ኤርምያስ 24:1-10

  • ጽቡቕ በለስን ሕማቕ በለስን (1-10)

24  ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ንየኮንያ*+ ወዲ ዮያቂም+ ንጉስ ይሁዳ ምስቶም ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዝወሰዶም መሳፍንቲ ይሁዳን ኢደ ጥበበኛታትን ሓጓዶን* ናብ ምርኮ ምስ ወሰዶ፡+ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ የሆዋ እተነብራ በለስ ዝመልኣ ኽልተ መሶብ ኣርኣየኒ፣ 2  እታ ሓንቲ መሶብ፡ ከምቲ ቐዳማይ ዚበስል በለስ ዝበለ ኣዝዩ ጽቡቕ በለስ ነበራ፣ እታ ሓንቲ መሶብ ግና ካብ ምሕማቑ እተላዕለ ኺብላዕ ዘይከኣል ኣዝዩ ሕማቕ በለስ ነበራ። 3  ሽዑ፡ የሆዋ፡ “ኤርምያስ፡ እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ ድማ፡ “በለስ፣ እቲ ጽቡቕ በለስ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ፣ እቲ ሕማቕ በለስ ግና ካብ ምሕማቑ እተላዕለ ኺብላዕ ዘይከኣል ኣዝዩ ሕማቕ እዩ” በልኩ።+ 4  ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 5  “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ነቶም ካብዛ ቦታ እዚኣ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ዝሰደድክዎም ምሩኻት ይሁዳ፡ ከምዚ ጽቡቕ በለስ እዚ፡ ጽቡቕ ገይረ ኽርእዮም እየ። 6  ንጽቡቖም ድማ ኣዒንተይ ኣባታቶም ክገብር፡ ናብዛ ምድሪ እዚኣ እውን ክመልሶም እየ።+ ክሃንጾም እምበር፡ ኣይከፍርሶምን እየ፣ ክተኽሎም እምበር፡ ኣይክምሕዎምን እየ።+ 7  ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡኒ ኸኣ ልቢ ኽህቦም እየ።+ ብዅሉ ልቦም ናባይ ኪምለሱ እዮም እሞ፡+ ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፣ ኣነ እውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።+ 8  “‘ብዛዕባ እቲ ኻብ ምሕማቑ እተላዕለ ኺብላዕ ዘይከኣል ሕማቕ በለስ ግና፡+ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንጼዴቅያስ+ ንጉስ ይሁዳን ንመሳፍንቱን ነቶም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝተረፉን ነቶም ኣብ ምድሪ ግብጺ ዚቕመጡ ዘለዉን ከምኡ ገይረ ኽርእዮም እየ።+ 9  ኣብ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ንመሰክሕን ንመዓትን ኪዀኑ፡+ ኣብ ኵሉ እቲ ኣነ ዝብትኖም ቦታታት+ ድማ ንመጻረፍን ንመመሰልን ንመላገጽን ንመራገምን+ ክገብሮም እየ። 10  ካብታ ንዓታቶምን ንኣቦታቶምን ዝሃብክዎም ምድሪ ኽሳዕ ዚጠፍኡ፡ ሰይፍን+ ጥሜትን ለበዳን*+ ክሰድደሎም እየ።”’”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ዮያኪንን ኮንያን ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።
ወይ፡ “ሰራሕቲ ዕርድን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ሕማምን።”