ኢሳይያስ 32:1-20

  • ንጉስን መሳፍንቱን ምእንቲ ናይ ሓቂ ፍትሒ ኺገዝኡ እዮም (1-8)

  • ንሸለልተኛታት ኣንስቲ እተዋህበ መጠንቀቕታ (9-14)

  • መንፈስ ምስ ፈሰሰ ዚርከብ በረኸት (15-20)

32  እንሆ፡ ንጉስ+ ምእንቲ ጽድቂ ኺነግስ እዩ፣+መሳፍንቲ እውን ምእንቲ ፍትሒ ኺገዝኡ እዮም።  2  ነፍሲ ወከፍ ድማ ካብ ንፋስ ከም መሕብኢ፡*ካብ ሃጽፊ ኸም መኸወሊ፡*ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓይዝ ማይ፡+ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ ኪኸውን እዩ።  3  ሽዑ፡ ኣዒንቲ እቶም ዚርእዩ፡ ደጊም ኣይኪዕመታን፡ኣእዛን እቶም ዚሰምዑ ኸኣ፡ ኬቕልባ እየን።  4  ልቢ እቶም ርቡጻት ብዛዕባ ፍልጠት ኣጸቢቑ ኺሓስብ፡ወታእ ልሳን ድማ ብምልከትን ብንጹርን ኪዛረብ እዩ።+  5  ዓሻስ ደጊም ለጋስ ተባሂሉ ኣይኪጽዋዕን፡ስዲ ኸኣ ልዑል ኣይኪብሃልን እዩ፣  6  ዓሻስ ዕሽነት ኪዛረብ እዩ፣ክሕደት ኬስፋሕፍሕ፡* ኣንጻር የሆዋ ፋሉል ዘረባ ኺዛረብ፡ንጥሙይ ከየብልዕ፡*ንጽሙእ ድማ መስተ ኪኸልእ ኢሉ፡ልቡ ጕድኣት ኪምህዝ እዩ።+  7  ሜላታት ስዲ፡ ክፉእ እዩ፣+ንውጹዕ ብሓሶት ኬጥፍኦስ፡+ዋላ እኳ ድኻ ቕኑዕ ምስ ተዛረበ፡ንሱ ዜሕፍር ተግባር የስፋሕፍሕ።  8  ለጋስ* ግና ብዛዕባ ልግሲ ይሕልን፣ብልግሲ ኸኣ ኪጸንዕ ይጽዕር።  9  “ኣትን ሸለልተኛታት፡ ተንስኣ እሞ ድምጸይ ስምዓ! ኣትን ቅሱናት ኣዋልድ፡+ ናብቲ ዝብለክን ኣድህባ! 10  ወይኒ ዚእረየሉ ግዜ ኣብ ዚውድኣሉ እዋን፡ ዋላ ሓንቲ ፍረ ኣይኪእከብን እዩ እሞ፡+ኣትን ቅሱናት፡ ድሕሪ ዓመትን ቍሩብ መዓልትታትን ከተንፈጥፍጣ ኢኽን። 11  ኣትን ሸለልተኛታት፡ ራዕራዕ በላ! ኣትን ቅሱናት፡ ኣንፈጥፍጣ! ተቐንጠጣ እሞ ጥራይክን ኩና፣ኣብ ሓቛቝኽን ድማ ማቕ ተዓጠቓ።+ 12  ብዛዕባ እቲ ተባሃጊ ግራውትን ፍርያም ኣትክልቲ ወይንንደረትክን እናወቓዕክን ኣልቅሳ። 13  ምድሪ ህዝበይሲ፡ ብእሾዅን ብዳንዴርን ክትክደን እያ፣ንዅሉ ኣባይቲ ሓጐስ ኪኸድኖ፡እወ፡ ንኸተማ ፍስሃ ኪኸድና እዩ።+ 14  እቲ እተዓርደ ግምብስ ተጠንጢኑ እዩ፣እታ ጫውጫው እትብል ከተማ ተሓዲጋ እያ።+ ዖፌልን+ ግምቢ ዘብዐኛን ንሓዋሩ ዝባደመ ዀይኑ፡መደሰቲ ኣድጊ በረኻንመጓሰዪ መጓሰን ኰይኑ፡+ 15  ካብ ላዕሊ መንፈስ ክሳዕ ዚፈስሰና፡+እቲ በረኻ ድማ ግራት ፍረታት ክሳዕ ዚኸውን፡እቲ ግራት ፍረታት ከኣ ከም ዱር ጌርካ ኽሳዕ ዚቝጸር፡ ከምኡ ዀይኑ ኣሎ።+ 16  ሽዑ፡ ፍትሒ ኣብ በረኻ ኺነብር፡ጽድቂ እውን ኣብ ግራት ፍረታት ኪቕመጥ እዩ።+ 17  ውጽኢት ናይ ሓቂ ጽድቅስ ሰላም፡+ፍረ ናይ ሓቂ ጽድቂ ድማ ነባሪ ህድኣትን ደሓንን ኪኸውን እዩ።+ 18  ህዝበይ ኣብ ሰላማዊ መንበሪ፡ደሓን ኣብ ዘለዎ መንበርን ህድኣት ኣብ ዘለዎ መዕረፍን ኪቕመጥ እዩ።+ 19  ግናኸ፡ ዱር ብበረድ ለጥ ኪብል፡እታ ኸተማ ኸኣ ፈጺማ ሰጣሕ ክትከውን እያ። 20  ኣቱም ኣብ ጥቓ ዅሉ ማያት እትዘርኡ፡ንብዕራይን ንኣድግን እውን እትፍንዉ፡ ሕጉሳት ኢኹም።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መጽለሊ።”
ወይ፡ “መዕቈቢ።”
ወይ፡ “ብዘይ ኣኽብሮት።”
ወይ፡ “ንነፍሲ ጥሙይ ጥራያ ኺሓድጋ።”
ወይ፡ “ልዑል።”