ዘሁልቍ 15:1-41
15 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦
2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ናብታ ኽትነብሩላ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡+
3 ንየሆዋ ኸኣ ካብ ከብቲ ወይ ካብ ጤለ በጊዕ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ማለት ንየሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን+ ዚሓርር መስዋእቲ+ ወይ መስዋእቲ ፍሉይ መብጽዓ ወይ መስዋእቲ ፍታው+ ወይ ኣብ በዓላትኩም ዚቐርብ መስዋእቲ+ ምስ እተቕርቡ፡
4 እቲ መስዋእቱ ዜቕርብ፡ ንየሆዋ መስዋእቲ እኽሊ ገይሩ እውን ብርብዒ ሂን* ዘይቲ እተቘምጥዐ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ድኹም ሓርጭ የቕርብ።+
5 ምስ ዚሓርር መስዋእቲ ወይ መምስ መስዋእቲ ገንሸል፡* ንመስዋእቲ መስተ ዚኸውን ርብዒ ሂን ወይኒ እውን ኣቕርብ።+
6 ወይ ምስ ድዑል ብሲሶ ሂን ዘይቲ እተቘምጥዐ ኽልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ ግበር።
7 ንመስዋእቲ መስተ ድማ ሲሶ ሂን ወይኒ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን ኣቕርብ።
8 “‘ንዚሓርር መስዋእቲ+ ወይ ንመስዋእቲ ፍሉይ መብጽዓ+ ወይ ንመስዋእቲ ሕብረት+ ካብ ከብቲ ንየሆዋ ተባዕታይ እንተ ኣቕሪብካ ግና፡
9 ምስቲ ዝራብዕ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ኪኸውን ብፍርቂ ስፍሪ ዘይቲ እተቘምጥዐ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ እውን ኣቕርብ።
10 ንመስዋእቲ መስተ+ ድማ፡ ፍርቂ ሂን ወይኒ፡ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ጌርካ ኣቕርብ።
11 ነንብዕራይ ወይ ነንድዑል ወይ ነንገንሸል ወይ ነንጤል ከምኡ ይገበር።
12 ከም ቍጽሪ እቶም እትስውእዎም፡ ከምኡ ነንሓዲኦም፡ ከም ቍጽሮም ግበሩ።
13 ወዲ ዓዲ ዘበለ እስራኤላዊ በዚ ኸምዚ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ዚኸውን ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ የቕርብ።
14 “‘ምሳኻትኩም ዚቕመጥ ጓና ወይ ንሓያሎ ወለዶታት ኣብ ማእከልኩም ዚነብር ዘበለ፡ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ዚኸውን ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እንተ ኣቕሪቡ፡ ከምቲ ንስኻትኩም እትገብርዎ ይግበር።+
15 ኣብቲ ጉባኤ ንዘለኹም ንዓኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን። እቲ ጓና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸማኻትኩም ይኹን።+
16 ንዓኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓናን ሓደ ሕግን ሓደ ፍርድን ይኹን።’”
17 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦
18 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ናብታ ኣነ ዘእትወኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡
19 እንጌራ እታ ምድሪ ድማ ምስ በላዕኩም፡+ ንየሆዋ መባእ ኣቕርቡ።
20 ካብቲ በዅሪ ሓርጭኩም ዓንኬላዊ ቕጫ ጌርኩም መባእ ኣቕርቡ።+ ከም መባእ ዓውዲ ጌርኩም ሃቡ።
21 ካብቲ በዅሪ ሓርጭኩም ንውሉድ ወለዶኹም ንየሆዋ መባእ ሃቡ።
22 “‘እንተ ተጋጊኹም፡ ነዚ የሆዋ ንሙሴ እተዛረቦ ዅሉ ትእዛዛት ድማ እንተ ዘይሓሊኹም፡
23 ካብታ የሆዋ ትእዛዛት ዝሃበላ መዓልቲ ንንየው ከኣ ንውሉድ ወለዶኹም ንዅሉ እቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዘኩም እንተ ዘይሓሊኹም፡
24 እዚ ድማ፡ እቲ ኣኼባ ኸይፈለጠ ብጌጋ እንተ ተገይሩ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ንዚሓርር መስዋእቲ፡ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ዚኸውን ሓደ ዝራብዕ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ከምቲ ስርዓቱ ገይሩ የቕርብ፣+ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ወጠጦ የቕርብ።+
25 እቲ ኻህን ድማ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን የተዓርቕ፡ ሽዑ ይቕረ ኺብሃለሎም እዩ፣+ ከመይሲ፡ ብጌጋ እተገብረ እዩ፣ ብዛዕባ ጌጋኦም ድማ መስዋእቶም፡ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸኣ መስዋእቲ ሓጢኣቶም ኣቕሪቦም እዮም።
26 ኣብ ብዘሎ ህዝቢ ብጌጋ እተገብረ እዩ እሞ፡ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያንን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ይቕረ ኺብሃለሎም እዩ።
27 “‘ሓደ ሰብ* ብጌጋ እንተ ሓጢኡ፡ ኣብ ቀዳማይ ዓመታ ዘላ ኣርሕዶ* ንመስዋእቲ ሓጢኣት የቕርብ።+
28 ነቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብዘይፍላጥ ብምሕጣኡ እተጋገየ ሰብ* ንምትዕራቑ ኸኣ፡ እቲ ኻህን የተዓርቆ፣ ሽዑ ይቕረ ኺብሃለሉ እዩ።+
29 ብዛዕባ እቲ ብዘይፍላጥ ዚግበር ነገር፡ ንወዲ ዓዲ ኻብ እስራኤላውያንን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም።+
30 “‘ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ጓና፡ እቲ ብፍላጥ ገለ ነገር ዚገብር ሰብ*+ ግና፡ ንሱ ንየሆዋ ጸሪፉ እዩ እሞ፡ ካብ ህዝቡ ይመንቈስ።
31 እቲ ሰብ* እቲ ንቓል የሆዋ ስለ ዝነዓቐ፡ ትእዛዙ ድማ ስለ ዘፍረሰ፡ ብርግጽ ካብ ህዝቡ ይመንቈስ።+ ስሕተቱ ኣብ ርእሱ እዩ።’”+
32 እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኸለዉ፡ ሓደ ሰብኣይ ብመዓልቲ ሰንበት ዕንጨይቲ ኺኣሪ ረኸቡ።+
33 እቶም ዕንጨይቲ ኺኣሪ ዝረኸብዎ ኸኣ፡ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ብዘሎ እቲ ኣኼባን ኣምጽእዎ።
34 እንታይ ኪገብርዎ ኸም ዚግባእ ስለ ዘይነጸረ ድማ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ።+
35 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “እቲ ሰብኣይ እቲ ብርግጽ ይቀተል፣+ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ድማ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብዳርባ እምኒ ይቕተሎ” በሎ።+
36 ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸኣ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጺኡ፡ ብዳርባ እምኒ ቐተሎ።
37 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦
38 “ንእስራኤላውያን ተዛረቦም፡ ንውሉድ ወለዶኦም ኣብ ወሰን ክዳውንቶም ኣዝፋር ኪገብሩ፡ ኣብ ወሰን እቲ ዘፈር ከኣ ሰማያዊ ፍሕሶ ኺገብሩ እውን ንገሮም።+
39 ‘ንዕኡ ርኢኹም፡ ንዅሉ ትእዛዛት የሆዋ ምእንቲ ኽትዝክርዎን ምእንቲ ኽትገብርዎን፡ እዚ ዘፈር እዚ ይሃሉኹም።+ ናብ መንፈሳዊ ምንዝርና ዚመርሓኩም ልብኹምን ዓይንኹምን ኣይትስዓቡ።+
40 እዚ ንምዝካር ኪሕግዘኩም እዩ፡ ኵሉ ትእዛዛተይ ከኣ ክትሕልዉ ኢኹም፡ ንኣምላኽኩም ድማ ቅዱሳት ክትኰኑ ኢኹም።+
41 ኣምላኽኩም ምእንቲ ክኸውን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።’”+
እግረ ጽሑፍ
^ ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
^ ወይ፡ “ነፍሲ።”
^ ኣርሕዶ ኻብ ማሕስእ እትዓቢ፡ ንእሽቶ ኣንስተይቲ ጤል እያ።
^ ወይ፡ “ነፍሲ።”
^ ወይ፡ “ነፍሲ።”
^ ወይ፡ “ነፍሲ።”