2 ቈረንቶስ 13:1-14

  • ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታን ምዕዶን (1-14)

    • “ብእምነት እንተ ኣሊኹም፡ ብቐጻሊ ርእስኹም ፈትኑ” (5)

    • ቅንዑ፣ ሓደ ሓሳብ ኩኑ (11)

13  ናባኻትኩም ዝመጽእ ዘለኹ፡ እዚ ሳልሳይ ግዜ እዩ። “ኵሉ ነገር ብምስክርነት* ክልተ ወይ ሰለስተ መሰኻኽር ኪጸንዕ ኣለዎ።”+ 2  ሕጂ ምሳኻትኩም እኳ እንተ ዘየለኹ፡ ምሳኻትኩም ካልኣይ ግዜ ኸም ዘለኹ ጌርኩም ሕሰቡ፣ መሊሰ እንተ መጺአስ ነቶም ቅድም ዝሓጥኡን ንዝተረፉ ዅላቶምን ከም ዘይንሕፎም፡ ኣቐዲመ አጠንቅቖም ኣለኹ፣ 3  ምኽንያቱ፡ እቲ ኣባኻትኩም ብርቱዕ እምበር፡ ድኹም ዘይኰነ ክርስቶስ ብኣይ ይዛረብ እንተ ኣልዩ፡ መርትዖ ትደልዩ ኣለኹም። 4  ክርስቶስሲ ብድኻም ተሰቒሉ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ግና ህያው ኰይኑ ይነብር ኣሎ።+ ንሕና እውን ምስኡ ድኹማት ኢና፣ በቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ሓይሊ ኣምላኽ ግና፡+ ምስኡ ህያዋን ኴንና ኽንነብር ኢና።+ 5  ብእምነት እንተ ኣሊኹም፡ ብቐጻሊ ርእስኹም ፈትኑ፡ ብቐጻሊ ርእስኹም መርምሩ።+ ወይስ የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ሓድነት ከም ዘለዎዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እንተ ዘይኰነስ፡ ብቑዓት ኣይኰንኩምን። 6  ንሕና ዘይብቑዓት ከም ዘይኰንና ኽትፈልጡ ግና፡ ተስፋ እገብር። 7  ከቶ ኽፉእ ከይትገብሩ፡ ናብ ኣምላኽ ንጽሊ ኣለና፣ እዚ ኸኣ ብቕዓትና ኸም ዘመስከርና ኽንመስል ኢልና ዘይኰንናስ፡ ንሕና እኳ ዘይብቑዓት እንተ መሰልና፡ ሰናይ ምእንቲ ኽትገብሩ ኢልና ኢና። 8  ንሕናስ ንሓቂ ዚድግፍ እምበር፡ ምስ ሓቂ ዚጻረር ገለ እኳ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና። 9  ንስኻትኩም እንተ በርቲዕኩምሲ፡ ንሕና እኳ እንተ ደኸምና፡ ንሕጐስ ኢና። ምእንቲ ኽትቀንዑ፡ ምእንቲ እዚ ድማ ኢና እንጽሊ ዘለና። 10  ስለዚ ኸኣ እየ ምሳኻትኩም ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ ነቲ ጐይታ ኸፍርሰሉ ዘይኰነስ፡ ክሃንጸሉ ዝሃበኒ ስልጣን ብጭከና ምእንቲ ኸይጥቀመሉ፡+ ምሳኻትኩም ከየለኹ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ። 11  ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ተሓጐሱ፡ ቅንዑ፡* ተጸናንዑ፡+ ሓደ ሓሳብ ኩኑ፡+ ብሰላም ንበሩ፣+ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን+ ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ። 12  ንሓድሕድኩም ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሃሉ። 13  ኵሎም ቅዱሳት ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 14  ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን እቲ እንካፈሎ መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትኩም ይኹን።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ብኣፍ።”
ወይ፡ “ተኣረሙ።”