ኣንባቆም 1:1-17
1 ነብዪ ኣንባቆም* ብራእይ እተቐበሎ ኸቢድ መልእኽቲ፦
2 ኦ የሆዋ፡ ከይሰማዕካንስ ክሳዕ መዓስ ከእዊ እየ፧+
ጣልቃ ኸይኣተኻኸ* ብሰንኪ ዓመጻ ኽሳዕ መዓስ ክምህለል እየ፧+
3 ስለምንታይ ኢኻ ኽፉእ ተግባር እተርእየኒ፧
ስለምንታይከ ኢኻ ጭቈና ስቕ ኢልካ እትርኢ፧
ስለምንታይ እዩ ጥፍኣትን ዓመጻን ኣብ ቅድመይ ዘሎ፧
ስለምንታይከ እዩ ባእስን ግጭትን በዚሑ ዘሎ፧
4 ስለዚ፡ ሕጊ ለሚሱ፡ፍትሒ እውን ከቶ ኣይወጽእን ኣሎ።
እኩይሲ ንጻድቕ ይኸብቦ ኣሎ፣ስለዚ፡ ፍትሒ ቐኒኑ ኣሎ።+
5 “ኣብ መንጎ ኣህዛብ ርኣዩ እሞ ኣቕልቡ!
ተገሪምኩም ጠምቱን ኣስተንክሩን፣ብመዓልትታትኩምሲ እንተ ተነግረኩም እኳዘይትኣምንዎ ነገር ኪኸውን እዩ።+
6 ኣብዝስ ንከለዳውያን፡ንጨካናትን ንርቡጻትን ህዝቢ አተንስኦም ኣለኹ።+
ዘይናቶም ኣባይቲ ኺምንዝዑ፡ኣብ ሰፊሕ ክፋል ምድሪ የስፋሕፍሑ።+
7 ዜፍርሁን ዜርዕዱን እዮም።
ናይ ርእሶም ፍትሕን ስልጣንን* የቝሙ።+
8 ኣፍራሶም ካብ ኣናብር ይቕልጥፉ፣ካብ ተዃሉ ለይቲ ይሓስሙ።+
ናይ ውግእ ኣፍራሶም ንቕድሚት ይጋልቡ፣ኣፍራሶም ካብ ርሑቕ ይመጹ።
ከምቲ ኺበልዕ ዚህንደድ ንስሪ ይንቈቱ።+
9 ኵላቶም ኪዕምጹ ይመጹ።+
ምእካብ ገጾም ከም ንፋስ ምብራቕ እዩ፣+ከም ሑጻ ድማ ምሩኻት ይሓፍሱ።
10 ንነገስታት የላግጹሎም፣ንሰበ ስልጣን ከኣ ይስሕቅዎም።+
ብዅሉ ዕርድታት ይስሕቁ፣+መደያይቦ ዚዀኖም ሓመድ ኰሚሮም ይሕዝዎ።
11 ሽዑ፡ ከም ንፋስ ይግስግሱን ይሓልፉን፣ግናኸ፡ ሓይሎም ካብ ኣምላኾም ከም ዝረኸቡ ስለ ዚብሉ፡*+በደልቲ ኪዀኑ እዮም።”+
12 ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ካብ ዘለኣለም ደይኰንካን፧+
ኦ ኣምላኸይ፡ ቅዱሰይ፡ ንስኻ ኣይትመውትን ኢኻ።*+
ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ፍርዲ ኺፍጽሙ ሸይምካዮም፣ኣታ ኸውሐይ፡+ ንስኻ ንመቕጻዕቲ* ሰሪትካዮም።+
13 ኣዒንትኻ ኣዝየን ጽሩያት ካብ ምዃነን እተላዕለ፡ ክፍኣት ስቕ ኢለን ኣይርእያን እየን፣ንእከይ ድማ ክትጻወሮ ኣይትኽእልን ኢኻ።+
ስለምንታይ ደኣ ኢኻ ንጠለምቲ እትጻወሮም፡+እኩይ ካብኡ ንዚጸድቕ ኪውሕጦ ኸሎ ኸኣ ስቕ እትብል፧+
14 ስለምንታይከ ኢኻ ንሰብ ከም ዓሳ ባሕሪ፡ከምቶም ገዛኢ ዘይብሎም ለመምቲ እትገብሮ፧
15 ንሱ* ንዅላቶም ብመቝለብ ዓሳ የውጽኦም ኣሎ።
ኣብ መርበቡ ይሕዞም፡ኣብ መግፈፊኡ ድማ ይእክቦም ኣሎ።
ስለዚ፡ ብዙሕ ይሕጐስ ኣሎ።+
16 ስለዚ፡ ንመርበቡ መስዋእቲ የቕርበሉ፡ንመግፈፊኡ ድማ ይስውኣሉ* ኣሎ፣ብሳላኦምሲ ግዲኡ መዓዛታት ዘለዎ፡*ምግቡ እውን ሕሩይ ኰይኑሉ እዩ።
17 እሞ ደኣ ገናዶ ኻብ መርበቡ ኼዕርቕ እዩ፧*
ብቐጻሊዶ ኸይራሕርሐ ንኣህዛብ ኪሓርድ እዩ፧+
እግረ ጽሑፍ
^ ትርጉሙ፡ “ሕቝፍቍፍ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ከየድሓንካኸ።”
^ ወይ፡ “ክብርን።”
^ ወይ፡ “ሓይሎም ኣምላኾም ስለ ዝዀነ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ንሕና ኣይክንመውትን ኢና” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ንመግናሕቲ።”
^ ማለት፡ እቶም ጸላኢ ዝዀኑ ከለዳውያን።
^ ወይ፡ “ይዓጥነሉ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ብዘይቲ ዝረስረሰ።”
^ ወይ፡ “ገናዶ ሰይፉ ኺመልሕ እዩ፧”