ኢሳይያስ 51:1-23

  • ጽዮን ከም ስፍራ ኣታኽልቲ ኤደን ክትከውን እያ (1-8)

  • ንጽዮን ካብቲ ብርቱዕ ገባሪኣ እተዋህባ መጸናንዒ (9-16)

  • ጽዋእ ቍጥዓ የሆዋ (17-23)

51  “ኣቱም ጽድቂ እትስዕቡ ዘለኹም፡ኣቱም ንየሆዋ እትደልይዎ ዘለኹም፡ ስምዑኒ። ናብቲ እተወቐርኩምሉ ኸውሒ፡ናብቲ እተዀዓትኩምሉ እምኒ ዚፍሓረሉ ቦታ ጠምቱ።  2  ናብ ኣቦኹም ኣብርሃምንናብታ ዝወለደትኩም* ሳራን+ ጠምቱ። ክጽውዖ ኸለኹስ፡ ሓደ በይኑ እዩ ነይሩ፣+ኣነ ኸኣ ባረኽክዎን ኣብዛሕክዎን።+  3  የሆዋስ ንጽዮን ኬጸናንዓ እዩ።+ ንዅሉ ዑናታታ ኼጸናንዖ እዩ፣+ንበረኻኣ ድማ ከም ኤደን፡+ንጐልጐል ምድረ በዳኣ እውን ከም ገነት* የሆዋ ኺገብሮ እዩ።+ ፍስሃን ሓጐስን፡ምስጋናን ጥዑም መዝሙርን ኣብኣ ኺርከብ እዩ።+  4  ኣታ ህዝበይ፡ ናባይ ኣቕልብ፣ህዝበየ፡ ጽን በል።+ ካባይሲ ሕጊ ኺወጽእ እዩ፣+ፍትሐይ ከኣ ብርሃን ህዝብታት ገይረ ኽስርት እየ።+  5  ጽድቀይ ቀረባ እዩ።+ ድሕነተይ ኪወጽእ እዩ፣+ቀላጽመይ ድማ ንህዝብታት ኪፈርዶም እዩ።+ ደሴታት ብኣይ ተስፋ ኺገብራ፡+ንቕልጽመይ* እውን ኪጽበያ እየን።  6  ኣዒንትኹም ናብ ሰማያት ኣልዕሉ፣ናብታ ኣብ ታሕቲ ዘላ ምድሪ እውን ጠምቱ። ሰማያትሲ ኸም ትኪ ኺበንን እዩ፣ምድሪ ኸም ክዳን ክትበሊ እያ፣ነበርታ ድማ ከም ጻጹት ኪሞቱ እዮም። ድሕነተይ ግና ንዘለኣለም ኪኸውን፡+ጽድቀይ እውን ኣይኬቋርጽን* እዩ።+  7  ኣቱም ጽድቂ እትፈልጡ፡ኣቱም ኣብ ልብኹም ሕገይ* ዘሎኩም ህዝቢ፡ ስምዑኒ።+ ብባጫ መወትቲ ሰባት ኣይትፍርሁ፣ብጸርፎም እውን ኣይትሸበሩ።  8  ንዓታቶምሲ ብልዒ ኸም ክዳን ኪበልዖም እዩ፣ብልዒ ኽዳን* ከኣ ከም ጸምሪ ኺበልዖም እዩ።+ ጽድቀይ ግና ንዘለኣለም፡ድሕነተይ ድማ ንውሉድ ወለዶ ኺነብር እዩ።”+  9  ኣታ ቕልጽም የሆዋ፡+ንቓሕ! ንቓሕ! ብርታዐ ተኸደን። ከምቲ ብመዓልትታት ጥንቲ፡ ከምቲ ብሕሉፍ ወለዶታት ንቓሕ። ንረሃብ*+ ዝሰባበርካ፡ንዓብዪ እንስሳ ባሕሪ ዝወጋእካ ንስኻ ደይኰንካን፧+ 10  ንባሕሪ፡ ንማያት እቲ ሰፊሕ መዓሙቝ ዘንቀጽካ፡+እቶም ብጁዋት ኪሰግሩ ድማ፡ ንመዓሙቝ ባሕሪ መገዲ ዝገበርካ ንስኻ ደይኰንካን፧+ 11  እቶም የሆዋ እተበጀዎም ኪምለሱ እዮም።+ ናብ ጽዮን ብእልልታ ኺመጹ እዮም፣+ዘይውዳእ ሓጐስ እውን ዘውዲ ኪዀኖም* እዩ።+ ፍስሃን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም፣ጓህን እህህታን ከኣ ኪሃድም እዩ።+ 12  “ኣነ ባዕለይ እየ ዘጸናንዓኩም።+ ብዚመውት መዋቲ ሰብ፡ከም ሳዕሪ ብዚጽምሉ ወዲ ሰብ ስለምንታይ እትፈርሂ፧+ 13  ነቲ ሰማያት ዝዘርግሐን+ ንምድሪ ዝሰረተንየሆዋ እቲ ገባሪኻ ስለምንታይ እትርስዖ፧+ ምሉእ መዓልቲ ድማ ያኢ ንሱ ኼጥፍኣካ ኸም ዚኽእልሲ፡ነድሪ እቲ ጨቋኒ* ብቐጻሊ ትፈርህ ኔርካ። ሕጂ ደኣ ነድሪ እቲ ጨቋኒ ኣበይ ኣሎ፧ 14  እቲ ብሰንሰለት ዝጐበጠ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ናጻ ኪኸውን እዩ፣+ኣይኪመውትን፡ ናብ ጕድጓድ ድማ ኣይኪኸይድን፡እንጌራኡ እውን ኣይኪጐድልን እዩ። 15  ኣነ ግና ንባሕሪ ዘለዓዕሎን ንማዕበላቱ ዘናውጾን+የሆዋ ኣምላኽካ እየ፣—ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ።+ 16  ንሰማያት ክተኽሎም፡ ንምድሪ ድማ ክስርታ፡+ንጽዮን ከኣ፡ ‘ንስኺ ህዝበይ ኢኺ’ ኽብልሲ፡+ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኸንብር፡ብጽላል ኢደይ ከኣ ክኽውለካ እየ።+ 17  ኣቲ የሩሳሌም፡ ኣቲ ኻብ ኢድ የሆዋ ጽዋእ ቍጥዓኡ ዝሰተኺ፡ንቕሒ! ንቕሒ! ተንስኢ።+ ነቲ ዋንጫ ሰቲኺ፣ነቲ ሰንከልከል ዜብል ጽዋእ ጨሊጥኪ።+ 18  ካብ ኵሎም እቶም ዝወለደቶም ደቂ፡ ሓደ እኳ ዚመርሓ የልቦን፣ካብ ኵሎም እቶም ዘዕበየቶም ደቂ፡ ሓደ እኳ ኢዳ ዚሕዛ የልቦን። 19  እዚ ኽልተ ነገር ወሪዱኪ ኣሎ። መን እሞ ኺድንግጸልኪ እዩ፧ ጥፍኣትን ዕንወትን፡ ጥሜትን ሰይፍን!+ መን እሞ ኼጸናንዓኪ እዩ፧+ 20  ደቅኺ ውኖኦም ኣጥፊኦም፡+ኣብ መርበብ ከም ዘላ በጊዕ በረኻ፡ኣብ ኵሉ ዅርናዕ ጐደና* በጥ ኢሎም ኣለዉ። ቍጥዓ የሆዋ፡ መግናሕቲ ኣምላኽ መሊእዎም ኣሎ።” 21  ስለዚ፡ ኣቲ ውጽዕትን ብዘይ ወይኒ ዝሰኸርክን፡በጃኺ እዚ ስምዒ። 22  ጐይታኺ የሆዋ፡ እቲ ንህዝቡ ዚከላኸል ኣምላኽኪ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ካብ ኢድኪ ነቲ ሰንከልከል ዜብል ጽዋእ፡+ነቲ ዋንጫ፡ ነቲ ጽዋእ ቍጥዓ ኽወስድ እየ፣ደጊም ኣይክትሰትይዮን ኢኺ።+ 23  ኣብ ኢድ እቶም፡ ‘ኣብ ልዕሌኺ ኽንከይድሲ ተጐምብሒ!’ ዚብሉ*ኣሳቐይትኺ ኸንብር እየ!+ ስለዚ፡ ዝባንኪ ኸም ምድሪ፡ኪኸዱሉስ ከም ጐደና ጌርኪ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብጻዕሪ ሕርሲ ዝወለደትኩም።”
ወይ፡ “ስፍራ ኣታኽልቲ።”
ወይ፡ “ንሓይለይ።”
ወይ፡ “ኣይኪሕምሸሽን።”
ወይ፡ “ትምህርተይ።”
ወይ፡ “ሓሰኻ” ኪኸውን ይኽእል።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ርእሶም ኪኸውን።”
ወይ፡ “እቲ ዜጽብበልካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ርእሲ ዅሉ ጐደናታት።”
ወይ፡ “ኣብ ኢድ እቶም ንነፍስኺ፡ ‘ኣብ ልዕሌኺ ኽንከይድሲ ተጐምብሒ!’ ዚብልዋ።”