ዓንቀጽ መጽናዕቲ 14
መዝሙር 8 የሆዋ እዩ መዕቈቢና
“ንመን ከም እተገልግሉ . . . ሕረዩ”
“ኣነን ቤተ ሰበይን ግና፡ ንየሆዋ ኢና እነገልግል።”—እያ. 24:15።
ኣትኵሮ
ንየሆዋ ንምግልጋል ዝሓረናሉ ምኽንያታት ንምዝኽኻር።
1. ብሓቂ ሕጉሳት ምእንቲ ኽንከውን፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧ (ኢሳይያስ 48:17, 18)
እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኣዝዩ የፍቅረና እዩ፣ ሕጅን ኣብ መጻእን ተሓጒስና ኽንነብር እውን ይደልየና እዩ። (መክ. 3:12, 13) ዜደንቕ ክእለታት ሂቡ እዩ ፈጢሩና። እንተዀነ ግና፡ ሰብ ንሰብ ናይ ምግዛእ ክእለት፡ ወይ መለክዒታት ቅኑዕን ጌጋን ባዕልና ናይ ምውሳን ክእለት ሂቡ ኣይኰነን ፈጢሩና። (መክ. 8:9፣ ኤር. 10:23) ብሓቂ ሕጉሳት ምእንቲ ኽንከውን፡ ንዕኡ ኸነገልግሎን ብመለክዒታቱ ኽንመላለስን ከም ዘሎና ይፈልጥ እዩ።—ኢሳይያስ 48:17, 18 ኣንብብ።
2. ሰይጣን እንታይ እዩ ኼእምነና ዚደሊ፧ እዚ ሓሶት ምዃኑ ምእንቲ ኺረጋገጽከ የሆዋ እንታይ እዩ ገይሩ፧
2 ሰይጣን ግና፡ ብዘይ የሆዋ ሕጉሳት ክንከውን ከም እንኽእል፡ ማለት ደቂ ሰብ ገዛእ ርእሶም ጽቡቕ ገይሮም ኬመሓድሩ ኸም ዚኽእሉ ኼእምነና ይደሊ እዩ። (ዘፍ. 3:4, 5) እዚ ሓሶት ምዃኑ ምእንቲ ኺረጋገጽ፡ የሆዋ ንዓለወኛታት ደቂ ሰብ፡ ንእተወሰነ ግዜ ገዛእ ርእሶም ኬመሓድሩ ፈቐደሎም። ሰብኣዊ ግዝኣት ዘስዓቦ ዜሕዝን ሳዕቤን፡ ብቐሊሉ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዜሐጕስ ህይወት ከም ዚመርሑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ኣሎ። ካባታቶም ብቐዳምነት ዚጥቀስ ድማ፡ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ፈለማ እምበኣር፡ የሱስ ንየሆዋ ምግልጋል ስለምንታይ ከም ዝሓረየ ንርአ። ድሕሪኡ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ስለምንታይ ኣምልኾና ኸም ዚግብኦ ኽንምርምር ኢና። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ገለ ኻብቲ ንየሆዋ ምግልጋል እንሓርየሉ ምኽንያታት ክንርኢ ኢና።
ስለምንታይ እዩ የሱስ ንየሆዋ ምግልጋል ሓርዩ፧
3. የሱስ እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ዝቐረበሉ፧ ንሱኸ እንታይ ውሳነ እዩ ዝገበረ፧
3 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንመን ከም ዜገልግል ኪሓሪ ነበሮ። ደድሕሪ ጥምቀቱ፡ ሰይጣን ናብኡ መጺኡ፡ “ፍግም ኢልካ እንተ ሰጊድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ” ብምባል ኵለን መንግስትታት ምድሪ ኸም ዚህቦ ቓል ኣተወሉ። የሱስ ግና፡ “‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኮ፡ ንዕኡ ንበይኑ ድማ ኣገልግሎ’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ኪድ፡ ሰይጣን!” ኢሉ መለሰሉ። (ማቴ. 4:8-10) ስለምንታይ እዩ የሱስ እዚ ውሳነ እዚ ገይሩ፧ ገለ ኻብቲ ምኽንያታቱ እስከ ንርአ።
4-5. የሱስ ንየሆዋ ምግልጋል ዝሓረየሉ ገለ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧
4 የሱስ ንየሆዋ ምግልጋል ዝሓረየሉ ቐንዲ ምኽንያት ፍቕሪ እዩ። ንኣቦኡ ዓሚቝን ጽኑዕን ፍቕሪ ኣለዎ። (ዮሃ. 14:31) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ንየሆዋ ምግልጋል ቅኑዕ ተግባር ምዃኑ የሱስ ይፈልጥ እዩ። (ዮሃ. 8:28, 29፣ ራእ. 4:11) ስለምንታይሲ፡ የሆዋ ምንጪ ህይወትን እሙንን ለጋስን እዩ። (መዝ. 33:4፣ 36:9፣ ያእ. 1:17) የሆዋ ንየሱስ ወትሩ ሓቂ እዩ ዚዛረቦ፣ ዘለዎ ዅሉ እውን ንሱ እዩ ሂብዎ። (ዮሃ. 1:14) ሰይጣን ግና ብኣንጻሩ ሞት እዩ ዜስዕብ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ሓሳዊ እዩ፡ ስሱዕ እዩ፡ ፈታው ርእሱ እዩ። (ዮሃ. 8:44) የሱስ እዚ ስለ ዚፈልጥ፡ ንሰይጣን ኪስዕቦን ካብ የሆዋ ኺዓሉን ከቶ ኣይሓሰበን።—ፊል. 2:5-8።
5 የሱስ ንየሆዋ ምግልጋል ዝሓረየሉ ኻልእ ምኽንያት ከኣ፡ በቲ ብተኣማንነት ዜቕርቦ ኣገልግሎት ኣቢሉ እንታይ ከም ዚዓምም ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እዩ። (እብ. 12:2) ብተኣማንነት እንተ ተመላሊሱ፡ ንስም ኣቦኡ ኸም ዚቕድሶ፡ ንዅሉ እቲ ድያብሎስ ዘምጸኦ መከራ እውን ከም ዜዐርዮ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።
የሆዋ ኣምልኾና ይግብኦ
6-7. ሎሚ ብዙሓት ሰባት ንየሆዋ ዘየገልግልዎ ስለምንታይ እዮም፧ ግናኸ ንሱ ኣምልኾና ዚግብኦ ስለምንታይ እዩ፧
6 ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ማራኺ ባህርያት የሆዋን ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝገበረሎም ነገራትን ስለ ዘይፈልጡ፡ ንየሆዋ ኣየገልግልዎን እዮም። እቶም ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሰበኸሎም ሰብ ኣቴና እውን ከምኡ እዮም ነይሮም።—ግብ. 17:19, 20, 30, 34።
7 ጳውሎስ ነቶም ሰማዕቱ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ “ንዅሉ፡ ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን ዚህብ” ከም ዝዀነ ገለጸሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን፡ ብእኡ እውን ኢና ዘለና” በሎም። እወ፡ ኣምላኽ ‘ካብ ሓደ ሰብ፡ ኵሉ ህዝቢ ዝገበረ’ ፈጣሪ እዩ። ስለዚ፡ ኣምልኾና ይግብኦ እዩ።—ግብ. 17:25, 26, 28።
8. የሆዋ ፈጺሙ እንታይ እዩ ዘይገብር፧ ግለጽ።
8 የሆዋ ፈጣሪናን ልዑላዊ ጐይታ ዅሉ ፍጥረትን ስለ ዝዀነ፡ ሰባት ብግዲ ኸም ዜገልግልዎ ኺገብር ምኸኣለ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ፈጺሙ ኸምኡ ኣይገብርን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሱ ኸም ዘሎ፡ ንነፍሲ ወከፍና እውን ኣዝዩ ኸም ዜፍቅረና መርትዖ የቕርበልና እዩ። ኵሎም ዓይነት ሰባት ንዘለኣለም ኣዕሩኹ ኪዀኑ ይደልዮም እዩ። (1 ጢሞ. 2:3, 4) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ብዛዕባ ዕላማኡ ንሰባት ክንምህር፡ ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ ዚገብረሎም ሰናይ እውን ክንነግር ይደልየና እዩ። (ማቴ. 10:11-13፣ 28:19, 20) ስለዚ፡ ብጉባኤታት ገይሩ ወዲቡና፡ ፈቃራት ሓለውቲ ድማ ሸይሙልና ኣሎ።—ግብ. 20:28።
9. ፍቕሪ የሆዋ ኣብ ምንታይ እዩ ዚርአ፧
9 የሆዋ ዜደንቕ ፍቕሪ ኸም ዘለዎ፡ ኣብቲ ብህልውናኡ ንዘይኣምኑ ሰባት ዚሕዘሉ መገዲ ይርአ እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብናታቶም መለክዒታት ቅኑዕን ጌጋን ኪመላለሱ ወሲኖም እዮም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብለውሃቱ ተደሪኹ፡ ብህይወት ንምንባርን ህይወት ንምስትምቓርን ዜድልዮም ነገራት ሂብዎም እዩ። (ማቴ. 5:44, 45፣ ግብ. 14:16, 17) ምስ ቤተ ሰቦምን ፈተውቶምን ፍቕራዊ ርክብ ኪምስርቱ፡ ውሉዳት ኬዕብዩ፡ ጻማ ጻዕሮም እውን ኪርእዩ ዓቕሚ ሂብዎም እዩ። (መዝ. 127:3፣ መክ. 2:24) እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንዅሎም ሰባት ከም ዜፍቅሮም ንጹር መርትዖ ኣሎ። (ዘጸ. 34:6) ሕጂ እምበኣር፡ ገለ ኻብቲ ንየሆዋ ምግልጋል ዝሓረናሉ ምኽንያታትን ንሱ ንዓና እንታይ ከም ዚገብረልናን እስከ ንርአ።
ስለምንታይ ኢና ንየሆዋ ምግልጋል እንሓሪ፧
10. (ሀ) ንየሆዋ እነገልግለሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ (ማቴዎስ 22:37) (ለ) ካብ ትዕግስቲ የሆዋ ብኸመይ ተጠቒምካ፧ (መዝሙር 103:13, 14)
10 ንሕና እውን ከም የሱስ ንየሆዋ ንምግልጋል ዜለዓዕለና ቐንዲ ምኽንያት፡ ንዕኡ ዘሎና ዓሚቝ ፍቕሪ እዩ። (ማቴዎስ 22:37 ኣንብብ።) ብዛዕባ ባህርያቱ ምስ ፈለጥና፡ ናብኡ ንሰሓብ ኢና። ንኣብነት፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚዕገሰና እሞ ሕስብ ነብሎ። እስራኤላውያን ትእዛዛቱ ምስ ጠሓሱ፡ “ካብ ክፉእ መገድታትኩም ተመለሱ” ኢሉ ተማሕጺንዎም እዩ። (ኤር. 18:11) ዘይፍጹማት ወይ ሓመድ ምዃንና እውን ይዝክር እዩ። (መዝሙር 103:13, 14 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ብዛዕባ ትዕግስቱን ብዛዕባ ኻልእ ማራኺ ባህርያቱን ከነስተንትን ከለና፡ ንዘለኣለም ከነገልግሎ ደይኰንናን እንለዓዓል፧
11. ገለ ኻብቲ ንሰማያዊ ኣቦና ምግልጋል እንሓርየሉ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧
11 ንየሆዋ ምግልጋል ቅኑዕ ተግባር ስለ ዝዀነ እውን፡ ከነገልግሎ ንለዓዓል ኢና። (ማቴ. 4:10) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንዕኡ ብተኣማንነት ብምግልጋል እንታይ ከም እንዓምም ንፈልጥ ኢና። ብተኣማንነትና ኣቢልና፡ ንስም የሆዋ ንቕድሶ፡ ድያብሎስ ሓሳዊ ምዃኑ ነረጋግጽ፡ ንልቢ ኣቦና እውን ነሐጕሶ ኢና። ሎሚ ንዕኡ ምግልጋል እንተ ሓሪና ኸኣ፡ ንዘለኣለም ንዕኡ ናይ ምግልጋል ኣጋጣሚ ይኽፈተልና እዩ!—ዮሃ. 17:3።
12-13. ካብ ተመክሮ ጄንን ፓምን እንታይ ንምሃር፧
12 ካብ ቍልዕነትና ኣትሒዝና፡ ንየሆዋ ዓሚቝ ፍቕሪ ኸነማዕብል ንኽእል ኢና። እታ ፍቕሪ እቲኣ ድማ፡ እናዓበና ምስ ከድና እውን ወትሩ ሃልሃል ክትብል ትኽእል እያ። ንኣብነት፡ ተመክሮ እተን ጄንን ፓምን a ዚብሃላ ኽልተ ብስጋ ኣሓት ክንርኢ ንኽእል ኢና። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጅምራ ኸለዋ፡ ደቂ 11ን 10ን እየን ነይረን። ወለደን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ እኳ እንተ ዘይደለዩ፡ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ምሳታቶም ናብ ቤተ ክርስትያን ክሳዕ ዝኸዳ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬጽንዓ ፈቐዱለን። ጄን ብዛዕባ እቲ ዝረኸበቶ ጥቕሚ ኽትገልጽ ከላ፡ “እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃሩኒ ነገር፡ ነቲ ኻብ መዛኖይ ኣብ ሓሽሽን ኣብ ምንዝርናን ክሳተፍ ዚወርደኒ ዝነበረ ጸቕጢ ኽጻረር ሓጊዙኒ እዩ” ትብል።
13 ኣብ መወዳእታ ዓሰርተታት ዕድሚአን ክልቲአን ኣስፋሕቲ ዀና። ድሕሪ ዓመታት እውን፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለደን እናኣለያ ፈለምቲ ዀይነን ኬገልግላ ጀመራ። ጄን ብዛዕባ እቲ ተመክሮአን ምልስ ኢላ ኽትሓስብ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “የሆዋ ንፈተውቱ ብተኣማንነት ከም ዚሓልየሎም፡ ከምቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 2:19 ተጠቒሱ ዘሎ ኸኣ፡ ‘የሆዋ ነቶም ናቱ ዘበሉ ኸም ዚፈልጦም’ ኣብ ህይወተይ ርእየዮ እየ።” እምበኣር፡ የሆዋ ነቶም ዜፍቅርዎን ዜገልግልዎን ከም ዚሓልየሎም ኣየጠራጥርን እዩ!
14. ቃላትናን ተግባራትናን ንስም የሆዋ ኻብ ወቐሳ ናጻ ኣብ ምግባር ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
14 ንስም የሆዋ ኻብ ኵሉ ወቐሳ ናጻ ኽንገብር ንደሊ ኢና። ነዚ ዚስዕብ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ፦ ለዋህን ለጋስን ይቕረ በሃልን ዝዀነ ናይ ቀረባ ፈታዊ ኣሎካ ንበል። ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ሰብ ነቲ ዓርክኻ፡ ሕሱምን መታለልን ከም ዝዀነ ገይሩ ኪኸስሶ ትሰምዕ። እንታይ ምገበርካ፧ መሸም ምተጣበቕካሉ። ብተመሳሳሊ፡ ሰይጣንን እቶም ብእኡ እተጸልዉ ሰባትን ብዛዕባ የሆዋ ሓሶት ብምንዛሕ ንስሙ ኼጸልምዎ ኺፍትኑ ኸለዉ፡ ንሕና ብዛዕባ የሆዋ ሓቂ ብምንጋር፡ ንስሙ ንጣበቐሉ ኢና። (መዝ. 34:1፣ ኢሳ. 43:10) ብቓላትናን ብተግባራትናን ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስና ኸነገልግሎ ኸም እንደሊ ነርኢ ኢና።
15. ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሸቶታቱ ምትዕርራይ ብምግባሩ ብኸመይ ተጠቒሙ፧ (ፊልጲ 3:7, 8)
15 ንየሆዋ ቕቡል ብዝዀነ መገዲ ወይ ብዝያዳ ምእንቲ ኸነገልግሎ ኢልና፡ ኣብ ሸቶታትና ምትዕርራይ ንምግባር ፍቓደኛታት ኢና። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስቶስ ምእንቲ ኺስዕቦ፡ ንየሆዋ እውን ምእንቲ ኼገልግሎ ኢሉ፡ ነቲ ኣብ ማሕበረ ሰቡ ዝነበሮ ምርኡይ ቦታ ንምሕዳግ ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። (ገላ. 1:14) ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ዜዕግብ ህይወት መሪሑ፡ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ናይ ምግዛእ ኣጋጣሚ እውን ረኺቡ እዩ። ስለዚ፡ በቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ዝገበሮ ውሳነ ኸቶ ኣይተጣዕሰን፣ ንሕና እውን ኣይክንጠዓስን ኢና።—ፊልጲ 3:7, 8 ኣንብብ።
16. ካብ ተመክሮ ጁልያ እንታይ ንምሃር፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
16 ንየሆዋ ምግልጋል ብቐዳምነት እንተ ኣተኲርናሉ፡ ሕጅን ኣብ መጻእን ዜዕግብ ህይወት ኪህልወና እዩ። ተመክሮ ሓንቲ ጁልያ ዝስማ ሓብቲ እስከ ንርአ። ጁልያ ሓቂ ቕድሚ ምፍላጣ፡ ካብ ቍልዕነታ ኣትሒዛ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣባል መዘምራን ኰይና ትዝምር ነበረት። እቲ ተውህቦኣ ስለ እተራእየ ድማ፡ ካብ ሞያተኛ ስልጠና ረኸበት። ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን፡ ጁልያ ስምይቲ ዀነት፣ ኣብ ፍሉጣት ኣዳራሻት ሙዚቃ እውን ምርኢት ከተቕርብ ጀመረት። ኣብ ሓደ ስሙይ ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ እናተማህረት ከላ፡ ሓደ መማህርታ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪነግራ ጀመረ፣ ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ እውን ነገራ። ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። ኣብ መወዳእታኡ፡ ህይወታ ኣብ ሙዚቃ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ከም ዜተኵር ክትገብር ወሰነት። እዚ ውሳነ እዚ ቐሊል ኣይነበረን። “ብዙሓት ሰባት ንተውህቦይ አባኽኖ ኸም ዘለኹ ተዛሪቦምኒ እዮም። ኣነ ግና ህይወተይ ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ክጥቀመሉ እየ ደልየ” ትብል። እሞ ደኣ ሎሚ፡ ብዛዕባ እቲ ልዕሊ 30 ዓመት ይገብር ዝገበረቶ ውሳነ እንታይ ይስምዓ፧ ባዕላ ኽትምልስ ከላ፦ “ናይ ኣእምሮ ሰላም ኣሎኒ፣ የሆዋ ኣብ መጻኢ ትምኒት ልበይ ዘበለ ዅሉ ኸም ዚፍጽመለይ እውን እተኣማመን እየ” ትብል።—መዝ. 145:16።
ብሕጂ እውን ንየሆዋ ኣገልግሎ
17. እዚ ግዜና ብህጹጽ ስጕምቲ ኽንወስደሉ ዚግባእ ግዜ ምዃኑ፡ ነቶም ንኣምላኽ ምግልጋል ዝሓረዩን ነቶም ገና ኸምኡ ዘይገበሩን ብኸመይ እዩ ዚጸልዎም፧
17 እዚ ግዜና፡ ብህጹጽ ስጕምቲ ኽንወስደሉ ዘሎና ግዜ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ድሕሪ ‘ኣዝዩ ቝሩብ ግዜ፡’ ‘እቲ ዚመጽእ ኪመጽእ እዩ፡ ኣይኪድንጕን ከኣ እዩ’” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (እብ. 10:37) እሞ ደኣ እዚ ብኸመይ ይጸልወና፧ ቅድም ቀዳድም፡ እቲ ሰባት ንየሆዋ ምግልጋል ኪሓርዩሉ ዚኽእሉ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ይሓጽር ኣሎ። (1 ቈረ. 7:29) ንኣምላኽ ንምግልጋል ዝወሰንና እንተ ዄንና ኸኣ፡ ፈተናታት ክንጻወር እኳ እንተ ኣሎና፡ “ኣዝዩ ቝሩብ ግዜ” ኸም ዝተረፈ ንፈልጥ ኢና።
18. የሱስን የሆዋን እንታይ ክንገብር እዮም ዚደልዩና፧
18 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንዕኡ ምስዓብ ኪጅምሩ ዘይኰነስ፡ ብቐጻሊ ኺስዕብዎ እዩ ኣተባቢዕዎም። (ማቴ. 16:24) ስለዚ፡ ንዓመታት ንየሆዋ ኸነገልግል ዝጸናሕና እንተ ዄንና፡ ከቶ ኣይንተሓለል። ምስቲ ንዕኡ ንምግልጋል ዝገበርናዮ ውሳነ ተሰማሚዕና ንምንባር ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። እዚ ቐሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ዜደንቕ በረኸትን ዕግበትን ኢና እንረክብ!—መዝ. 35:27።
19. ካብ ተመክሮ ጂን እንታይ ንምሃር፧
19 ገሊኦም ሰባት ንየሆዋ ምግልጋል ብዙሕ መስዋእቲ ኸም ዜኽፍል ኰይኑ ይስምዖም እዩ። መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ንየሆዋ ብምግልጋልካ ዜምልጠካ ዘሎ ነገራት ከም ዘሎ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ጂን ዝስሙ ሓደ መንእሰይ ሓው ከምዚ ይብል፦ “ናይ የሆዋ ምስክር ምዃን ቀያዲ ኸም ዝዀነ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ። ኣነ ግዜይ ኣብ ኣኼባታትን ኣብ ኣገልግሎትን ከሕልፎ ኸለኹ፡ ብዙሓት መተዓብይተይ ግና፡ ናብ ፓርቲ ይኸዱ፡ ኣንጻር ጾታ ዝዀነት ዓርኪ ይሕዙ፡ ወይ ዓመጻ ዝመልኦ ጸወታታት ቪድዮ ይጻወቱ ብምንባሮም፡ ይሕጐሱ ዝነበሩ ይመስለኒ ነይሩ።” እሞ ደኣ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ንጂን ብኸመይ ጸልይዎ፧ ባዕሉ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ክልተ ዓይነት ህይወት ክመርሕ ጀሚረ። እዚ ንእተወሰነ እዋን ባህታ ነይርዎ፣ ነባሪ ሓጐስ ግና ኣየምጽኣለይን። ብዛዕባ እቲ ዕሽሽ ኢለዮ ዝነበርኩ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክሓስብ ጀሚረ፣ ንየሆዋ ድማ ብምሉእ ልበይ ከገልግሎ ወሲነ። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ የሆዋ ንዅሉ ጸሎተይ መሊሱለይ እዩ።”
20. እንታይ ቈራጽነት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
20 ሓደ ዘማሪ ኣብ መዝሙሩ፡ ንየሆዋ፡ “እቲ ኣብ ኣጸዳትካ ኺነብር እትሓርዮን እተቕርቦን ሕጉስ እዩ” ኢሉ ዘሚሩሉ ኣሎ። (መዝ. 65:4) እምበኣር፡ ንሕና እውን ከምቲ እያሱ ዝነበሮ ዓይነት ቈራጽነት ይሃልወና። ንሱ፡ “ኣነን ቤተ ሰበይን ግና፡ ንየሆዋ ኢና እነገልግል” ብምባል ውሳነኡ ገሊጹ ኣሎ።—እያ. 24:15።
መዝሙር 28 ፈታው የሆዋ ምዃን
a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።