ኢሳይያስ 58:1-14
58 “ብምሉእ ጐረሮኻ ጨድር፣ ርእስኻ ኣይትግታእ!
ድምጽኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል።
ንህዝበይ ዕልወቶም፡ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም።+
2 ያኢ ጽድቂ ኸም ዚገብርንፍትሒ ኣምላኹ ኸም ዘይሓደገን ህዝብስ፡+መዓልቲ መዓልቲ ይደልዩኒ፡መገድታተይ ኪፈልጡ ደስ ከም ዚብሎም ከኣ ይገልጹ።
ቅኑዕ ፍርድታት ደልዮም ይሓትቱኒ፣ናብ ኣምላኽ ምቕራብ እውን ደስ ይብሎም፦+
3 ‘ክንጸውም ከለና ስለምንታይ ዘይረኣኻና፧+
ርእስና* ኸነሕስም ከለናኸ ስለምንታይ ዘየስተብሃልካልና፧’+
ስለምንታይሲ፡ ብመዓልቲ ጾምኩም፡ ጥቕሚ* ርእስኹም ኢኹም እትደልዩ፣ንሸቃሎኹም ከኣ ትጭቍኑ።+
4 ጾምኩም ብቘየቛን ብባእስን ይውዳእ፣ብሕሱም ጕስጢ ድማ ትወቕዑ።
ከምዚ ሎሚ እትገብርዎ ዘለኹም ጌርኩም እናጾምኩምሲ፡ ድምጽኹም ኣብ ሰማይ ኣይስማዕን እዩ።
5 እቲ ኣነ ዝሓርዮ ጾም ከምዚ ድዩ፧
ከምታ ሰብ ንርእሱ* ዜሕስመላ መዓልቲ፡ርእሱ ኸም ሰቲ ምድናንንኣብ ማቕን ሓምዅሽትን ምድቃስን ድዩ፧
ነዚ ዲኻ ጾምን ንየሆዋ ባህ ዜብሎ መዓልትን እትብሎ ዘለኻ፧
6 እቲ ኣነ ዝሓርዮ ጾምሲ እዚ እዩ፦
መቓውሕ እከይ ምልጋስ፡ማእሰርቲ ኣርዑት ምፍታሕ፡+ንጭቍናት ሓራ ምውጻእ፡+ንዅሉ ኣርዑት ምስባር፡
7 እንጌራኻ ንጥሙይ ምምቃል፡+ንድኻታትን ቤት ንዘይብሎምን ናብ ቤትካ ምእታው፡ዕሩቕ ምስ እትርኢ ምኽዳን፡+ንስጋኻ እውን ዝባንካ ዘይምምላስ እዩ።
8 ሽዑ፡ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ኺበርህ፡+ምሕዋይካ እውን ቀልጢፉ ኺበቍል እዩ።
ጽድቅኻ ቐቅድሜኻ ኪኸይድ፡ክብሪ የሆዋ ድማ ደጀንካ ኪኸውን እዩ።+
9 ሽዑ፡ ክትጽውዕ፡ የሆዋ ኸኣ ኪምልስ እዩ፣ከተእዊ፡ ንሱ ኸኣ፡ ‘እነኹ!’ ኪብል እዩ።
ንኣርዑት ካብ መንጎኻ እንተ ኣርሒቕካ፡ብኣጻብዕካ ዊጥ ምባልን ክፉእ ምዝራብን እንተ ሓዲግካ፡+
10 ንጥሙይ እቲ ንስኻ* እትምነዮ እንተ ሂብካዮ፡+ንውጹዕ ድማ እንተ ኣጽጊብካዮ፡*ሽዑ፡ ብርሃንካ ኣብ ጸልማት ኪበርህ፡ድነኻ እውን ከም ቀትሪ ኪኸውን እዩ።+
11 የሆዋ ወትሩ ኺመርሓካ፡ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ኬጽግበካ* እዩ፣+ንኣዕጽምትኻ ኼበርትዖ፡ንስኻ ድማ ማይ ከም ዝመልኦ ስፍራ ኣታኽልቲ፡+ማዩ ኸም ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይ ክትከውን ኢኻ።
12 ሳላኻ ነቲ ናይ ጥንቲ ዑናታት ዳግም ኪሃንጽዎ እዮም፣+መሰረታት ዝሓለፈ ወለዶታት ከኣ ክትሕድስ ኢኻ።+
ጸጋኒ ዝፈረሰ መንደቕ፡*+ዓራዪ መንበሪ ዚኸውን መገድታት ተባሂልካ ኽትጽዋዕ ኢኻ።
13 ብምኽንያት ሰንበት፡ በታ ቕድስቲ መዓልተይ ጥቕሚ* ርእስኻ ኻብ ምስዓብ እንተ ተቘጢብካ፡*+ንሰንበት ከኣ ዓብዪ ደስታ፡ ቅድስቲ መዓልቲ የሆዋ፡ ክትክበር ዘለዋ መዓልቲ ኢልካ እንተ ጸዊዕካያ፡+ጥቕሚ ርእስኻ ኣብ ክንዲ እትስዕብን ከንቱ ቓላት ኣብ ክንዲ እትዛረብን፡ ንዓኣ እንተ ኣኽቢርካያ፡
14 ሽዑ፡ ብየሆዋ ደስ ኪብለካ እዩ፣ኣነ እውን ኣብ ልዕሊ በረኽቲ ምድሪ ኸወጥሓካ እየ።+
ኣፍ የሆዋ ተዛሪብዎ እዩ እሞ፡ካብ ርስቲ ኣቦኻ ያእቆብ ከብልዓካ እየ።”*+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ነፍስና።”
^ ወይ፡ “ደስታ።”
^ ወይ፡ “ንነፍሱ።”
^ ወይ፡ “ንውጹዓት ነፍሳት እንተ ኣጽጊብካየን።”
^ ወይ፡ “ነፍስኻ።”
^ ወይ፡ “ንነፍስኻ ኼጽግብ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ጋግ።”
^ ወይ፡ “ደስታ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “እግርኻ እንተ መሊስካ።”
^ ወይ፡ “ብርስቲ ኣቦኻ ያእቆብ ከሐጕሰካ እየ።”