ዘካርያስ 9:1-17
9 ከቢድ መልእኽቲ፦
“ዓይኒ የሆዋ ኣብ ሰባት፡+ኣብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል እያ እሞ፡ቃል የሆዋ ኣንጻር ምድሪ ሓድራክ እዩ፣ደማስቆ ኸኣ ዕላማኡ* እዩ፣+
2 ኣንጻር እታ ኣብ ዶባ ዘላ ሓማት+ ድማ እዩ፣ኣዝየን ጥበበኛታት እየን እሞ፡+ ኣንጻር ጢሮስን+ ሲዶንን+ እውን እዩ።
3 ጢሮስ ዕርዲ ገበረት።
ብሩር ከም ሓመድ፡ወርቂ እውን ከም ጭቃ ጐደናታት ኰመረት።+
4 እንሆ፡ የሆዋ ንገንዘባ ኺወስዶ፡ንሰራዊታ ኸኣ ወቒዑ ናብ ባሕሪ ኺድርብዮ እዩ፣*+ንሳ እውን ብሓዊ ኽትብላዕ እያ።+
5 ኣሽቀሎን እዚ ርእያ ኽትፈርህ እያ፣ጋዛ ድማ ብርቱዕ ስቓይ ክትሳቐ፡ዔቅሮን ከኣ ተስፋኣ ዜሕፍር ስለ ዝዀነ፡ ከምኡ ኽትከውን እያ።
ንጉስ ካብ ጋዛ ኺጠፍእ፡ኣሽቀሎን ድማ ነባሪ ዘይብላ ኽትከውን እያ።+
6 ድቓላ ኣብ ኣሽዶድ ኪሰፍር እዩ፣ኣነ ኸኣ ንትምክሕቲ ፍልስጥኤማውያን ከጥፍኦ እየ።+
7 ካብ ኣፉ ነቲ ደም እተጸየቐ ነገር፡ካብ መንጎ ኣስናኑ ድማ ጽያፍ ከርሕቕ እየ፣ንሱ ኸኣ ንኣምላኽና ኺተርፈሉ እዩ፣ኣብ ይሁዳ ድማ ከም ሹም፡*+ዔቅሮን እውን ከም ይቡሳዊ ኪኸውን እዩ።+
8 ዚሓልፍን ዚምለስን ከይህሉስ፡ንቤተይ ሓላዊ ዀይነ ኽሰፍር እየ፣+ሕጂ ብኣዒንተይ ርእየዮ እየ* እሞ፡ደጊም ኣዕያዪ* ኣይኪሓልፍን እዩ።+
9 ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣዚኺ ተሓጐሲ።
ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ እልል በሊ።
እንሆ፡ ንጉስኪ ይመጽእ ኣሎ።+
ንሱ ጻድቕን ድሕነት ዜምጽእን እዩ፣*ትሑት እዩ፡+ ኣብ ኣድጊ፡ኣብ ጻዕብ፡* ኣብ ውላድ ኣድጊ ድማ ተወጢሑ ኣሎ።+
10 ኣነ ኸኣ ሰረገላ ኻብ ኤፍሬም፡ፈረስ ድማ ካብ የሩሳሌም ከርሕቕ እየ።
ቀስቲ ውግእ ኪርሕቕ እዩ።
ንሱ ኸኣ ንኣህዛብ ሰላም ኪእውጀሎም እዩ፣+ግዝኣቱ ኻብ ባሕሪ ኽሳብ ባሕሪ፡ካብቲ ፈለግ* ክሳብ ወሰናት ምድሪ ኪኸውን እዩ።+
11 ንዓኺ ድማ ብሳላ ደም ኪዳንኪ፡ንእሱራትኪ ኻብቲ ማይ ዘይብሉ ጕድጓድ ከውጽኦም እየ።+
12 ኣቱም ተስፋ ዘሎኩም እሱራት፡ ናብቲ ዕርዲ ተመለሱ።+
ሎሚ፡ እነግረኪ ኣለኹ፦
‘ዕጽፊ ገይረ ክኽሕሰኪ እየ።+
13 ንይሁዳስ ቀስተይ ገይረ ኽግትሮ* እየ።
ነቲ ቐስቲ ድማ ብኤፍሬም ክመልኦ* እየ፣ኣቲ ጽዮን ከኣ፡ ንደቅኺ ኸንቅሖም፡ኣቲ ግሪኽ ድማ፡ ንዓታቶም ኣንጻር ደቅኺ ኽገብሮም እየ፣ንዓኺ ኸኣ ከም ሰይፊ ጅግና ኽገብረኪ እየ።’
14 የሆዋ ኣብ ልዕሊኦም ኪርአ፡ፍላጻኡ ድማ ከም በርቂ ኺወጽእ እዩ።
እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ መለኸት ኪነፍሕ፡+ብህቦብላ ንፋስ ደቡብ ከኣ ኪግስግስ እዩ።
15 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኪከላኸለሎም እዩ፣ንሳቶም እውን እምኒ ወንጭፍ ኪውሕጡን ኪረግጹን እዮም።+
ኪሰትዩ፡ ከም ብወይኒ ዝሰኸሩ ድማ ነውጻማት ኪዀኑ እዮም።
ከም ጭሔሎ፡ከም መኣዝናት መሰውኢ ኸኣ ኪምልኡ እዮም።+
16 ከምቲ ኣብ መሬቱ ዜንጸባርቕ ክቡር እምኒ ዘውዲ እዮም እሞ፡+በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ኣምላኾም፡ከም መጓሰ ህዝቡ ኼድሕኖም እዩ።+
17 ሕያውነቱስ* ክንደይ ዓብዪ፡+ጽባቐኡ እውን ክንደይ ዓብዪ እዩ!
እኽሊ ንኣጕባዝ፡ጕዕሽ ወይኒ ኸኣ ንደናግል ኬዕቢ እዩ።”+
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “መዕረፊኡ።”
^ ወይ፡ “ንሰራዊታ ኸኣ ኣብ ባሕሪ ኺወቕዖ እዩ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ቃ.ቃ.፡ “ሸኽ።” ሸኽ፡ ሹም ነገድ እዩ።
^ ንጸበባ ህዝቡ ኪኸውን ኣለዎ።
^ ወይ፡ “ጨቋኒ።”
^ ወይ፡ “ተባዕታይ ኣድጊ።”
^ ወይ፡ “ንሱ ጻድቕን ዕዉትን እዩ፣ ንሱ ጻድቕን ዝደሓነን እዩ።”
^ ማለት፡ ኤፍራጥስ።
^ ማለት፡ ከም ፍላጻ።
^ ቃ.ቃ.፡ “ኽረግጾ።”
^ ወይ፡ “ሰናዩስ።”