ኢሳይያስ 56:1-12

  • ጓኖትን ስሉባትን ዚረኽብዎ በረኸት (1-8)

    • ንዅሎም እትኸውን ቤት ጸሎት (7)

  • ዕዉራት ሓለውቲ፡ ዓባሳት ኣኽላባት (9-12)

56  የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ድሕነተይ ኣብ ቀረባ ግዜ ኺመጽእ፡ጽድቀይ እውን ኪግለጽ እዩ እሞ፡+ፍትሒ ሓልዉ፡+ ጽድቂ እውን ግበሩ።  2  እዚ ዚገብር ሰብ፡ኣጽኒዑ እውን ዚሕዞ ወዲ ሰብ፡ንሰንበት ዚሕልዋን ዘየርክሳን፡+ኢዱ ድማ ካብ ዝዀነ ይኹን ክፉእ ዚሕሉ፡ ሕጉስ እዩ።  3  ምስ የሆዋ ዚሓብር ጓና፡+‘የሆዋ ብርግጽ ካብ ህዝቡ ኺፈልየኒ እዩ’ ኣይበል። ስሉብ ከኣ፡ ‘እንሆ፡ ኣነ ንቑጽ ኦም እየ’ ኣይበል።” 4  የሆዋስ ነቶም ንሰናብተይ ዚሕልውዎን ንዓይ ደስ ዚብለኒ ዚሓርዩን ንኺዳነይ ኣጽኒዖም ዚሕዙን ስሉባት ከምዚ ይብል፦  5  “ንዓታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ መናድቐይንካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ሓወልትን ስምን ክህቦም እየ። ዘይጠፍእ ናይ ዘለኣለም ስምክህቦም እየ።  6  እቶም ኬገልግልዎ፡ንስም የሆዋ ኼፍቅሩ፡+ገላዉኡ ድማ ኪዀኑ ኢሎም ምስ የሆዋ ዚሓብሩ ጓኖት፡ኵሎም እቶም ንሰንበት ዚሕልውዋን ዘየርክስዋን፡ኪዳነይ ከኣ ኣጽኒዖም ዚሕዙ፡  7  ንዓታቶም ናብ ቅዱስ ከረነይ ከምጽኦም፡+ኣብ ቤት ጸሎተይ ድማ ከሐጕሶም እየ። እቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቶምን መስዋእቲ ሕሩዶምን ኣብ መሰውእየይ ቅቡል ኪኸውን እዩ። ቤተይሲ ንዅሎም ህዝብታት ቤት ጸሎት ክትብሃል እያ።”+ 8  እቲ ተበቲኖም ንዘለዉ እስራኤል ዚእክብ+ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ብዘይካ እቶም ተኣኪቦም ዘለዉ፡ ካልኦት ናብኡ ኽእክብ እየ።”+  9  ኣቱም እንስሳታት መሮር ኵላትኩም፡ኣቱም እንስሳታት ዱር ኵላትኩም፡ ክትበልዑ ንዑ።+ 10  ሓለውቱ ዕዉራት እዮም፣+ ዋላ ሓዲኦም ኣየስተብሃሉን።+ ኵላቶም ዓባሳት፡ ኪነብሑ ዘይክእሉ ኣኽላባት እዮም።+ ይልህልሁን በጥ ይብሉን ኣለዉ፣ ትኻስ ይፈትዉ እዮም። 11  ብርቱዕ ሸውሃት ዘለዎም* ኣኽላባት እዮም፣ከቶ ኣይጸግቡን እዮም። ኣእምሮ ዘይብሎም ጓሶት እዮም።+ ኵላቶም መመገዶም ከዱ፣ነፍሲ ወከፎም ንርእሱ ዘይግቡእ ረብሓ ይደሊ፡ ከምዚ እውን ይብል፦ 12  “ወይኒ ኸምጽእ እየ እሞ ንዑ፣ኣልኮላዊ መስተ ኽሳዕ ዚኣኽለና ንስተ።+ ጽባሕ ከም ሎሚ ኪኸውን፡ አረ ኣዝዩ ዝሓሸ እውን ኪኸውን እዩ!”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሓያል ነፍሲ ዘላቶም።”