1 ዜና መዋእል 10:1-14

  • ሞት ሳኦልን ደቁን (1-14)

10  ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ተዋግኡ፣ ሰብ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ፡ ብዙሓት እውን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ተቐቲሎም ወደቑ።+ 2  ፍልስጥኤማውያን ድማ ንሳኦልን ንደቁን እግር እግሮም ሰዓብዎም፣ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንዮናታንን ንኣቢናዳብን ንማልኪ-ሹዓን+ ደቂ ሳኦል ቀተልዎም። 3  እቲ ውግእ ድማ ንሳኦል በርትዖ፡ ቀስተኛታት ከኣ ረኸብዎ፡ በቶም ቀስተኛታት እውን ቈሰለ።+ 4  ሽዑ፡ ሳኦል ነቲ ተሰካም ኣጽዋሩ፡ “እዞም ዘይግዙራት እዚኦም መጺኦም ከይጭክኑለይሲ፡*+ ሰይፍኻ መሊሕካ ብእኡ ውግኣኒ” በሎ። እቲ ተሰካም ኣጽዋሩ ግና፡ እምብዛ ፈሪሁ ስለ ዝነበረ፡ ኣበየ። ሽዑ፡ ሳኦል ሰይፉ ወሲዱ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ።+ 5  እቲ ተሰካም ኣጽዋሩ ኸኣ ሳኦል ሞይቱ ምስ ረኣየ፡ ንሱ እውን ኣብ ሰይፉ ወደቐ እሞ ምስኡ ሞተ። 6  በዚ ኸምዚ፡ ሳኦልን ሰለስተ ደቁን ኵሎም እቶም ኣብ ቤቱ ዝነበሩን ብሓደ ሞቱ።+ 7  እቶም ኣብ ስንጭሮ* ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል፡ ኵሎም ከም ዝሃደሙ፡ ሳኦልን ደቁን ድማ ከም ዝሞቱ ምስ ረኣዩ፡ ነተን ከተማታቶም ሓዲጎምወን ሃደሙ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ሓዝወን። 8  ንጽብሒቱ፡ ፍልስጥኤማውያን ነቶም ቅቱላት ኪገፍፍዎም ምስ መጹ፡ ንሳኦልን ንሰለስተ ደቁን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም።+ 9  ንዕኡ ገፊፎም፡ ርእሱን ኣጽዋሩን ከኣ ወሲዶም፡ ንጣኦታቶምን ንህዝብን ኬውርዩ ናብ ኵላ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ወረ ለኣኹ።+ 10  ኣጽዋሩ ድማ ኣብ ቤት* ኣምላኾም ኣንበርዎ፣ ሽክና ርእሱ ኸኣ ኣብ ቤት ዳጎን ሰቐልዎ።+ 11  ኵሎም እቶም ኣብ ያቤሽ+ ናይ ጊልዓድ ዝነበሩ፡ ኵሉ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ምስ ሰምዑ፡+ 12  ኵሎም ጀጋኑ ተንሲኦም፡ ሬሳ ሳኦልን ሬሳታት ደቁን ጾይሮም ወሰድዎ። ናብ ያቤሽ ኣምጺኦም ከኣ ንኣዕጽምቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ያቤሽ ዘሎ ዓብዪ ኦም ቀበርዎ፣+ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ጾሙ። 13  በዚ ኸምዚ፡ ሳኦል ንቓል የሆዋ ስለ ዘይሓለወ፡+ ንየሆዋ ብምጥላሙን ንጠያቒት መናፍስቲ ብምሕታቱን ሞተ።+ 14  ንየሆዋ ኣይሓተቶን። ስለዚ ድማ ቀተሎ፣ ነቲ ንግስና ኸኣ ናብ ዳዊት ወዲ እሴይ ኣመሓላለፎ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ከይጻወቱለይሲ።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”