እዮብ 36:1-33
36 ኤሊሁ ድማ ወሲኹ ኸምዚ በለ፦
2 “ምእንቲ ኣምላኽ ገና ዘረባ ኣሎኒ እሞ፡ክገልጽ ከለኹ ቝሩብ ተዓገሰኒ።
3 ብዛዕባ እቲ ዝፈልጦ ብሰፊሑ ኽዛረብ እየ፣ገባርየይ ጻድቕ ከም ዝዀነ ኽነግር እየ።+
4 ብሓቂ፡ ዘረባይ ሓሶት ኣይኰነን፣እቲ ፍጹም ፍልጠት ዘለዎ+ ኣብዚ ኣብ ቅድሜኻ ኣሎ።
5 እወ፡ ኣምላኽ ሓያል እዩ፡+ ንሓደ እኳ ኣይንዕቕን እዩ፣ብሓይሊ ኣእምሮኡ* ዓብዪ እዩ፣
6 ህይወት እኩይ ኣየድሕንን እዩ፣+ንውጹዕ ግና ፍትሒ ይህቦ።+
7 ኣዒንቱ ኻብ ጻድቕ ኣየልዕልን፣+ምስ ነገስታት* ኣብ ዝፋን የቐምጦም እሞ፡+ ንዘለኣለም ልዕል ይብሉ።
8 ግናኸ፡ ብመቝሕ እንተ ተኣሲሮም፡ብኣግማድ ጸበባ ድማ እንተ ተታሒዞም፡
9 ንሱ ንተግባሮም፡ነቲ ብትዕቢት ዝገበርዎ ኣበሳኦም ይገልጸሎም።
10 ኣእዛኖም ንመአረምታ ይኸፍት፣ካብ ክፉእ ግብሪ ኺምለሱ ኸኣ ይነግሮም።+
11 እንተ ተኣዚዞምዎን እንተ ሰሚዖምዎን፡መዓልትታቶም ብብልጽግና፡ዓመታቶም እውን ብደስታ እናነበሩ ይፍጽሙ።+
12 እንተ ዘይተኣዚዞም ግና፡ ብሰይፊ* ኺጠፍኡ፡+ብዘይ ፍልጠት እውን ኪሞቱ እዮም።
13 እቶም ብልቦም ኣምላኽ ዘይብሎም* ቂም ይሕዙ።
ምስ ኣሰሮም እኳ ኣየእውዩን።
14 ገና ብንእስነቶም ይሞቱ፣*+ህይወቶም ኣብ መንጎ ተባዕትዮ ኣመናዝር ቤተ መቕደስ የሕልፉ።*+
15 ኣምላኽ* ግና ንውጹዓት ብግዜ ጸበባኦም የናግፎም፣ምስ ተጨቈኑ፡ ኣእዛኖም ይኸፍት።
16 ካብ ኣፍ ጭንቂ፡+ናብቲ ኻብ ቀይዲ ናጻ ዝዀነ ገፊሕ ቦታ ይስሕበካ፣+ኣብ መኣድኻ ኸኣ ንምጽንናዕ ዚኸውን ስቡሕ ምግቢ የቕርበልካ።+
17 ፍርዲ ምስ ተዋህበን ፍትሒ ምስ ተደገፈን፡ሽዑ፡ በቲ ኣብ እኩይ ዚወርድ ፍርዲ ኽትዓግብ ኢኻ።+
18 ግናኸ፡ ነድሪ ናብ ክፍኣት* ከይመርሓካ ተጠንቀቕ፣+ብዙሕ ጉቦ ኸኣ ኬስሕተካ ኣይትሕደግ።
19 ኣውያትካ ወይ ዜትዕብ ጻዕርኻዶኻብ ጭንቂ ኺሕልወካ ይኽእል እዩ፧+
20 ነታ ሰባት ካብ ቦታኦም ዚጠፍኡላለይቲ ኣይትናፍቃ።
21 ካብ ጸበባስ ክፉእ ተግባር ሓሪኻናብኡ ኸይትምለስ ተጠንቀቕ።+
22 እንሆ፡ ኣምላኽ ብሓይሉ ልዑል እዩ፣ከምኡ ዝበለ መምህር መን እዩ፧
23 መገዱ ዝሓበሮ* መን እዩ፧+
‘ጌጋ ኢኻ ጌርካ’ ዚብሎኸ መን እዩ፧+
24 ነቲ ሰባት ዝዘመሩሉ ተግባሩ+ኸተዕብዮ ዘክር።+
25 ኵሎም ሰባት ርእዮምዎ፣መዋቲ ሰብ ግና ካብ ርሑቕ ይጥምት።
26 እወ፡ ኣምላኽ ካብቲ ኽንፈልጦ እንኽእል ንላዕሊ ይዓቢ፣+ቍጽሪ ዓመታቱ ኸኣ ምግንዛቡ ዘይከኣል* እዩ።+
27 ነጠብጣብ ማይ ናብ ላዕሊ ይስሕብ፣+ካብ ግመኡ ድማ ዝናም ይሰርብ።
28 ሽዑ፡ ንደበናታት የፍስሶ፣+ኣብ ልዕሊ ሰብ እውን የንጠብጥቦ።
29 ንቐጸላ ደበናታት፡ካብ ድንኳኑ* ንዚወጽእ ነጕዲ ኺርድኦ ዚኽእል ኣሎዶ፧+
30 ንበርቁ* ኣብ ልዕሊኡ ኸመይ ከም ዚዝርግሖ ርአ፣+ንመዓሙቝ* ባሕሪ ኸኣ ይሽፍኖ።
31 በዚ ኸምዚ ንህዝብታት ይዕንግሎም፣*ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ድማ ይህቦም።+
32 ብኣእዳዉ ንበርቂ ይሽፍኖ፣ናብ ዕላማኡ ኸኣ ይመርሖ።+
33 ነጕዱ ብዛዕባኡ ይነግር፣ማል እኳ መን* ይመጽእ ከም ዘሎ ይነግራ።
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “ልቡ።”
^ ወይ፡ “ንነገስታት” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ብኣጽዋር (ብተወርዋሪ)።”
^ ወይ፡ “ከሓድቲ።”
^ ወይ፡ “ነፍሶም ትመውት።”
^ ወይ፡ “የጥፍኡ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ቃ.ቃ.፡ “ንሱ።”
^ ወይ፡ “ብኽፍኣት ናብ ምጥቓዕ።”
^ ወይ፡ “ብዛዕባ መገዱ ዝነቐፎ (ተሓታቲ ዝገበሮ)” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ዘይምርመር።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ዳሱ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንብርሃኑ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንሰራውር።”
^ ወይ፡ “ይማጐተሎም” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “እንታይ” ኪኸውን ይኽእል።