ዘካርያስ 8:1-23

  • የሆዋ ንጽዮን፡ ሰላምን ሓቅን ይህባ (1-23)

    • የሩሳሌም፡

    • “ንሓድሕድኩም ሓቂ ተዛረቡ” (16)

    • ካብ ጾም ናብ በዓል (18, 19)

    • ‘ሃየ ንየሆዋ ንድለዮ’ (21)

    • ዓሰርተ ሰባት ንሓደ ኣይሁዳዊ ወለል ዚብል ክዳኑ ኺሕዙ እዮም (23)

8  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከም ብሓድሽ መጸ፦ 2  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ምእንቲ ጽዮን ብዓብዪ ቕንኣት ክቐንእ እየ፣+ ብዓብዪ ነድሪ እውን ክቐንኣላ እየ።’” 3  “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ናብ ጽዮን ክምለስ፡+ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ክነብር እየ፣+ የሩሳሌም ድማ ከተማ ሓቂ* ኽትብሃል እያ፣+ ከረን የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እውን ቅዱስ ከረን ኪብሃል እዩ።’”+ 4  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ኣረገውቲ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ነፍሲ ወከፎም ብምኽንያት ብዝሒ ዕድመኦም* በትሮም ኣብ ኢዶም ሒዞም፡ ከም ብሓድሽ ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ኪቕመጡ እዮም።+ 5  ኣደባባያት እታ ኸተማ ኸኣ በቶም ኣብኡ ዚጻወቱ ኣወዳትን ኣዋልድን ኪመልእ እዩ።’”+ 6  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ነቶም በተን መዓልትታት እቲአን ካብዚ ህዝቢ እዚ ዚተርፉ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እኳ እንተ መሰሎም፡ ንዓይ እውንዶ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኺመስለኒ እዩ፧’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።” 7  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ንህዝበይ ካብ ምድሪ ምብራቕን ካብ ምድሪ ምዕራብን አድሕኖም ኣለኹ።+ 8  ከምጽኦም ከኣ እየ፣ ኣብ የሩሳሌም እውን ኪነብሩ እዮም።+ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፣ ኣነ እውን ብሓቅን* ብጽድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ።’”+ 9  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ኣቱም ሕጂ ነዘን በታ ንህንጸት እታ ቤተ መቕደስ መሰረት ቤት የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እተሰረተትላ መዓልቲ እተዘርባ ቓላት ካብ ኣፍ ነብያት እትሰምዑ ዘለኹም፡+ ኣእዳውኩም ኣበርትዑ።*+ 10  ቅድሚ እታ ግዜ እቲኣስ፡ ሰብ ኰነ እንስሳ ዓስቡ ኣይረክብን እዩ ነይሩ።+ ኣነ ዅሉ ሰብ ኣንጻር ሓድሕዱ ገይረዮ ስለ ዝነበርኩ ኸኣ፡ ብሰንኪ ተጻራሪ ንምውጻእን ንምእታውን ሰላም ኣይነበረን።’ 11  “‘ሕጂ ግና ምስ ተረፍ እዚ ህዝቢ እዚ፡ ከምቲ በተን ቀዳሞት መዓልትታት ዝነበርክዎ ኣይክኸውንን እየ’+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 12  ‘ዘርኢ ሰላምሲ ኺዝራእ እዩ፣ ተኽሊ ወይኒ ኸኣ ፍሪኡ ኺፈሪ እዩ፣ ምድሪ ድማ ፍሪኣ ኽትህብ እያ፣+ ሰማያት እውን ኣውሎም ኪህቡ እዮም። ንተረፍ እዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ነዚ ዅሉ ኸውርሶ እየ።+ 13  ኣቱም ቤት ይሁዳን ቤት እስራኤልን፡ ከምቲ ኣብ መንጎ ኣህዛብ መራገሚ ዝዀንኩም፡+ ከምኡ ኸድሕነኩም እየ፣ በረኸት እውን ክትኰኑ ኢኹም።+ ኣይትፍርሁ!+ ኣእዳውኩም ኣበርትዑ።’*+ 14  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊትሲ ኸምዚ ይብል፦ ‘“ከምቲ ኣቦታትኩም ስለ ዘቘጡዑኒ መዓት ከምጽኣልኩም ዝቘረጽኩ እሞ ዘይተጥዓስኩ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡+ 15  “ከምኡ ድማ በዛ ግዜ እዚኣ ንየሩሳሌምን ንቤት ይሁዳን ጽቡቕ ክገብረለን ቈሪጸ ኣለኹ።+ ኣይትፍርሁ!”’+ 16  “‘እቲ ኽትገብርዎ ዚግብኣኩም ነገር እዚ እዩ፦ ንሓድሕድኩም ሓቂ ተዛረቡ፣+ እቲ ኣብ ኣፍ ደገታትኩም እትገብርዎ ፍርድታት ከኣ ብሓቂ ይኹን፡ ሰላም እውን የስፍን።+ 17  ንሓድሕድኩም ብልብኹም መዓት ኣይትሕሰቡ፣+ ማሕላ ሓሶት እውን ኣይትፍተዉ።+ ነዚ ዅሉስ እጸልኦ እየ’+ ይብል የሆዋ።” 18  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 19  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ጾም ራብዐይቲ ወርሕን+ ጾም ሓምሸይቲ ወርሕን+ ጾም ሻውዐይቲ ወርሕን+ ጾም ዓስረይቲ ወርሕን+ ንቤት ይሁዳ ኣጋጣሚ ፍስሃን ሓጐስን፡ በዓላት ታሕጓስ ኪኸውን እዩ።+ ስለዚ፡ ሓቅን ሰላምን ፍተዉ።’ 20  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ህዝብታትን ነበርቲ ብዙሓት ከተማታትን ገና ኺመጹ እዮም፣ 21  ነበርቲ ሓንቲ ኸተማ ድማ ናብቶም ናይታ ሓንቲ ኸይዶም፡ “ሞገስ የሆዋ ኽንልምንን* ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ክንደልዮንሲ ሃየ ንኺድ። ኣነ እውን ክኸይድ እየ” ኺብሉ እዮም።+ 22  ብዙሓት ህዝብታትን ሓያላት ኣህዛብን ከኣ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ የሩሳሌም ኪደልይዎን+ ሞገስ የሆዋ ኺልምኑን* ኪመጹ እዮም።’ 23  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘በተን መዓልትታት እቲአን፡ ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰባት+ ንሓደ ኣይሁዳዊ* ወለል ዚብል ክዳኑ* ሒዞም፡ እወ ኣጽኒዖም ሒዞም፡ “ኣምላኽ ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ሰሚዕና ኢና እሞ፡+ ምሳኻትኩም ክንከይድ ንደሊ ኢና”+ ኺብልዎ እዮም።’”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ተኣማንነት።”
ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታት።”
ወይ፡ “ብተኣማንነትን።”
ወይ፡ “ኣጆኹም።”
ወይ፡ “ኣጆኹም።”
ወይ፡ “ገጽ የሆዋ ኸነፈሽሕውን።”
ወይ፡ “ገጽ የሆዋ ኼፈሽሕዉን።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሓደ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ።”
ወይ፡ “ወሰን ክዳኑ።”