እብራውያን 8:1-13

  • እቲ ማሕደር ዘለዎ ሰማያዊ ትርጉም (1-6)

  • ኣብ መንጎ ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ዘሎ ንጽጽር (7-13)

8  ቀንዲ ነጥቢ እቲ እንብሎ ዘሎና ኸኣ እዚ እዩ፦ ከምዚ ዝኣመሰለ ሊቀ ኻህናት ኣሎና፣+ ንሱ ድማ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ ተቐሚጡ ኣሎ፣+ 2  ናይታ ሰብ ዘይኰነስ፡ የሆዋ* ዝተኸላ መቕደስን+ ድንኳን ሓቅን ኣገልጋሊ* እውን እዩ። 3  ሊቀ ኻህናት ዘበለስ መባእን መስዋእትን ኬቕርብ እዩ ዚሽየም፣ ስለዚ፡ እዚ እውን ገለ ዜቕርቦ ኺህልዎ ይግባእ እዩ።+ 4  ኣብ ምድሪ እንተ ዚኸውን፡ ከም ሕጊ ገይሮም መባእ ዜቕርቡ ስለ ዘለዉ፡ ካህን ኣይምዀነን ነይሩ።+ 5  እዚኣቶም ኣብ ምስልን ጽላሎትን+ እቲ ሰማያዊ ነገራት+ እዮም ዜገልግሉ፣* ከምቲ ሙሴ ነታ ድንኳን ኪገብር ምስ በለ እተዋህቦ መለኮታዊ ትእዛዝ እዩ፣ ከመይሲ፡ “ኵሉ ኸምቲ ኣብቲ ኸረን እተራእየካ ምስልታቱ ጌርካ ተጠንቂቕካ ግበሮ” ኢልዎ እዩ።+ 6  ሕጂ ግና የሱስ ዝበለጸ ኣገልግሎት* ረኺቡ ኣሎ፣ ከምኡ ድማ መንጎኛ+ እቲ ኣብ ዝሓሸ ተስፋታት ብሕጊ እተሰረተ+ ዝሓሸ ኺዳን እዩ።+ 7  እቲ ቐዳማይ ኪዳን ኣበር እንተ ዘይህልዎ፡ እቲ ኻልኣይ ኣይመድለየን ነይሩ።+ 8  ከመይሲ፡ ከምዚ ኺብል ከሎ ይነቕፎም እዩ፦ “‘እንሆ፡ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’ ይብል የሆዋ።* 9  ‘ከምቲ ኣብታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ብኢዶም ሒዘ ዘውጻእክዎም+ መዓልቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ኣይኰነን፣ ብኺዳነይ ስለ ዘይጸንዑ፡ ኣነ እውን ብዛዕባኦም ምግዳስ ገዲፈዮ’ ይብል የሆዋ።* 10  “‘ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲአን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳንሲ እዚ እዩ፡’ ይብል የሆዋ።* ‘ንሕግታተይ ኣብ ኣእምሮኦም ከእትዎ፡ ኣብ ልቦም እውን ክጽሕፎ እየ።+ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፣ ንሳቶም እውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም።+ 11  “‘ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኵላቶም ኪፈልጡኒ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ንወዲ ዓዱን ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን፡ “ንየሆዋ* ፍለጦ” ኢሉ ኣይኪምህሮን እዩ። 12  ከመይሲ፡ ዓመጻኦም ክምሕር፡ ሓጢኣቶም እውን ደጊም ኣይክዝክርን እየ።’”+ 13  “ሓድሽ ኪዳን” ብምባሉ፡ ነቲ ቐዳማይ ኣእሪግዎ እዩ።+ እቲ ዝኣረገን ዝበለየን ከኣ ኪጠፍእ ቀሪቡ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ንህዝቢ ዜገልግል ኣገልጋሊ።”
ወይ፡ “ቅዱስ ኣገልግሎት ዜቕርቡ።”
ወይ፡ “ህዝባዊ ኣገልግሎት።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።