እዩ። (ሮሜ 13:4) ብውልቅና እነርእዮ ተኣዛዝነት፡ ነቲ ሰበ ስልጣን ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓፈሻ ዘለዎም ኣረኣእያ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ናይጀርያ፡ ወተሃደራት ምኽፋል ግብሪ ንዚቃወሙ ናዕበኛታት ኪሕዙ ኢሎም ኣኼባ እናተገብረ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መጹ። እቲ ሓለቓኦም ግና፡ “ምስ ግብሪ ብዚተሓሓዝ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መናዓብቲ ኣይኰኑን” ኢሉ ነቶም ወተሃደራት ካብቲ ኣዳራሽ ኪወጹ ኣዘዞም። ስለዚ፡ ሕጊ እንተ ሓሊኻ፡ ንህዝቢ የሆዋ ጽቡቕ ስም ከተውህቦም ትኽእል ኢኻ፣ እዚ ስም ድማ ሓደ መዓልቲ ንክርስትያናት ኣሕዋትካ ዕቝባ ኪዀኖም ይኽእል ይኸውን።—ማቴ. 5:16።
14. ሓንቲ ሓብቲ ንሰበ ስልጣን እትእዘዝ ምእንቲ ኽትከውን እንታይ እዩ ሓጊዝዋ፧
14 ኰይኑ ግና፡ ንሰበ ስልጣን ክንእዘዞም ኣይንደልን ንኸውን። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ጆኣና ዝስማ ሓብቲ፡ “ገሊኦም ኣባላት ስድራ ቤተይ ብሰበ ስልጣን ስለ እተገፍዑ፡ ተኣዛዝነት ኣመና ይኸብደኒ ነይሩ እዩ” ብምባል ትእመን። እንተዀነ ግና፡ ኣተሓሳስባኣ ንምቕያር ብዕላማ ጻዕሪ ገበረት። ቀዳማይ፡ ንሰበ ስልጣን ኣሉታዊ ስምዒታት ዜለዓዕል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዚልጠፍ ነገር ምንባብ ሓደገቶ። (ምሳ. 20:3) ካልኣይ፡ ትውክልታ ኣብቲ ኻብ ሰብኣዊ መንግስቲ ዚመጽእ ለውጢ ዘይኰነስ፡ ኣብ የሆዋ ምእንቲ ኽትገብር ሓገዝ ንምርካብ ናብኡ ጸለየት። (መዝ. 9:9, 10) ሳልሳይ፡ ኣብ ጽሑፋትና ዝወጸ ብዛዕባ ገለልትነት ዚምልከት ዓንቀጻት ኣንበበት። (ዮሃ. 17:16) ሕጂ ጆኣና ንሰበ ስልጣን እተኽብርን እትእዘዝን ብምዃና “ብቓላት ኪግለጽ ዘይከኣል ሰላም” ከም ዝረኸበት ትገልጽ።
ካብ ውድብ የሆዋ ንዚመጽእ መምርሒ ተኣዘዝ
15. ካብ ውድብ የሆዋ ዚመጽእ መምርሒ እንተ ኸበደና ኼገርመና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧
15 የሆዋ፡ “ንዚመርሑኹም ተኣዘዝዎም” ብምባል ነቶም ኣብ ጉባኤ ዚመርሑና ኽንእዘዞም መምርሒ ሂቡና ኣሎ። (እብ. 13:17) እቲ መራሒና ዝዀነ የሱስ ፍጹም እኳ እንተ ዀነ፡ እቶም ንዓና ንምምራሕ ኣብ ምድሪ ዚጥቀመሎም ሰባት ግና ፍጹማት ኣይኰኑን። ምናዳ ኽንገብሮ ዘይንደሊ ምስ ዚእዝዙና፡ ተኣዛዝነት የጸግመና እዩ። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ተኣዛዝነት ዝኸበዶ እዋን ነይሩ እዩ። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ርኹሳት ዝዀኑ እንስሳታት ኪበልዕ ካብ መልኣኽ መምርሒ ምስ ተዋህቦ፡ ሓንሳእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሰለስተ ሳዕ እዩ ኣብዩ። (ግብ. 10:9-16) ስለምንታይ፧ ነቲ ሓድሽ መምርሒ ኺርድኦ ኣይከኣለን። ካብቲ ቕድም ዚፈልጦ እተፈልየ እዩ ዀይንዎ። ጴጥሮስ ነቲ ኻብ ሓደ ፍጹም መልኣኽ እተዋህቦ መምርሒ ምቕባል እኳ ኻብ ከበዶ፡ ካብ ዘይፍጹማት ሰባት ዚውሃበና መምርሒ እንተ ኸበደና እምበኣር ኬገርመና የብሉን።
16. ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ እተዋህቦ መምርሒ ዘይሚዛናዊ ገይሩ ኺርእዮ ዚኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ግናኸ እንታይ እዩ ገይሩ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 21:23, 24, 26)
16 ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ዘይሚዛናዊ ገይሩ ኺርእዮ ዚኽእል ዝነበረ መምርሒ ምስ ተዋህቦ፡ “ሰማዕ” ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ካብ ኣይሁድ ዝዀኑ ክርስትያናት ብዛዕባ ጳውሎስ ወረ ሰሚዖም ነበሩ። “ምስ ሙሴ ዚጻረር ክሕደት” ከም ዚምህርን ሕጊ ሙሴ ኸም ዘየኽብርን ተወርዩ ነይሩ እዩ። (ግብ. 21:21) ስለዚ፡ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያን ሽማግለታት፡ ንሱ ንሕጊ ሙሴ ኸም ዚሕሉ ምእንቲ ኼርኢ ኣርባዕተ ሰብኡት ናብታ ቤተ መቕደስ ኪማላእ እሞ ምሳታቶም ኪነጽህ መምርሒ ሃብዎ። ጳውሎስ፡ ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኸም ዘይኰኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ዋላ ሓንቲ ጌጋ እውን ኣይገበረን ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ብኡብኡ ኸምቲ እተባህሎ ገበረ፡ “ነቶም ሰብኡት ሒዙ ንጽብሒቱ ምሳታቶም ነጽሀ።” (ግብሪ ሃዋርያት 21:23, 24, 26 ኣንብብ።) እዚ ተኣዛዝነቱ ድማ ንሓድነት ኣበርክቶ ገበረ።—ሮሜ 14:19, 21።
17. ካብ ተመክሮ ስተፋኒ እንታይ ትምሃር፧
17 ስተፋኒ ዝስማ ሓብቲ፡ ኣብ ሃገራ ዚርከቡ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ዝገበርዎ ውሳነ ምቕባል ከቢድዋ ነበረ። ንሳን ሰብኣያን ኣብ ጕጅለ ቛንቋ ወጻኢ ተሓጒሶም የገልግሉ ነበሩ። ድሕርዚ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ነታ ጕጅለ ኣፍረሳ፣ እቶም ሰብ ሓዳር ከኣ ቋንቋኦም ናብ እትጥቀም ጉባኤ ተመደቡ። ስተፋኒ ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዓ ኽትገልጽ ከላ፡ “ኣዝየ እየ ጕህየ፡ ኣብ ቋንቋና ዝያዳ ዓየይቲ የድልዩ ዚብል ሓሳብ ኣየእመነንን ነይሩ” ብምባል ትእመን። ይኹን እምበር፡ ነቲ ሓድሽ መምርሒ ኽትድግፍ ወሰነት። ድሕሪኡ ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ክትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “እናሓደረ እቲ ውሳነ ጥበባዊ ምዃኑ ኽርኢ ኽኢለ እየ። ኣብ ሓቂ ስድራ ቤት ንዘይብሎም ኣብ ጉባኤና ንዚርከቡ ሰባት መንፈሳውያን ወለዲ ዄንናዮም ኢና። ሕጂ ድማ ከም ብሓድሽ ንጥፍቲ ምስ ዝዀነት ሓብቲ አጽንዕ ኣለኹ። ንብሕታዊ መጽናዕቲ እውን ዝያዳ ግዜ ኣሎኒ።” ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “እዝዝቲ ንምዃን ዚከኣለኒ ስለ ዝገበርኩ፡ ጽሩይ ሕልና ኣሎኒ” ትብል።
18. ካብ ተኣዛዝነት ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧
18 ተኣዛዝነት ክንምሃር ንኽእል ኢና። የሱስ ኣብ ምሹእ ኵነታት ኰይኑ ዘይኰነስ፡ “በቲ ዘሕለፎ መከራ ተኣዛዝነት ተማሂሩ እዩ።” (እብ. 5:8) ንሕና እውን ከም የሱስ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትሕቲ ፈታኒ ዅነታት ኢና ተኣዛዝነት እንምሃር። ንኣብነት፡ ኣብ መጀመርታ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንገብሮ ኣኼባን ኣብ በቤት እናኸድና እንገብሮ ኣገልግሎትን ኬቋርጽ መምርሒ ምስ ተዋህበ፡ ተኣዛዝነት ከቢዱካዶ ነይሩ፧ ኰይኑ ግና፡ ተኣዛዝነትካ ዕቝባ ዀይኑካ፡ ምስ ክርስትያናት ኣሕዋትካ ሓድነት ከም ዚህልወካ ገይሩ፡ ንየሆዋ እውን ባህ ኣቢልዎ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ኵላትና ነቲ ኣብ ብርቱዕ ጸበባ ዚውሃበና መምርሒ እዙዛት ንምዃን ብዝሓሸ ተዳሊና ኣለና። እዚ ናይ ህይወትን ሞትን ጕዳይ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—እዮ. 36:11።
19. ስለምንታይ ኢኻ እዙዝ ክትከውን እትደሊ፧
19 ተኣዛዝነት ኣዝዩ ብዙሕ በረኸት ከም ዜምጽእ ተማሂርና ኢና። ንየሆዋ እዙዛት እንዀነሉ ቐንዲ ምኽንያት ግና፡ ንዕኡ ስለ እነፍቅሮን ባህ ከነብሎ ስለ እንደልን እዩ። (1 ዮሃ. 5:3) ኣብ ክንዲ እቲ ዝገበረልና ዅሉ ጽቡቕ፡ ውሬታ ኽንመልሰሉ ኣይንኽእልን ኢና። (መዝ. 116:12) ንዕኡ ዀነ ነቶም ኣብ ልዕሌና ስልጣን ዘለዎም ግና ክንእዘዞም ንኽእል ኢና። እንተ ተኣዚዝና ጥበበኛታት ኢና እንኸውን። ጥበበኛታት ከኣ ንልቢ የሆዋ የሐጕስዎ እዮም።—ምሳ. 27:11።
መዝሙር 89 ክትባረኽ ተኣዘዝ
a ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ተኣዛዝነት ንዅላትና ይኸብደና እዩ። ዋላ እውን ካብ ብዓል ስልጣን መምርሒ እናተዋህበና ምእዛዝ ንኣቢ ንኸውን። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እቶም ንወለዶምን ‘ኣብ ልዕሊኦም ንዘለዉ ሰበ ስልጣንን’ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንዚመርሑ ኣሕዋትን ዚእዘዙ ሰባት እንታይ ጥቕምታት ከም ዚረኽቡ ትገልጽ።
b ብዛዕባ ዚኸብደካ ሕግታት ንወለድኻ ብኸመይ ከም እትዛረቦም ብዚምልከት፡ ኣብ jw.org፡ “ንወለደይ ብዛዕባ እቲ ዜውጽእዎ ሕግታት ብኸመይ ክዛረቦም እኽእል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
c መግለጺ ስእሊ፦ ዮሴፍን ማርያምን ትእዛዝ ቄሳር ብምኽባር፡ ኪምዝገቡ ኢሎም ናብ ቤት-ልሄም ከዱ። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ከኣ ሰበ ስልጣን ንዝሰርዕዎ ሕግታት ትራፊክን ሕግታት ግብርን መምርሒታት ጥዕናን ይሕልዉ እዮም።