ኤርምያስ 45:1-5

  • ካብ የሆዋ ናብ ባሩኽ እተላእከ መልእኽቲ (1-5)

45  ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ኤርምያስ እናተዛረበ ንባሩኽ+ ወዲ ኔርያ ኣብ መጽሓፍ ኬጽሕፎ ኸሎ፡ ነብዪ ኤርምያስ+ ንዕኡ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፦ 2  “ኣታ ባሩኽ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ብዛዕባኻ ኸምዚ ይብል፦ 3  ‘ንስኻስ፡ “የሆዋ ኣብ ርእሲ ስቓየይ ጓሂ ወሲኹለይ እዩ እሞ፡ ወይለይ! ብገዓረይ ደኺመ፡ ዕረፍቲ እውን ስኢነ” ትብል ኣለኻ።’ 4  “ከምዚ ድማ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ፡ ንዝሃነጽክዎ አፍርስ፡ ንዝተኸልክዎ እምሑ ኣለኹ።+ 5  ንስኻ ግና ንርእስኻ ዓበይቲ ነገራት ትደሊ* ኣለኻ። ኣይትድለዮ።”’ “‘እንሆ፡ ኣብ ኵሉ ስጋስ* መዓት ከምጽእ እየ፣+ ናብ እትኸዶ ዘበለ ኸኣ፡ ንህይወትካ ምርኮኻ ኽትከውን ክህበካ እየ’* ይብል የሆዋ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ትጽበ።”
ወይ፡ “ሰብሲ።”
ወይ፡ “ንህይወትካ (ንነፍስኻ) ኸድሕና እየ።”