ግብሪ ሃዋርያት 25:1-27

  • ጕዳይ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ፌስጦስ ተመርመረ (1-12)

    • “ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ!” (11)

  • ፌስጦስ ምስ ንጉስ ኣግሪጳ ተማኸረ (13-22)

  • ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ኣግሪጳ (23-27)

25  ፌስጦስ+ ናብታ ኣውራጃ ምስ መጸ እሞ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኻብ ቂሳርያ ናብ የሩሳሌም ደየበ። 2  ሊቃውንቲ ኻህናትን ኣውራታት ኣይሁድን ከኣ ንጳውሎስ ከሰስዎ።+ 3  ንጳውሎስ ልኢኹ ናብ የሩሳሌም ኬምጽኣሎም፡ ንፌስጦስ ሞገስ ለመንዎ። ንሳቶም ግና ኣብ መገዲ ንጳውሎስ ኪቐትልዎ ኣድብዮምሉ ነበሩ።+ 4  ፌስጦስ ግና፡ ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ኺሕሎ ኸም ዘለዎ፡ ንሱ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ናብኣ ኸም ዚወርድ መለሰሎም። 5  “ስለዚ፡ ካባኻትኩም ስልጣን ዘለዎም ምሳይ ይውረዱ እሞ፡ ኣብቲ ሰብኣይ እቲ በደል እንተ ኣልዩ ይኽሰስዎ” ድማ በሎም።+ 6  ምሳታቶም ካብ ሸሞንተ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ዘይበዝሕ ምስ ቀነየ ኸኣ፡ ናብ ቂሳርያ ወረደ፣ ንጽብሒቱ እውን ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ፡ ንጳውሎስ ኬምጽእዎ ኣዘዘ። 7  ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ እቶም ካብ የሩሳሌም ዝወረዱ ኣይሁድ ከቢቦምዎ ደው ኢሎም፡ መርትዖ ኬቕርቡሉ ዘይክእሉ ብዙሕን ከቢድን ክሲ ኸሰስዎ።+ 8  ጳውሎስ ግና፡ “ንሕጊ ኣይሁድ ኰነ ንቤተ መቕደስ ኰነ ወይስ ንቄሳር ኣይበደልኩን” ኢሉ ተማጐተ።+ 9  ፌስጦስ ከኣ ሞገስ ኣይሁድ ኪረክብ ደልዩስ+ ንጳውሎስ፡ “ናብ የሩሳሌም ክትድይብ እሞ፡ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኣብኣ ኣብ ቅድመይ ክትፍረድዶ ትደሊ ኢኻ፧” ኢሉ መለሰሉ። 10  ጳውሎስ ግና፡ “ኣነ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ቄሳር ቈይመ ኣለኹ፣ ኣብኡ ኽፍረድ ከኣ እዩ ዚግብኣኒ። ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኸም ዘለኻ፡ ንኣይሁድ ኣይበደልክዎምን። 11  ክፉእ ገይረ፡ ናብ ሞት ዜብጽሕ እውን ገይረ እንተ ዀይነ፡+ ከይመውት ኣይልምንን እየ፣ እዚ ዚኸስሱኒ ነገር መሰረት ዘይብሉ እንተ ዀይኑ ግና፡ ንዓታቶም ኬፍቱ ኢሉ ኣሕሊፉ ኺህበኒ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ!” በለ።+ 12  ሽዑ፡ ፌስጦስ ምስቶም ኣማኸርቲ ተዛራሪቡ፡ “ናብ ቄሳር ይግባይ ኢልካ ኢኻ እሞ፡ ናብ ቄሳር ክትከይድ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 13  ገለ መዓልትታት ምስ ሓለፈ ኸኣ፡ ንጉስ ኣግሪጳን በርኒቄን ንፌስጦስ ብወግዒ ኺበጽሕዎ፡ ናብ ቂሳርያ መጹ። 14  ኣብኣ ብዙሕ መዓልቲ ጸኒሖም ብምንባሮም ድማ፡ ፌስጦስ ከምዚ ኢሉ ንነገር ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ኣቕረቦ፦ “ፌሊክስ ብእሱሩ ዝሓደጎ ሰብኣይ ኣሎ፣ 15  ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ከኣ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ኣይሁድን ብዛዕባኡ ነጊሮምኒ፣+ ክፈርዶ እውን ለሚኖምኒ። 16  ኣነ ግና ንተኸሳሲ ምስ ከሰስቱ ገጽ ንገጽ ከየራኸብካዮን ብዛዕባ እቲ እተኸስሰሉ ኺማጐት ዕድል ከይሃብካዮን፡ ከተፍቱ ኢልካ ሓደ ሰብ እኳ ኣሕሊፍካ ምሃብ ስርዓት ሮማውያን ከም ዘይኰነ መሊሰሎም።+ 17  ስለዚ፡ ኣብዚ ምስ ተኣከቡ፡ ከይደንጐኹ ንጽብሒቱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጠ፡ ነቲ ሰብኣይ ኬምጽእዎ ኣዚዘ። 18  እቶም ከሰስቲ ምስ ቈሙ፡ ከምቲ ኣነ እተጸበኽዎ ገለ ኽፉእ ክሲ እኳ ኣየቕረቡሉን።+ 19  ብዛዕባ ኣምልኾኦምን*+ ብዛዕባ ሓደ ምዉት፡ ጳውሎስ ግና ህያው እዩ ዚብሎ የሱስን ጥራይ እዩ ምስኡ ኽርክር ዘለዎም።+ 20  ነዚ ኽርክር እዚ ዝገብሮ ምስ ጨነቐኒ ኸኣ፡ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ እሞ፡ ኣብኣ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኺፍረድ ዚደሊ እንተ ዀይኑ ሓቲተዮ።+ 21  ጳውሎስ ብግርማውነቶም* ክሳዕ ዚብየነሉ ኺሕሎ ይግባይ ምስ በለ ግና፡+ ናብ ቄሳር ክሳዕ ዝሰድዶ ኺሕሎ ኣዚዘ።” 22  ኣግሪጳ ድማ ንፌስጦስ፡ “ነዚ ሰብ እዝስ ኣነ እውን ክሰምዖ ምደለኹ” በሎ።+ ንሱ ኸኣ፡ “ጽባሕ ክትሰምዖ ኢኻ” በሎ። 23  ንጽብሒቱ ድማ፡ ኣግሪጳን በርኒቄን ምስ ኣሕሉቕ ሽሕን ምስ ምርኡያት እታ ኸተማን ኰይኖም ብብዙሕ ግሩም ትርኢት ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ ኣተዉ፣ ፌስጦስ ምስ ኣዘዘ ኸኣ፡ ንጳውሎስ ኣምጽእዎ። 24  ፌስጦስ ድማ ከምዚ በለ፦ “ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ኣቱም ኣብዚ ዘለኹም ኵላትኩም፡ ብዛዕባ እዚ እትርእይዎ ዘለኹም ሰብ፡ ደጊም ብህይወት ኪነብር ከም ዘይግብኦ እናጨደሩ፡ ኵሎም ህዝቢ ኣይሁድ ኣብ የሩሳሌምን ኣብዝን ለሚኖምኒ።+ 25  ኣነ ግና ኣብ ሞት ዜብጽሕ ነገር ከቶ ኸም ዘይገበረ ተገንዚበ ኣለኹ።+ ባዕሉ ናብ ግርማውነቶም ይግባይ ምስ በለ ኸኣ፡ ክሰድዶ ወሲነ ኣለኹ። 26  ብዛዕባኡ ናብ ጐይታይ ዝጽሕፎ ርግጽ ነገር ግና የብለይን። ስለዚ፡ ንሱ ምስ ተመርመረ፡ ዝጽሕፎ ነገር ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ኣብ ቅድሜኹም፡ ምናዳ ኸኣ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኣምጺአዮ ኣለኹ። 27  ክሱ ኸይተሓበረ ንእሱር ምስዳድሲ፡ ዕሽነት ይመስለኒ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሃይማኖቶምን።”
ወይ፡ “ብኣውጉስጦስ።” እዚ ነቲ ሮማዊ ሃጸይ ዜመልክት መዓርግ እዩ።