ኢሳይያስ 20:1-6
-
ምልክት እቲ ኣብ ልዕሊ ግብጽን ኢትዮጵያን ዚወርድ ነገር (1-6)
20 በታ ሳርጎን ንጉስ ኣሶር ንታርታን* ናብ ኣሽዶድ ዝለኣኸላ ዓመት፡ ንሱ ንኣሽዶድ+ ተዋጊኡ ሓዛ።+
2 በቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ብኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ገይሩ፡ “ኪድ እሞ ማቕ ካብ ሕቘኻ ኣልግስ፣ ኣሳእንካ ድማ ካብ ኣእጋርካ ኣውጽእ” ኢሉ ተዛረበ። ንሱ ኸኣ ከምኡ ገበረ እሞ፡ ጥራይ ዝባኑን ጥራይ እግሩን ተመላለሰ።
3 የሆዋ ድማ ከምዚ በለ፦ “ከምቲ ጊልያይ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ግብጽን+ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን+ ንዚወርድ ምልክትን+ ትእምርትን ኪኸውን ኢሉ ሰለስተ ዓመት ጥራይ ዝባኑን ጥራይ እግሩን እተመላለሰ፡
4 ከምኡ ድማ ንጉስ ኣሶር ንምሩኻት ግብጽን+ ንሕዩራት ኢትዮጵያን፡ ንንኣሽቱን ንኣረገውትን፡ ጥራይ ዝባኖምን ጥራይ እግሮምን ጥራይ መዓኰሮምን ገይሩ፡ ዕርቃን* ግብጺ ቐሊዑ ኺወስዶም እዩ።
5 ብኢትዮጵያ እታ ተስፋኦምን ብግብጺ እታ ሓበኖምን* ኪሽበሩን ኪሓፍሩን እዮም።
6 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ነበርቲ እዚ ገማግም ባሕሪ እዚ፡ ‘እታ ረድኤት ደሊና ኻብ ንጉስ ኣሶር ክንናገፍ ዝሃደምናላ ተስፋና እንታይ ከም ዝዀነት ርኣዩ! ሕጂ ደኣ ኸመይ ጌርና ኸነምልጥ ኢና፧’ ኪብሉ እዮም።”