እያሱ 2:1-24
2 እያሱ ወዲ ነዌ ድማ ንኽልተ ሰባት፡ “ኬድኩም ነታ ምድሪ፡ ብፍላይ ንያሪኮ መርምርዋ” ኢሉ ኺስልዩ ኻብ ሺጢም+ ብሕቡእ ሰደዶም። ንሳቶም ከኣ ከይዶም፡ ናብ ቤት ረሃብ ዝስማ ኣመንዝራ መጹ፡+ ኣብኣ እውን ጸንሑ።
2 ንንጉስ ያሪኮ ድማ፡ “እንሆ፡ እስራኤላውያን ሰባት ነዛ ምድሪ እዚኣ ኺስልይዋ፡ ሎሚ ለይቲ ናብዚ መጺኦም ኣለዉ” ተባሂሉ ተነግሮ።
3 እቲ ንጉስ ከኣ፡ “እዞም ናባኺ መጺኦም፡ ናብ ቤትኪ ዝኣተዉ ሰባት፡ ንብዘላ ምድሪ ኺስልዩ ዝመጹ እዮም እሞ፡ ኣውጽእዮም” ኢሉ ናብ ረሃብ ለኣኸ።
4 እታ ሰበይቲ ግና ነቶም ክልተ ሰባት ወሲዳ ሓብኣቶም። ከምዚ ድማ በለት፦ “እወ፡ ሰባትሲ መጺኦምኒ ነይሮም፣ ካበይ ምዃኖም ግና ኣይፈለጥኩን።
5 እቶም ሰባት ከኣ በታ ኣፍ ደገ ኸተማ እትዕጸወላ ግዜ፡ ብጸልማት ወጺኦም። ናበይ ከም ዝኸዱ ኣይፈለጥኩን፣ ቀልጢፍኩም ደድሕሪኦም እንተ ስዒብኩም ግና፡ ከተርክብዎም ኢኹም።”
6 (ንሳ ግና ናብ ናሕሲ ኣደይባ፡ ኣብ መንጎ እቲ ኣብቲ ናሕሲ ተሰጢሑ ዝነበረ ብርዒ እንጣጢዕ ሓቢኣቶም ነበረት።)
7 እቶም ሰባት ድማ ናብ ኣንፈት መሳገሪታት ዮርዳኖስ ኣቢሎም ደድሕሪኦም ሰዓቡ፣+ እቶም ደድሕሪኦም ዚስዕቡ ምስ ወጹ ኸኣ፡ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ተዓጽወ።
8 እቶም ሰባት ቅድሚ ምድቃሶም፡ ናብኦም ናብ ናሕሲ ደየበት።
9 ነቶም ሰባት ድማ ከምዚ በለቶም፦ “የሆዋ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኸም ዚህበኩም፡+ ብኣኻትኩም ድማ ፈሪህና ኸም ዘለና እፈልጥ እየ።+ ኵሎም ነበርቲ እዛ ምድሪ ብሰንክኹም ጃጅዮም እዮም።+
10 ከመይሲ፡ ካብ ግብጺ ኽትወጹ ኸለኹም፡ የሆዋ ንማያት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዘንቀጾ፡+ ነቶም ኣብ ስግር* ዮርዳኖስ ዝነበሩ ዘጥፋእኩምዎም ክልተ ነገስታት ኣሞራውያን፡ ማለት ንሲሆንን+ ንዖግን+ ከኣ ዝገበርኩምዎም ሰሚዕና ኢና።
11 የሆዋ ኣምላኽኩም ድማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያትን ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድርን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ እዚ ምስ ሰማዕና፡ ልብና መኺኹ፡ ብሰንክኹም ከኣ ሓደ እኳ ትብዓት ኣይነበሮን።*+
12 ሕጂ ድማ በጃኹም፡ ከምቲ ኣነ ብተኣማንነት ዘፍቀርኩኹም፡ ንስኻትኩም እውን ንቤተ ሰብ ኣቦይ ብተኣማንነት ከተፍቅሩ፡ ብየሆዋ ምሓሉለይ፣ ዜተኣማምን ምልክት ከኣ ሃቡኒ።
13 ንኣቦይን ንኣደይን ንኣሕዋተይን ንኣሓተይን ናታቶም ንዘበለ ዅሉን ብህይወት ሕደግዎም፡ ካብ ሞት ድማ ኣድሕኑና።”*+
14 እቶም ሰባት ከኣ፡ “ኣብ ክንዳኹምሲ ህይወትና ትሕለፍ!* ብዛዕባ ተልእኾና እንተ ዘይነጊርኩም፡ የሆዋ ነዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ሃበና፡ ብተኣማንነት ከነፍቅረክን ተኣማንነት ከነርእየክን ኢና” በልዋ።
15 ድሕሪኡ፡ ቤታ ኣብ ጐድኒ እቲ መካበብያ ኸተማ ነበረት እሞ፡ ገመድ ገይራ ብመስኰት ኣውረደቶም። ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ድማ ትቕመጥ ነበረት።+
16 ንሳ ኸኣ፡ “ናብ ኣኽራን ኪዱ፡ እቶም ዚደልዩኹም ከይረኽቡኹምሲ፡ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ተሓብኡ። ድሕሪኡ፡ ደለይትኹም ምስ ተመልሱ፡ መገድኹም ኪዱ” በለቶም።
17 እቶም ሰባት ከኣ ከምዚ በልዋ፦ “ንሕና ኻብዚ ዘምሓልክና ማሕላ ንጹሃት ክንከውን ኢና፣+
18 ንስኺ ግዳ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ኽንኣቱ ኸለና፡ ነዚ ቐይሕ ገመድ እዚ ኣብቲ ብእኡ እንወርደሉ መስኰት እሰርዮ። ንኣቦኽን ንኣዴኽን ንኣሕዋትክን ንዅሎም ቤተ ሰብ ኣቦኽን ምሳኺ ኣብ ቤት ኣክብዮም።+
19 ካብ ማዕጾ ቤትኪ ንግዳም ዝወጸ ዘበለ፡ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ፡ ንሕና ድማ ንጹሃት ንኸውን። ምሳኺ ኣብ ቤት ንዝጸንሐ ዘበለ ጕድኣት እንተ ረኺብዎ* ግና፡ ደሙ ኣብ ርእስና ኪኸውን እዩ።
20 ተልእኾና እንተ ነጊርኪ ግና፡+ ካብዚ ዘምሓልክና ማሕላ ንጹሃት ክንከውን ኢና።”
21 ንሳ ድማ፡ “ከም ቃልኩም ይኹን” ኢላ መለሰት።
ሽዑ፡ ሰደደቶም፡ ንሳቶም እውን ከዱ። ንሳ ኸኣ ነቲ ቐይሕ ገመድ ኣብቲ መስኰት ኣሰረቶ።
22 ንሳቶም ከኣ ከይዶም፡ ናብ ኣኽራን መጹ፣ ኣብኡ ድማ እቶም ደለይቲ ኽሳዕ ዚምለሱ፡ ሰለስተ መዓልቲ ጸንሑ። እቶም ደለይቲ ኣብ ኵሉ መገዲ ደለይዎም፡ ግናኸ ኣይረኸብዎምን።
23 ሽዑ፡ እቶም ክልተ ሰባት ካብቲ ኣኽራን ወሪዶም፡ ነቲ ፈለግ ተሳጊሮም ናብ እያሱ ወዲ ነዌ መጹ። ዝረኸቦም ዘበለ ዅሉ ኸኣ ነገርዎ።
24 ንእያሱ ድማ፡ “የሆዋ ንብዘላ እታ ምድሪ ኣብ ኢድና ሂቡና እዩ።+ ኵሎም ነበርቲ እታ ምድሪ እውን፡ ብሰንክና ጃጅዮም ኣለዉ” በልዎ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ማለት፡ ምብራቓዊ ሸነኽ።
^ ቃ.ቃ.፡ “መንፈስ ኣብ ሰብ ደጊም ኣይተለዓዓለን።”
^ ወይ፡ “ነፍሳትና ድማ ካብ ሞት ኣድሕኑልና።”
^ ወይ፡ “ነፍስና ትሕለፍ!”
^ ወይ፡ “ኢድ ኣብ ልዕሊኡ እንተ ዀይና።”