ዓንቀጽ መጽናዕቲ 18
መዝሙር 65 ንገስግስ!
ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋት፡ ንማርቆስን ንጢሞቴዎስን ምሰልዎም
“ማርቆስ ንኣገልግሎት ይጠቕመኒ እዩ እሞ፡ ተማሊእካዮ ምጻእ።”—2 ጢሞ. 4:11።
ኣትኵሮ
መንእሰያት ኣሕዋት በቲ ማርቆስን ጢሞቴዎስን ዝሓደግዎ ኣብነታት ተላዒሎም፡ ንኻልኦት ብዝያዳ ንምግልጋል ዜኽእሎም ባህርያት ብኸመይ ከም ዜማዕብሉ።
1-2. እንታይ ብድሆታት እዩ ንማርቆስን ንጢሞቴዎስን ንኻልኦት ብዝያዳ ኻብ ምግልጋል ኪዓግቶም ዚኽእል ዝነበረ፧
ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋት፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዝያዳ ኽትገብሩን ነቶም ኣብ ጉባኤኹም ዘለዉ ሰባት ብዝያዳ ኽትሕግዙን ትደልዩዶ፧ ከምኡ ኽትገብሩ ኸም እትደልዩ ኣየጠራጥርን እዩ። ብዙሓት መንእሰያት ኣሕዋት ንኻልኦት ንምግልጋል ብፍታው ርእሶም ዜቕርቡ ምዃኖም ኣዝዩ ዜተባብዕ እዩ። (መዝ. 110:3) ኰይኑ ግና፡ ጸገማት የጋጥመኩም ይኸውን። ንኣብነት፡ ህይወትኩም ከመይ ከም ዚኸውን ዘይምፍላጥኩም፡ ኣገልግሎትኩም ከይተስፍሑ ኣፍሪሁኩምዶ፧ ርእሰ ምትእምማን ስለ ዚጐድለኩምከ፡ ገሊኡ ዕዮ ኻብ ምቕባል ኣድሓርሒርኩምዶ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዕኩም፡ እዚ ብኣኻትኩም ኣይተጀመረን።
2 ማርቆስን ጢሞቴዎስን ተመሳሳሊ ብድሆታት ኣጋጢምዎም ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ህይወቶም ከመይ ከም ዚኸውን ዘይምፍላጦም ወይ ብዙሕ ተመክሮ ዘይብሎም ምዃኖም፡ ንኻልኦት ካብ ምግልጋል ኪዓግቶም ኣይፈቐዱን። ማርቆስ ምስ ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም ኪጽምበሮም ጻውዒት ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ምስ ኣዲኡ ኣብ ምሽእቲ መንበሪት ይነብር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብ. 12:12, 13, 25) ኰይኑ ግና፡ ኣገልግሎቱ ንምስፋሕ ነቲ ዝለመዶ ሃዋህው ሓዲጉ ኸደ። ፈለማ ናብ ኣንጾክያ ገዓዘ። ድሕሪኡ ድማ፡ ንሃዋርያ ጳውሎስን ንበርናባስን ኣሰንይዎም ናብ ርሑቕ ቦታታት ከደ። (ግብ. 13:1-5) ብተመሳሳሊ እውን ጢሞቴዎስ ኣብ ዕዮ ስብከት ንሃዋርያ ጳውሎስ ኣሰንይዎ ኪኸይድ ጻውዒት ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ምስ ወለዱ እዩ ዚነብር ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። ገና ተመክሮ ዘይብሉ መንእሰይ ስለ ዝነበረ፡ ጕድለት ርእሰ ምትእምማኑ ኺዓግቶ ምኸኣለ ነይሩ። (ምስ 1 ቈረንቶስ 16:10, 11ን 1 ጢሞቴዎስ 4:12ን ኣረኣኢ።) ይኹን እምበር፡ ነቲ ኻብ ጳውሎስ ዝቐረበሉ ጻውዒት ተቐበለ። ብዙሕ በረኸት እውን ረኸበ።—ግብ. 16:3-5።
3. (ሀ) ጳውሎስ ንማርቆስን ንጢሞቴዎስን ክሳዕ ክንደይ እዩ ዜድንቖም ነይሩ፧ (2 ጢሞቴዎስ 4:6, 9, 11) (ስእልታት እውን ርአ።) (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧
3 ማርቆስን ጢሞቴዎስን ገና ብንእስነቶም ጽቡቕ ተመክሮ ኣጥረዩ፣ ከቢድ ሓላፍነታት እውን ተሰከሙ። ጳውሎስ ነዞም መንእሰያት እዚኣቶም ኣመና የድንቖም ስለ ዝነበረ፡ ደሓር ኣብ ኣጋ ሞቱ ኣብ ጐድኑ ኪዀኑ ደልይዎም ነበረ። (2 ጢሞቴዎስ 4:6, 9, 11 ኣንብብ።) ጳውሎስ ንማርቆስን ንጢሞቴዎስን ዝፈተዎም እንታይ ባህርያት ስለ ዝነበሮም እዩ፧ መንእሰያት ኣሕዋትከ ኸመይ ገይሮም እዮም ከም ናታቶም ዓይነት ኣረኣእያ ኺሕዙ ዚኽእሉ፧ ካብቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ኣባታዊ ምኽሪኸ ብኸመይ ኪጥቀሙ ይኽእሉ፧
ንምግልጋል ፍቓደኛታት ብምዃን ንማርቆስ ምሰልዎ
4-5. ማርቆስ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ፍቓደኛ ምዃኑ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧
4 ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ ምግልጋል ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ንኻልኦት ንምሕጋዝ “ብትግሃት ከይተሓለልካ” እትገብሮ ጻዕሪ የመልክት። ኣብዚ መዳይ እዚ ማርቆስ ጽቡቕ ኣብነት ይኸውን እዩ። ጳውሎስ ኣብቲ ኻልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ንማርቆስ ምምላኡ ምስ ኣበየ፡ ማርቆስ ሕማቕ ተሰሚዕዎን ጕህዩን ኪኸውን ኣለዎ። (ግብ. 15:37, 38) እዚ ግና ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ካብ ምግልጋል ኣይዓገቶን።
5 ማርቆስ ምስ ዘመዱ በርናባስ ንምግልጋል ናብ ካልእ ዓዲ ኸደ። ድሕሪ 11 ዓመት ኣቢሉ፡ ጳውሎስ ንፈለማ ግዜ ኣብ ሮሜ ምስ ተኣስረ፡ ማርቆስ ሓደ ኻብቶም ንዕኡ ዚድግፍዎ ዝነበሩ ሰባት ነበረ። (ፊሞ. 23, 24) ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ጳውሎስ ነቲ እተገብረሉ ደገፍ ኣዝዩ ስለ ዘማሰወሉ፡ ንማርቆስ፡ “ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ።—ቈሎ. 4:10, 11።
6. ማርቆስ ካብቲ ምስ ብሱላት ክርስትያናት ዝነበሮ ቕርርብ ብኸመይ እዩ ተጠቒሙ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)
6 ማርቆስ ካብቲ ምስ ብሱላት ክርስትያናት ዝነበሮ ናይ ቀረባ ርክብ ተጠቒሙ እዩ። ምስ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ እተወሰነ ግዜ ድሕሪ ምሕላፉ፡ ምስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንምዕያይ ናብ ባቢሎን ከደ። ኣብ መንጎኦም ናይ ቀረባ ርክብ ስለ ዝማዕበለ እውን ጴጥሮስ፡ “ወደይ ማርቆስ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (1 ጴጥ. 5:13) ብሓባር ኬገልግሉ ኸለዉ፡ ጴጥሮስ ንማርቆስ ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ፡ ብዙሕ መሳጢ ዛንታ ኣዘንተወሉ። ማርቆስ ከኣ ነዚ ዛንታ እዚ ኣብ ወንጌሉ መዝጊብዎ ኣሎ። a
7. ሰንግ-ኡ ዚብሃል መንእሰይ ኣብነት ማርቆስ ዝሰዓበ ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
7 ማርቆስ ኣብ ኣገልግሎቱ ብንጡፍ ይሳተፍ፡ ምስ ብሱላት ኣሕዋት ድማ ብቐጻሊ ይቃራረብ ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ንማርቆስ ክትመስሎ እትኽእል፧ ሓደ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ክትረክብ እንተ ዘይክኢልካ፡ ትዕግስቲ ግበር፣ ንየሆዋን ንጉባኤኻን ከተገልግለሉ እትኽእል ካልእ መገድታት እውን ኣናዲ። ሕጂ ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል ዘሎ ሰንግ-ኡ እንታይ ከም ዝገበረ እስከ ንርአ። መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ገዛእ ርእሱ ምስ ካልኦት መንእሰያት ኣሕዋት የወዳድር ነበረ። ገሊኦም ድማ ቀዲሞምዎ ፍሉይ መሰላት ረኸቡ። ዕሽሽ እተባህለ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ፡ ብዛዕባ እዚ ንብሱላት ኣሕዋት ኣማኸረ። ሓደ ሽማግለ ኸኣ፡ ዋላ እውን ሓድሓደ ግዜ ኻልኦት ሰባት ንሰናይ ተግባሩ እንተ ዘየስተብሃሉሉ፡ ንሰባት ንምግልጋል ዚከኣሎ ኺገብር መዓዶ። እዚ ምኽሪ እዚ ድማ ብዕድመ ንዝደፍኡ ምሕጋዝን ነቶም ናብ ጉባኤ ዜመላልስ ሰብ ዚደልዩ ንምድጋፍን ኣለዓዓሎ። ብዛዕባ እዚ ምልስ ኢሉ ኺሓስብ ከሎ፡ “ንኻልኦት ምግልጋል ኪብሃል ከሎ እንታይ ከም ዜጠቓልል ብዝያዳ እዩ ተረዲኡኒ። ግብራዊ ሓገዝ ብምሃበይ ዝያዳ ሓጐስ እየ ረኺበ” ይብል።
ፍቕራዊ ሓልዮት ብምርኣይ ንጢሞቴዎስ ምሰልዎ
8. ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ መጋይሽቱ ኪኸውን ዝሓረዮ ስለምንታይ እዩ፧ (ፊልጲ 2:19-22)
8 ጳውሎስ ናብተን ብርቱዕ ተቓውሞ ኣጋጢሙሉ ዝነበረ ኸተማታት ኪምለስ ምስ ሓሰበ፡ ተባዕ መጋይሽቲ ደለየ። ኣብ መጀመርታ ሲላስ ንዝስሙ ምኩር ክርስትያን ምስኡ ኪኸይድ ሓረዮ። (ግብ. 15:22, 40) ጸኒሑ ኸኣ፡ ንጢሞቴዎስ ብጻዩ ኪኸውን ሓረዮ። ስለምንታይ እዩ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ሓርይዎ፧ ብቐዳምነት፡ ጽቡቕ እተመስከረሉ እዩ ነይሩ። (ግብ. 16:1, 2) ብዛዕባ ሰባት ከኣ ናይ ሓቂ ይሓሊ ነይሩ እዩ።—ፊልጲ 2:19-22 ኣንብብ።
9. ጢሞቴዎስ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ብሓቂ ኸም ዚሓልየሎም ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧
9 ጢሞቴዎስ ምስ ጳውሎስ ኣገልግሎቱ ኻብ ዚጅምር ኣትሒዙ፡ ካብ ገዛእ ርእሱ ንላዕሊ ንኻልኦት ከም ዚሓሊ ኣርእዩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ነቶም ኣብ ቤርያ ዝነበሩ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ምእንቲ ኼተባብዖም ኢሉ ኣብኡ ሓዲግዎ ኸደ። (ግብ. 17:13, 14) ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ጢሞቴዎስ ካብቲ ምስኡ ኣብ ቤርያ ዝተረፈ ሲላስ ተጠቒሙ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕርዚ ግና፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ምእንቲ ኼበርትዖም ኢሉ ንበይኑ ልኢኽዎ እዩ። (1 ተሰ. 3:2፡ እ.ጽ.) ኣብቲ ዚቕጽል 15 ዓመት፡ ‘ምስቶም ዚበኽዩ በኽዩ፡’ ማለት ነቶም መከራ ዘለዎም ደንጊጹሎም እዩ። (ሮሜ 12:15፣ 2 ጢሞ. 1:4) እሞ ደኣ መንእሰያት ክርስትያናት ከመይ ገይሮም እዮም ንጢሞቴዎስ ኪመስልዎ ዚኽእሉ፧
10. ኡ ጄ ዝስሙ ሓው ብዝያዳ ብሕታዊ ተገዳስነት ኬርኢ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧
10 ኡ ጄ ዝስሙ ሓው ከመይ ገይሩ ብዝያዳ ብሕታዊ ተገዳስነት ከም ዜርኢ ተማሂሩ እዩ። መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብዕድመ ምስ ዝደፍኡ ኣሕዋትን ኣሓትን ምዝርራብ ይኸብዶ ነበረ። ስለዚ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሰላምታ ጥራይ ሂቡ ሓሊፍዎም ይኸይድ ነበረ። ሓደ ሽማግለ ግና ንኡ ጄ፡ ንክርስትያናት ኣሕዋቱ ብዛዕባ እቲ ንሱ ኣባታቶም ዚፈትዎ ነገር ብምንጋር ዝርርብ ኪጅምር ሓሳብ ሃቦ። ብዛዕባ እቲ ንኻልእ ሰብ ዜገድሶ ነገር ኪሓስብ እውን ተማሕጸኖ። ኡ ጄ ኣብቲ ምስ ካልኦት ዘለዎ ርክብ ነዚ ምኽሪ እዚ ዓየየሉ። ሎሚ ሽማግለ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ሕጂ ኣብ እተፈላለየ ኽሊ ዕድመ ምስ ዚርከቡ ሰባት ትርጉም ዘለዎ ዝርርብ ምግባር ኣይከብደንን እዩ። ብዛዕባ እቲ ንሰባት ዜተሓሳስቦም ነገራት እቲ ዝሓሸ ርድኢት ስለ ዘሎኒ፡ ጽቡቕ እዩ ዚስምዓኒ። እዚ ኸኣ ንክርስትያናት ብጾተይ ንምሕጋዝ ብዙሕ ጠቒሙኒ እዩ።”
11. ከመይ ገይሮም እዮም መንእሰያት ኣሕዋት ኣብ ጉባኤኦም ንዘለዉ ሰባት ብሕታዊ ተገዳስነት ኬማዕብሉ ዚኽእሉ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
11 ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋት፡ ንስኻትኩም እውን ንኻልኦት ሰባት ብሕታዊ ተገዳስነት ከተማዕብሉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ኣኼባታት ነቶም እተፈላለየ ዕድመን ድሕረ ባይታን ዘለዎም ሰባት ተገደሱሎም። ከመይ ከም ዘለዉ ሕተትዎም፡ ኪዛረቡኹም ከለዉ እውን ስምዕዎም። እናሓደርኩም ብኸመይ ከም እትሕግዝዎም ክትፈልጡ ኢኹም። ምናልባት ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ሓዳር ኣብ ኣጠቓቕማ JW Library® ሓገዝ ከም ዜድልዮም፡ ወይ ድማ መገላግልቲ ኸም ዘይብሎም ትፈልጡ ትዀኑ። እሞ ደኣ ንኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታቶም ብኸመይ ከም ዚጥቀሙሉ ኽትሕግዝዎም ወይ ናብ ኣገልግሎት ምሳታቶም ክትወፍሩ ትኽእሉዶ፧ ብተበግሶኹም ንኻልኦት እንተ ሓጊዝኩም፡ ንዅሉ ሰብ ሰናይ ኣብነት ክትኰኑ ኢኹም።
ካብቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ኣባታዊ ምኽሪ ተጠቐሙ
12. ከመይ ገይሮም እዮም መንእሰያት ኣሕዋት ካብቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝሃቦ ምኽሪ ኺጥቀሙ ዚኽእሉ፧
12 ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኣብ ህይወቱን ኣብ ኣገልግሎቱን ዜዐውቶ ግብራዊ ምኽሪ ሂብዎ እዩ። (1 ጢሞ. 1:18፣ 2 ጢሞ. 4:5) ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋት እውን፡ ካብቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ኣባታዊ ምኽሪ ኽትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ብኸመይ፧ ነተን ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ዝጸሓፈን ክልተ መልእኽትታት ንዓኻትኩም ከም እተጻሕፋልኩም ጌርኩም ኣንብብወን፣ ካባታተን ድማ ኣብ ህይወትኩም ክትዓይዩሉ እትኽእሉ ምኽሪ ርኸቡ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።
13. ንየሆዋ ተኣማንነት ንምምዕባል ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
13 “ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት ከም ሸቶኻ ጌርካ ርእስኻ ኣሰልጥን።” (1 ጢሞ. 4:7ለ) ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ እዚ ነገር እዚ ነቲ ንየሆዋ ዘሎካ ተኣማንነትን ንዕኡ ባህ ንምባል ዘሎካ ባህግን የመልክት። ነዚ ባህርይ እዚ ወሪስና ስለ ዘይንውለድ፡ ከነማዕብሎ ኣሎና። ብኸመይ፧ እታ “ርእስኻ ኣሰልጥን” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ነቲ ኣትለታት ንውድድር ንምድላው ዚገብርዎ ጽዑቕ ስልጠና ተመልክት። ኣትለታት ገዛእ ርእሶም ኪግስጹ የድልዮም እዩ። ንሕና እውን ናብ የሆዋ ኸም እንቐርብ ዚገብረና ልማዳት ምእንቲ ኸነማዕብል፡ ገዛእ ርእስና ኽንግስጽ የድልየና እዩ።
14. መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና ሸቶና እንታይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ፧ ብኣብነት ኣረድእ።
14 መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልማድ ከተማዕብል ከለኻ፡ ሸቶኻ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ንኣብነት፡ ካብቲ የሱስ ምስቲ ሃብታም ጐበዝ እተራኸበሉ እዋን ዚትርኽ ዛንታ እንታይ ትምሃር፧ (ማር. 10:17-22) እቲ ጐበዝ፡ የሱስ፡ መሲሕ ምዃኑ ኣመነ፣ እምነቱ ጐደሎ ስለ ዝነበረት ግና፡ ኪስዕቦ ኣይደለየን። ይኹን እምበር፡ የሱስ “ፈተዎ።” እሞ ደኣ በቲ የሱስ ነቲ ጐበዝ እተዛረበሉ መገዲ ውሽጥኻዶ ኣይተተንከየን፧ የሱስ መሸም ጽቡቕ ውሳነ ኺገብር እዩ ደልይዎ ነይሩ። ንፍቕሪ የሆዋ እውን እዩ ዜንጸባርቕ ነይሩ። (ዮሃ. 14:9) ብዛዕባ እዚ ዛንታ እዝን ብዛዕባ ዅነታትካን ክትሓስብ ከለኻ፡ “ናብ የሆዋ ብዝያዳ ንምቕራብን ንኻልኦት ብዝያዳ ንምግልጋልን እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧” ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።
15. ሓደ መንእሰይ ሓው ጽቡቕ ኣብነት ብዛዕባ ምዃን ኪሓስብ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ። (1 ጢሞቴዎስ 4:12, 13)
15 “ነቶም እሙናት . . . ኣርኣያ ኹኖም።” (1 ጢሞቴዎስ 4:12, 13 ኣንብብ።) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ከም ምንባብን ምምሃርን ዝኣመሰለ ኽእለታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ፍቕርን እምነትን ንጽህናን ዝኣመሰለ ባህርያት እውን ኬማዕብል ተማሕጸኖ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ጽቡቕ ኣብነት ካብ ቃላት ንላዕሊ ዓው ኢሉ ይዛረብ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣገልግሎት ቅንኣትና ብዛዕባ ምውሳኽ መደረ ተዋሂቡካ ንበል። ኣብ ኣገልግሎት ዚከኣለካ ትገብር እንተ ኣሊኻ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንምዝራብ ኣይከብደካን እዩ። ኣብነትካ ንቓላትካ ርዝነት ይውስኸሉ እዩ።—1 ጢሞ. 3:13።
16. (ሀ) ኣብ ምንታይ ሓሙሽተ መዳያት እዮም መንእሰያት ክርስትያናት ኣርኣያ ኪዀኑ ዚኽእሉ፧ (ለ) ሓደ መንእሰይ ሓው ብኸመይ እዩ “ብቓል” ኣርኣያ ኪኸውን ዚኽእል፧
16 ጳውሎስ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 4:12፡ መንእሰያት ኣሕዋት ኣርኣያ ኪዀኑሉ ዚኽእሉሉ ሓሙሽተ መዳያት ጠቒሱ ኣሎ። እሞ ደኣ ነዚ በብሓደ ንምንታይ ኣብ ብሕታዊ መጽናዕትኻ ዘይትምርምሮ፧ ንኣብነት፡ “ብቓል” ኣርኣያ ኽትከውን ደሊኻ ንበል። ስለዚ፡ ዘረባኻ ሃናጺ ብዛዕባ ዝዀነሉ መዳያት ሕሰብ። ገና ምስ ወለድኻ ትነብር እንተ ኣሊኻ፡ ስለቲ ዚገብሩልካ ዘለዉ ነገራት ብዝያዳ ሞሳኻ ኽትገልጽ ትኽእልዶ፧ ንሓደ ኣብ ኣኼባ ኽፍሊ ዝነበሮ ሰብ፡ ካብቲ ዘቕረቦ እንታይ ከም ዝተንከየካ ድሕሪ ኣኼባ ኽትነግሮ ትኽእልዶ፧ ብዘይካዚ፡ ኣብ ኣኼባታት ብናትካ ቓላት ሓሳብ ክትህብ ትኽእል ኢኻ። ብቓል ኣርኣያ ንምዃን እትገብሮ ጻዕርታት መንፈሳዊ ዕቤት ትገብር ከም ዘለኻ የርኢ እዩ።—1 ጢሞ. 4:15።
17. ሓደ መንእሰይ ሓው መንፈሳዊ ሸቶታቱ ንምውቃዕ እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧ (2 ጢሞቴዎስ 2:22)
17 “ካብ ትምኒት ንእስነት ህደም፣ . . . ጽድቂ . . . ስዓብ።” (2 ጢሞቴዎስ 2:22 ኣንብብ።) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ምስቲ ኻብ መንፈሳዊ ሸቶታቱ ኸም ዜስግል ዚገብሮ፡ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ እውን ዜበላሽወሉ ትምኒታት ኪቃለስ ተማሕጸኖ። ንስኻ እውን ገሊኡ ንጥፈታት ጌጋ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ግና ግዜ ኼስእነካ ኸም ዚኽእል ኣስተውዒልካ ትኸውን። ንኣብነት፡ ኣብ ስፖርት፡ ኣብ ኢንተርነት፡ ወይ ኣብ ጸወታታት ቪድዮ ኽንደይ ግዜ ኸም እተሕልፍ እሞ ሕስብ ኣብሎ። እሞ ደኣ ገለ ኻብቲ ግዜ እቲ ንቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ክትጥቀመሉዶ ትኽእል፧ ምናልባት ኣብ ጽገና ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ ናይ ዓረብያ ምስክርነት ክትሕግዝ ትኽእል ትኸውን። ኣብዚ ንጥፈታት እዚ እንተ ተሳቲፍካ፡ መንፈሳዊ ሸቶታት ከተውጽእን ነቲ ሸቶታትካ ኽትወቕዖን ዚሕግዙኻ ሓደስቲ ፈተውቲ ኸተጥሪ ኢኻ።
ንኻልኦት ምግልጋል በረኸት የምጽእ
18. ማርቆስን ጢሞቴዎስን፡ ሓጐስን ዕግበትን ዘለዎ ህይወት መሪሖም ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
18 ማርቆስን ጢሞቴዎስን ንሰባት ብዝያዳ ንምግልጋል መስዋእቲ ገይሮም እዮም፣ ስለዚ ድማ፡ ሓጐስን ዕግበትን ዘለዎ ህይወት መሪሖም እዮም። (ግብ. 20:35) ማርቆስ ንክርስትያናት ብጾቱ ኼገልግል ኢሉ ናብ በበይኑ ኽፋላት ዓለም ተጓዒዙ እዩ። ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ዚትርኽ መሳጢ ዛንታ እውን ጽሒፉ እዩ። ጢሞቴዎስ ከኣ ንጳውሎስ፡ ጉባኤታት ንምቛምን ንኣሕዋትን ንኣሓትን ንምህናጽን ሓጊዝዎ እዩ። የሆዋ በቲ ማርቆስን ጢሞቴዎስን ጥቕሚ ርእሶም ብምስዋእ ዘርኣይዎ መንፈስ ብርግጽ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ።
19. መንእሰያት ኣሕዋት ነቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝሃቦ ምኽሪ ኬቕልቡሉ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ እዚኸ እንታይ የፍሪ፧
19 ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝነበሮ ፍቕሪ፡ ኣብተን ናብኡ ዝጸሓፈን መልእኽትታት ብንጹር ይርአ እዩ። እዘን ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፋ መልእኽትታት፡ የሆዋ ንዓኻትኩም ንመንእሰያት እውን ኣዝዩ ኸም ዜፍቅረኩም ይሕብራ። ዕዉታት ክትኰኑ ይደልየኩም እዩ። እምበኣር፡ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ኣባታዊ ምኽሪ ኣብ ልብኹም ኣሕድርዎ፡ ንሰባት ብዝያዳ ንምግልጋል ከኣ ባህጊ ኣማዕብሉ። ከምኡ እንተ ጌርኩም፡ ሕጂ ዜደንቕ ህይወት ኪህልወኩም፡ ነታ እትመጽእ ‘ናይ ሓቂ ህይወት እውን ኣጽኒዕኩም ክትሕዝዋ’ ኢኹም።—1 ጢሞ. 6:18, 19።
መዝሙር 80 “የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን”
b መግለጺ ስእሊ፦ ማርቆስ ንጳውሎስን ንበርናባስን ኣብ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም የገልግሎም። ጢሞቴዎስ ንኣሕዋት ንምብርታዕን ንምትብባዕን ኢሉ ንሓንቲ ጉባኤ ይበጽሓ።