ዘጸኣት 35:1-35

  • ትእዛዝ ሰንበት (1-3)

  • ንማሕደር ዚውሃብ መባእ (4-29)

  • በሳልኤልን ኦሆልያብን ብመንፈስ ተመልኡ (30-35)

35  ሙሴ ድማ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን ኣኪቡ፡ ከምዚ በሎም፦ “እቲ የሆዋ ኺግበር ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፦+ 2  ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዓየ፣ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ቅድስቲ፡ ንየሆዋ ናይ ሰንበት ምሉእ ዕረፍቲ፡ ትኹነልኩም።+ ብእኣ ዕዮ ዚዓዪ ዘበለ ዅሉ፡ ይቀተል።+ 3  ኣብቲ እትነብሩሉ ዅሉ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ሓዊ ኣይትእጐዱ።” 4  ሙሴ ኸኣ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን ከምዚ በለ፦ “እቲ የሆዋ ዝኣዘዞ እዚ እዩ፦ 5  ‘ካባኻትኩም ንየሆዋ መባእ ውሰዱ።+ ነፍሲ ወከፍ ብፍታው ልቢ+ ንየሆዋ እዚ ዚስዕብ መባእ የምጽእ፦ ወርቂ፡ ብሩር፡ ነሓሲ፡ 6  ሰማያዊ ፈትሊ፡ ጁዅ ዝሕብሩ ጸምሪ፡ ውጹእ ቀይሕ ፈትሊ፡ ቅጭን በፍታ፡ ጸጕሪ ጤል፡+ 7  ብቐይሕ እተኣጀለ ቘራብቲ ድዑል፡ ቈራብቲ ታሓሽ፡* ዕንጨይቲ ሰራው፡ 8  ንቐንዴል ዚኸውን ዘይቲ፡ ንዘይቲ ቕብኣትን ንጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን ዚኸውን በለሳን፡+ 9  ኣብ ኤፎድን+ ኣብ ልብሲ ኣፍ ልብን+ ዚኸውን ኣእማን ኦኒክስን ካልእ ኣእማንን። 10  “‘ኵሎም እቶም ካባኻትኩም ክኢላታት*+ ዝዀኑ ይምጽኡ፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ኸኣ ይግበሩ፣ 11  እዚ ኸኣ፡ እቲ ማሕደር ምስ ድንኳኑን መኽደኒኡን፡ መቘለፊታቱን* እቲ መቓናት ሉሑን፡ ተገዳማቱ፡ ኣዕኑዱን ዚስኵዓሉ መቘሚታቱን፣ 12  እቲ ታቦትን+ ዘንግታቱን፡+ እቲ መኽደንን+ እቲ ዚጋርድ መጋረጃን፣+ 13  እቲ ሰደቓን+ ዘንግታቱን ኵሉ ኣቕሑኡን እቲ እንጌራ ምርኣይን፣+ 14  እቲ ዜብርህ ቀዋሚ ቐንዴልን+ ኣቕሑኡን ቀነዲሉን ንምብራህ ዚኸውን ዘይትን፣+ 15  እቲ መሰውኢ ዕጣንን+ ዘንግታቱን፣ እቲ ዘይቲ ቕብኣትን ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን፣+ እቲ ንኣፍ ደገ ማሕደር ዚኸውን መጋረዲ፣* 16  እቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእትን+ ናይ ነሓሲ ርበኡን ዘንግታቱን ኵሉ ኣቕሑኡን፣ እቲ ገበራን ኣጋሮኡን፣+ 17  እቲ መኸወሊታት* ኣጸድን+ ኣዕኑዱን ዚስኵዓሉ መቘሚታትን፣ እቲ መጋረዲ* ኣፍ ደገ ኣጸድ፣ 18  እቲ ሽኻላት ማሕደርን ሽኻላት ኣጸድን ኣግማዱን፣+ 19  እቲ ኣብ መቕደስ ንምግልጋል ዚኸውን ጽቡቕ እተኣልመ ኽዳውንቲ፡+ ንኣሮን እቲ ኻህን ዚኸውን ቅዱስ ክዳውንቲ፡+ ደቁ ብኽህነት ዜገልግሉሉ ኽዳውንቲ።’” 20  ኵሉ ኣኼባ እስራኤላውያን ከኣ ካብ ቅድሚ ሙሴ ወጸ። 21  ሽዑ፡ ልቡ ዝደረኾ+ ዘበለ ዅሉን መንፈሱ ዘለዓዓሎ ዘበለ ዅሉን መጸ፣ ንመስርሒ ድንኳን ምርኻብን ንዅሉ ኣገልግሎቱን ንዅሉ ቕዱስ ክዳውንትን ዚኸውን ከኣ ንየሆዋ መባእ ኣምጽኡ። 22  ፍታው ልቢ ዘለዎም ዘበሉ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ወለባታት ክዳንን ቀላብቲ እዝንን ቀላብቲ ኣጻብዕን ካልእ ስልማትን ኵሉ ዓይነት ኣቕሑ ወርቅን ሒዞም ይመጹ ነበሩ። ኵላቶም ድማ ህያብ* ወርቂ ንየሆዋ ኣቕረቡ።+ 23  ኵሎም እቶም ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ቅጭን በፍታን ጸጕሪ ጤልን ብቐይሕ እተኣጀለ ቘራብቲ ድዑልን ቈራብቲ ታሓሽን* ዝነበሮም ኣምጽእዎ። 24  ኵሎም እቶም ንመባእ የሆዋ ብሩርን ነሓስን ዚህቡን ኵሎም እቶም ንዝዀነ ኽፋል እቲ ዕዮ ዚኸውን ዕንጨይቲ ሰራው ዝነበሮምን ከኣ ኣምጽእዎ። 25  ኵለን እተን ክኢላታት ኣንስቲ+ ድማ ብኣእዳወን ፈቲለን፡ ነቲ ዝፈተላኦ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ቅጭን በፍታን ኣምጽኣኦ። 26  ኵለን እተን ልበን ዝደረኸን ክኢላታት ኣንስቲ ኸኣ፡ ጸጕሪ ጤል ፈተላ። 27  እቶም ሹማምንቲ ድማ ኣብ ኤፎድን ኣብ ልብሲ ኣፍ ልብን ዚኸውን ኣእማን ኦኒክስን ካልእ ኣእማንን ኣምጽኡ፣+ 28  ዘይቲ በለሳንን ንምብራህን ንዘይቲ ቕብኣትን+ ንጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን+ ዚኸውን ዘይትን እውን ኣምጽኡ። 29  ልቦም ዘለዓዓሎም ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ነቲ የሆዋ ኺግበር ኢሉ ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ ዕዮ ዚኸውን ነገራት ኣምጽኡ፣ እስራኤላውያን ከኣ ንየሆዋ መስዋእቲ ፍታው ኪኸውን ኣምጽእዎ።+ 30  ሙሴ ድማ ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ “እንሆ፡ የሆዋ ነቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ በሳልኤል ወዲ ኡሪ፡ ወዲ ሑር፡ ሓርይዎ ኣሎ።+ 31  ንዕኡ ኸኣ ብመንፈስ ኣምላኽ መሊእዎ፡ ጥበብን ኣእምሮን ፍልጠትን ድማ ሂብዎ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ንዅሉ ኢደ ጥበብ፡ 32  ንምንዳፍ፡ ብወርቅን ብብሩርን ብነሓስን ንምዕያይ፡ 33  ንምውቃርን ንምስራዕን ኣእማን፡ ኵሉ ዓይነት ፍርያት ዕንጨይቲ ብብልሓት ንምግባር ዚዀኖ እዩ። 34  ኪምህር ድማ ኣብ ልቡ ኣንቢሩሉ ኣሎ፣ ንዕኡ፡ ነቲ ኻብ ነገድ ዳን ዝዀነ ኦሆልያብ+ ወዲ ኣሒሳማክ እውን ከምኡ። 35  ንዓታቶም ኵሉ ዕዮ ኢደ ጥበብ ኪዓይዩ፡ ኪጠልፉ፡ ብሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ብዝሕብሩ ጸምርን ብውጹእ ቀይሕ ፈትልን ብቕጭን በፍታን ኪኣልሙ፡ ብኻልእ እውን ኪኣልሙ ብኽእለት*+ መልኦም። እዞም ሰባት እዚኦም ኵሉ ዕዮ ኺዓይዩን ኵሉ ንድፊ ኼዳልዉን እዮም።

እግረ ጽሑፍ

ታሓሽ ናይ እብራይስጢ ቓል ኪኸውን ከሎ፡ ምናልባት ፎካ ንዚብሃል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ የመልክት።
ቃ.ቃ.፡ “ጥበበኛ ዝልቦም።”
መቘለፊ ተባሂሉ ዘሎ፡ ብኽልቲኡ መኸንትቦታት ሓሊፉ ዚቝልፍ ወይ ዚኣስር እዩ።
ወይ፡ “መጋረጃ።”
ወይ፡ “መጋረጃታት።”
ወይ፡ “መጋረጃ።”
ወይ፡ “መስዋእቲ ውዝወዛ።”
ታሓሽ ናይ እብራይስጢ ቓል ኪኸውን ከሎ፡ ምናልባት ፎካ ንዚብሃል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ የመልክት።
ቃ.ቃ.፡ “ብጥበብ ልቢ።”