ምኽሪ መጽናዕቲ
“መንፈሳዊ ዜማ” ብኣእምሮኻ ኣጽንዕ
“ዘይረብሕ ከም ዝዀንኩ ዀይኑ ኺስምዓኒ ኸሎ፡ የሆዋ በቲ ኣብ ፈነወ JW ዚወጽእ መዝሙራት ገይሩ የተባብዓኒ እዩ።”—ሎረይን፡ ሕ.መ.ኣ.
“መንፈሳዊ ዜማ” ወይ መዝሙራት ካብ ቀደም ኣትሒዙ ኽፍሊ ኣምልኾ ክርስትና እዩ። (ቈሎ. 3:16) ብኣእምሮኻ መዝሙራት ምስ እተጽንዕ፡ መጽሓፍ መዝሙር ወይ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ኣብ ዘይህልወካ እዋን ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ። መዝሙራት ንምጽናዕ ዚሕግዘካ እዚ ዚስዕብ ምኽሪ ርአ።
ንትርጉም እቲ ግጥምታት ምእንቲ ኽትርድኦ፡ ብኣቓልቦ ኣንብቦ። ንሓደ ሓበሬታ ኽትርድኦ እንተ ኽኢልካ፡ ብቐሊሉ ኽትዝክሮ ትኽእል ኢኻ። ናይ ኵሉ መዝሙራትና ግጥምታት፡ እንተላይ ናይ ፈለማ መዝሙራትን ናይ ቈልዑ መዝሙራትን፡ ኣብ jw.org ኪርከብ ይከኣል እዩ። ኣብ ትሕቲ ቤተ መጻሕፍቲ ዚብል ክፋል፡ ሙዚቃ ኣብ ዚብል እቶ።
ነቲ ግጥምታት ብኢድካ ጽሓፎ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ እቲ ቓላቱ ብዝያዳ ኣብ ኣእምሮኻ ኪቕረጽ እዩ።—ዘዳ. 17:18።
ዓው ኢልካ ተለማመድ። ነቲ መዝሙራት ደጋጊምካ ኣንብቦ ወይ ዘምሮ።
ንተዘክሮኻ ፈትኖ። ነቲ ግጥሚ ኸይረኣኻ ነቲ ቓላት ክሳዕ ክንደይ ክትዝክሮ ኸም እትኽእል ፈትን።