እያሱ 12:1-24

  • ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ እተሳዕሩ ነገስታት (1-6)

  • ኣብ ምዕራብ ዮርዳኖስ እተሳዕሩ ነገስታት (7-24)

12  እቶም እስራኤላውያን ዝሰዓርዎም እሞ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዘላ ምድሮም፡ ካብ ስንጭሮ* ኣርኖን+ ክሳብ ከረን ሄርሞንን+ ንምብራቕ ዘሎ ዅሉ ዓራባን፡+ ርስቶም ክትከውን ዝወሰዱሎም ነገስታት እታ ምድሪ እዚኣቶም እዮም፦ 2  እቲ ኣብ ሔስቦን ዚነብር ዝነበረ፡ ካብታ ኣብ ገምገም ስንጭሮ* ኣርኖን+ ዘላ ዓሮዔር፡+ ካብ ማእከል እቲ ስንጭሮን ፍርቂ ጊልዓድን ክሳብ እቲ ዶብ ዓሞናውያን ዝዀነ ስንጭሮ* ያቦቅ ከኣ ዝገዝአ ሲሆን+ ንጉስ ኣሞራውያን። 3  ኣብ ዓራባ ንሸነኽ ምብራቕ ክሳብ ባሕሪ ኪነረት፡*+ ንምብራቕ ብኣንፈት ቤት-የሺሞት ከኣ ክሳብ ባሕሪ ዓራባ፡ ማለት ባሕሪ ጨው፡* ንሸነኽ ደቡብ ድማ ኣብ ትሕቲ ቝልቍለት ጲስጋ+ እውን ይገዝእ ነበረ። 4  ሃገር እቲ ሓደ ኻብቶም ተረፍ ረፋይም ዝነበረ፡+ ኣብ ዓሽታሮትን ኤድረይን ከኣ ዚነብር ዝነበረ ዖግ+ ንጉስ ባሳን እውን፣ 5  ንሱ ድማ ኣብ ከረን ሄርሞንን ኣብ ሳልካን ኣብ ኵላ ባሳንን+ ክሳብ ዶብ ጌሹራውያንን ማዓካታውያንን፡+ ፍርቂ ጊልዓድ ከኣ ክሳብ ሃገር ሲሆን ንጉስ ሔስቦን+ ይገዝእ ነበረ። 6  ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋን እስራኤላውያንን ድማ ሰዓርዎም፣+ ድሕሪኡ፡ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ነታ ምድሮም፡ ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ኽትኰኖም ሃቦም።+ 7  እቶም እያሱን እስራኤላውያንን ዝሰዓርዎም፡ ካብታ ኣብ ስንጭሮ ሊባኖስ+ ዘላ በዓል-ጋድ+ ክሳብ እቲ ናብ ሰዒር+ ዜደይብ ከረን ሓላቅ፡+ ብሸነኽ ምዕራብ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ነገስታት እታ ምድሪ እዚኣቶም እዮም፦ (እያሱ ነታ ምድሮም፡ ንነገዳት እስራኤል በብግዲኦም ርስቲ ኽትኰኖም ሃቦም፣+ 8  ንሳ ድማ ነቲ ኣኽራንን ሼፈላን ዓራባን ቍልቍለትን በረኻን ነጌብን+ ዘጠቓለለት ምድሪ ሔታውያንን ኣሞራውያንን+ ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን+ እያ።)  9  ንጉስ ያሪኮ፡+ ሓደ፣ ንጉስ እታ ኣብ ጥቓ ቤት-ኤል ዘላ ዓይ፡+ ሓደ፣ 10  ንጉስ የሩሳሌም፡ ሓደ፣ ንጉስ ኬብሮን፡+ ሓደ፣ 11  ንጉስ ያርሙት፡ ሓደ፣ ንጉስ ላኪሽ፡ ሓደ፣ 12  ንጉስ ዔግሎን፡ ሓደ፣ ንጉስ ጌዘር፡+ ሓደ፣ 13  ንጉስ ደቢር፡+ ሓደ፣ ንጉስ ጌደር፡ ሓደ፣ 14  ንጉስ ሖርማ፡ ሓደ፣ ንጉስ ዓራድ፡ ሓደ፣ 15  ንጉስ ሊብና፡+ ሓደ፣ ንጉስ ዓዱላም፡ ሓደ፣ 16  ንጉስ ማቄዳ፡+ ሓደ፣ ንጉስ ቤት-ኤል፡+ ሓደ፣ 17  ንጉስ ታጱኣ፡ ሓደ፣ ንጉስ ሔፈር፡ ሓደ፣ 18  ንጉስ ኣፌቅ፡ ሓደ፣ ንጉስ ላሻሮን፡ ሓደ፣ 19  ንጉስ ማዶን፡ ሓደ፣ ንጉስ ሓጾር፡+ ሓደ፣ 20  ንጉስ ሺምሮን-ሜሮን፡ ሓደ፣ ንጉስ ኣክሻፍ፡ ሓደ፣ 21  ንጉስ ታዓናክ፡ ሓደ፣ ንጉስ መጊዶ፡ ሓደ፣ 22  ንጉስ ቀደሽ፡ ሓደ፣ ንጉስ ዮቅነዓም+ ኣብ ቀርሜሎስ፡ ሓደ፣ 23  ንጉስ ዶር ኣብ ዓቐበት ዶር፡+ ሓደ፣ ንጉስ ጎይም ኣብ ጊልጋል፡ ሓደ፣ 24  ንጉስ ቲርጻ፡ ሓደ፣ ብድምር 31 ነገስታት።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ርባ።”
ወይ፡ “ርባ።”
ወይ፡ “ርባ።”
ማለት፡ ምዉት ባሕሪ።
ማለት፡ ቀላይ ጌንሳሬጥ፡ ወይ ባሕሪ ገሊላ።