ዘሁልቍ 14:1-45

  • እቲ ህዝቢ ናብ ግብጺ ኺምለስ ደለየ (1-10)

    • ጽቡቕ ወረ እያሱን ካሌብን (6-9)

  • የሆዋ ተቘጥዐ፣ ሙሴ ለመነ (11-19)

  • መቕጻዕቲ፦ 40 ዓመት ኣብ በረኻ (20-38)

  • ደቂ እስራኤል ብኣማሌቃውያን ተሳዕሩ (39-45)

14  ኵሉ እቲ ኣኼባ ድምጹ ዓው ኣበለ፣ እቲ ህዝቢ ኸኣ እታ ለይቲ እቲኣ ብመላኣ ኺጭርሕን ኪበክን ሓደረ።+ 2  ኵሎም እስራኤላውያን ድማ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ፣+ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ነቐፎም፦ “ኣብ ምድሪ ግብጺ ሞይትና እንተ ንኸውን፡ ወይ ኣብዚ በረኻ እዚ ሞይትና እንተ ንኸውን መን ምሃበ፧ 3  የሆዋ ብሰይፊ ኽንወድቕ ኢሉ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ዜእትወና ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧+ ኣንስትናን ደቅናን ኪማረኹ እዮም።+ ናብ ግብጺ እንተ ንምለስዶ ኣይሕሸናን፧”+ 4  ንሓድሕዶም ከኣ፡ “መራሒ ንሽም እሞ፡ ናብ ግብጺ ንመለስ!” ተባሃሃሉ።+ 5  ሽዑ፡ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እቲ ጉባኤ ኣኼባ እስራኤላውያን ብገጾም ተደፍኡ። 6  እቶም ካብቶም ሰለይቲ እታ ምድሪ ዝነበሩ እያሱ+ ወዲ ነዌን ካሌብ+ ወዲ የፉነን ድማ ክዳውንቶም ቀደዱ፣ 7  ንዅሉ እቲ ኣኼባ እስራኤላውያን ከኣ ከምዚ በልዎ፦ “እታ ኽንስልያ ዝሓለፍናያ ምድሪ ኣዝያ፡ ኣዝያ ጽብቕቲ ምድሪ እያ።+ 8  የሆዋ ብኣና ባህ እንተ ኢልዎስ፡ ናብዛ ምድሪ እዚኣ፡ ናብዛ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ብርግጽ ኬእትወና፡ ንዓና እውን ኪህበና እዩ።+ 9  ካብ የሆዋ ግዳ ኣይትዕለዉ፣ ንሳቶም እንጌራና እዮም እሞ፡ ንህዝቢ እታ ምድሪ እቲኣ ኣይትፍርህዎም።+ ዕቝባኦም ካባታቶም ኣልጊሱ እዩ፡ የሆዋ ኸኣ ምሳና እዩ፡+ ኣይትፍርህዎም።” 10  ኵሉ እቲ ኣኼባ ግና፡ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሎም ተዛራረበ።+ ግናኸ፡ ክብሪ የሆዋ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ተራእየ።+ 11  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “እዚ ህዝቢ እዚ ኽሳዕ መዓስ እዩ ዚንዕቀኒ፧+ በቲ ዅሉ እቲ ኣብ መንጎኦም ዝገበርክዎ ትእምርትታት፡ ክሳዕ መዓስ እዮም ዘይኣምኑኒ፧+ 12  ብለበዳ ኽወቕዖምን ከጥፍኦምን እየ፣ ንዓኻ ድማ ካባታቶም ዚዓብን ዚብርትዕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ።”+ 13  ሙሴ ግና ንየሆዋ ኸምዚ በሎ፦ “ሽዑ፡ ግብጻውያን፡ እቶም ካብ ማእከሎም እኳ ብሓይልኻ ነዚ ህዝቢ እዚ ዘውጻእካዮ፡ እዚ ኺሰምዑ እዮም፣+ 14  ንነበርቲ እዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ኪነግርዎም እዮም። እዚኣቶም እውን ንስኻ የሆዋ ኣብ መንጎ እዚ ህዝቢ እዚ ኸም ዝዀንካን+ ገጽ ንገጽ ከም እተረኣኻዮምን ሰሚዖም ኣለዉ።+ ንስኻ የሆዋ ኢኻ፣ ደበናኻ እውን ኣብ ልዕሊኦም ቈይሙ ኣሎ፣ መዓልቲ ብዓንዲ ደበና፡ ለይቲ ኸኣ ብዓንዲ ሓዊ ቐቅድሚኦም ትኸይድ ኣለኻ።+ 15  ነዚ ህዝቢ እዚ ብሓንሳእ* እንተ ቐቲልካዮ፡ እቶም ዝናኻ ዝሰምዑ ኣህዛብ፡ 16  ‘የሆዋ ነዚ ህዝቢ እዚ ናብታ ኺህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ኼእትዎም ስለ ዘይከኣለ፡ ኣብ በረኻ ሓሪድዎም’ ኪብሉ እዮም።+ 17  ሕጂ ኸኣ በጃኻ የሆዋ፡ ሓይልኻ ይዕበ፡ ከምቲ ኸምዚ ኢልካ ዘተስፎኻዮ ድማ ይኹን፦ 18  ‘የሆዋ፡ ንቝጥዓ ደንጓይን ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን፡*+ ስሕተትን ኣበሳን ዚሓድግ፡ ግናኸ ንበዳሊ ኸይቀጽዐ ዘይሓድግ፡ ስሕተት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቂ፡ ክሳዕ ሳልሳይ ወለዶን ክሳዕ ራብዓይ ወለዶን ዚቐጽዕ።’+ 19  ስሕተት እዚ ህዝቢ እዚ ኸምቲ ኻብ ግብጺ ኽሳዕ ሕጂ ዝሓደግካሉ፡ በጃኻ በቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ዓብዪ ፍቕርኻ ይቕረ በል።”+ 20  የሆዋ ድማ ከምዚ በለ፦ “ከምቲ ቓልካ ይቕረ ኢለዮም እየ።+ 21  ግናኸ፡ ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ፡ ኵላ ምድሪ ብኽብሪ የሆዋ ኽትመልእ እያ።+ 22  ካብቶም ክብረይን ኣብ ግብጽን ኣብ በረኻን ዝገበርክዎ ትእምርትታተይን+ ርእዮም ክነሶም፡ ዓሰርተ ሳዕ ዝፈተኑኒ፡+ ቃለይ እውን ዘይሰምዑ ሰባት ግና፡+ ሓደ እኳ 23  ነታ ንኣቦታቶም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸቶ ኣይኪርእያን እዩ። እወ፡ ካብቶም ዚንዕቁኒ፡ ሓደ እኳ ኣይኪርእያን እዩ።+ 24  ጊልያይ ካሌብ+ ግና እተፈልየ መንፈስ ስለ ዝነበሮ፡ ብምሉእ ልቡ እውን ስለ ዝሰዓበኒ፡ ንዕኡ ብርግጽ ናብታ ኸይድዋ ዝነበረ ምድሪ ኸእትዎ እየ፡ ዘርኡ ኸኣ ኪርስተያ እዩ።+ 25  ኣማሌቃውያንን ከነኣናውያንን+ ኣብ ስንጭሮ* ይቕመጡ ስለ ዘለዉ፡ ጽባሕ ተመለሱ፡ ብመገዲ ቐይሕ ባሕሪ ኣቢልኩም ድማ ናብ በረኻ ንቐሉ።”+ 26  የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 27  “እዚ ኽፉእ ኣኼባ እዚ ኽሳዕ መዓስ እዩ ኣብ ልዕለይ ኬጕረምርም፧+ እቲ እስራኤላውያን ኣብ ልዕለይ ዘጕረምረምዎ ምጕርምራም ሰሚዐዮ ኣለኹ።+ 28  ከምዚ በሎም፦ ‘“ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ፡” ይብል የሆዋ፡ “ከምቲ ኽትዛረብዎ ዝሰማዕክዎ፡ ከምኡ ኽገብረኩም እየ!+ 29  ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ እተመዝገብኩም ዘበልኩም ኵልኹም ቍጹራት፡ ኣብ ልዕለይ ዘጕረምረምኩም ኵላትኩም፡+ ሬሳታትኩም ኣብዚ በረኻ እዚ ኺወድቕ እዩ።+ 30  ብዘይካ ካሌብ ወዲ የፉነን እያሱ ወዲ ነዌን፡+ ናብታ ኣብኣ ኸንብረኩም ኢለ ዝመሓልኩላ* ምድሪ ኣይክትኣትዉን ኢኹም።+ 31  “‘“ነቶም ምርኮ ኪዀኑ እዮም ዝበልኩምዎም ደቅኹም ከኣ ከእትዎም እየ፣+ ንሳቶም ድማ ነታ ዝነዓቕኩምዋ ምድሪ ኺፈልጥዋ እዮም።+ 32  ሬሳታትኩም ግና ኣብዚ በረኻ እዚ ኺወድቕ እዩ። 33  ደቅኹም ከኣ ኣብ በረኻ 40 ዓመት ጓሶት ኪዀኑ እዮም፣+ ካባኻትኩም እቲ ናይ መወዳእታ ሬሳ ኣብ በረኻ ኽሳዕ ዚወድቕ፡ ብጥልመትኩም* ተሓተትቲ ኪዀኑ እዮም።+ 34  ከም ቍጽሪ እተን ነታ ምድሪ ዝሰለኹምለን መዓልትታት፡ 40 መዓልቲ፡+ ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ሓንቲ ዓመት፡ ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ሓንቲ ዓመት፡ ንስሕተትኩም 40 ዓመት ተሓተትቲ ኽትኰኑ ኢኹም፣+ ንዓይ ምጽራር* እንታይ ማለት ምዃኑ ኸኣ ክትፈልጡ ኢኹም። 35  “‘“ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ። ንዅሉ እዚ ኣንጻረይ ዝሓበረ ኽፉእ ኣኼባ እዚ፡ ከምኡ ኽገብሮ እየ፦ ኣብዚ በረኻ እዚ ኺውድኡ እዮም፡ ኣብዚ እውን ኪሞቱ እዮም።+ 36  እቶም ነታ ምድሪ ኺስልዩ ሙሴ ዝሰደዶም እሞ፡ ምስ ተመልሱ ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ብምውራዮም ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዜጕረምርም ዝገበሩ ሰባት፡+ 37  እወ፡ እቶም ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ዘውረዩ ሰባት፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺውቅዑን ኪሞቱን እዮም።+ 38  እቶም ካብቶም ሰለይቲ እታ ምድሪ ዝነበሩ እያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ የፉነን ግና፡ ብርግጽ ብህይወት ኪነብሩ እዮም።”’”+ 39  ሙሴ፡ እዚ ቓላት እዚ ንዅሎም እስራኤላውያን ምስ ተዛረቦም፡ እቲ ህዝቢ ብዙሕ ሓዘነ። 40  ንግሆ ኣንጊሆም ተንሲኦም ድማ፡ “ሓጢእና ኢና እሞ፡ ናብታ የሆዋ ዝበለና ቦታ ንምድያብ ተዳሊና እነና” እናበሉ ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ኪድይቡ ፈተኑ።+ 41  ሙሴ ግና ከምዚ በሎም፦ “ስለምንታይ ኢኹም ትእዛዝ የሆዋ እትጥሕሱ ዘለኹም፧ እዚ ኣይኪቐንዓኩምን እዩ። 42  የሆዋ ምሳኻትኩም ኣይኰነን እሞ፡ ኣይትደይቡ፣ ብጸላእትኹም ክትስዓሩ ኢኹም።+ 43  ኣማሌቃውያንን ከነኣናውያንንሲ ኺገጥሙልኩም ኣብኡ ኣለዉ፣+ ብሰይፊ ኸኣ ክትወድቁ ኢኹም። ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ስለ እተመለስኩም፡ የሆዋ ድማ ምሳኻትኩም ኣይኪኸውንን እዩ።”+ 44  ንሳቶም ግና ብድፍረት ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ደየቡ፣+ ታቦት ኪዳን የሆዋን ሙሴን ግና ካብ ማእከል ሰፈር ኣይለቐቑን።+ 45  እቶም ኣብቲ ኸረን ዚቕመጡ ዝነበሩ ኣማሌቃውያንን ከነኣናውያንን ድማ ወሪዶም ወቕዕዎም፡ ክሳዕ ሖርማ ኸኣ ፋሕ ኣበልዎም።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ከም ንሓደ ሰብ።”
ወይ፡ “ፍቕራዊ ለውሃትን።”
ወይ፡ “ዓሚቚ ጐልጐል።”
ቃ.ቃ.፡ “ኢደይ ዘልዓልኩላ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብምንዝርናኹም።”
ወይ፡ “ኣነ ጸላኢኹም ምዃን።”