ኢሳይያስ 11:1-16
11 ካብ ጕርማጽ እሴይ፡+ ውልዶ ኺበቍል፡+ካብ ሱሩ ዝወጸ ብቋል+ ድማ ፍረ ኼፍሪ እዩ።
2 ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ መንፈስ የሆዋ፡+መንፈስ ጥበብን+ ኣእምሮን፡መንፈስ ምኽርን ሓይልን፡+መንፈስ ፍልጠትን ፍርሃት የሆዋን ኪዓርፍ እዩ።
3 ብፍርሃት የሆዋ ድማ ደስ ኪብሎ እዩ።+
ኣዒንቱ ብዚርእያኦ ኣይኪፈርድን፡ኣእዛኑ ብዚሰምዓኦ እውን ኣይኪገንሕን እዩ።+
4 ንትሑታት ብፍትሒ* ኺፈርድ፡ምእንቲ ዓቃላት* ምድሪ ኸኣ ብቕንዕና ኺገንሕ እዩ።
ንምድሪ ብሻቦጥ ኣፉ ኺወቕዓ፡+ንእኩይ ድማ ብትንፋስ* ከናፍሩ ኪቐትሎ እዩ።+
5 ጽድቂ ዕጣቕ መዓጥቖኡ፡ተኣማንነት እውን ዕጣቕ ሕቘኡ ኪኸውን እዩ።+
6 ተዅላ ምስ ገንሸል* ኪኸውን፡+ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ በጥ ኪብል፡ምራኽን ሽደን ኣንበሳን ስቡሕ እንስሳን ድማ ብሓባር ኪዀኑ እዮም፣*+ንእሽቶ ወዲ እውን ኪመርሖም እዩ።
7 ላምን ድብን ብሓደ ኺበልዓ፡ውላዳተን ከኣ ብሓደ በጥ ኪብሉ እዮም።
ኣንበሳ ኸም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ እዩ።+
8 ዚጠቡ ሕጻን ኣብ ልዕሊ ሰፈር መንደላይ ተመን ኪጻወት፡ጡብ ሕዳግ ድማ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እንዳ መርዛም ተመን ኪገብር እዩ።
9 ከምቲ ማያት ንባሕሪ ዜጐልብቦ፡ምድሪ ብርግጽ ብፍልጠት የሆዋ ኽትመልእ እያ እሞ፡+ኣብ ኵሉ እቲ ቕዱስ ከረነይ፡+ኣይኪጐድኡን+ ወይ ኣይኬጥፍኡን እዮም።
10 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ሱር እሴይ፡+ ሰንደቕ ዕላማ ህዝብታት ኰይኑ ኪቐውም እዩ።+
ኣህዛብ መምርሒ ደልዮም ናብኡ ኼብሉ እዮም፣*+መዕረፊኡ ድማ ክቡር ኪኸውን እዩ።
11 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ነቶም ካብ ኣሶርን+ ካብ ግብጽን+ ካብ ጳጥሮስን+ ካብ ኩሽን+ ካብ ዔላምን+ ካብ ሲንኣርን* ካብ ሓማትን ካብ ደሴታት ባሕርን+ ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ምእንቲ ኼጥርዮምሲ፡ ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ኢዱ ኺዝርግሕ እዩ።
12 ንኣህዛብ ሰንደቕ ዕላማ ኼተንስኣሎም፡ ነቶም ካብ እስራኤል እተበተኑ ኸኣ ኪእክቦም፡+ ነቶም ካብ ይሁዳ ፋሕ ዝበሉ እውን ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኺእክቦም እዩ።+
13 ቅንኢ ኤፍሬም ኪርሕቕ እዩ፣+እቶም ንይሁዳ ዚጸልእዎ እውን ኪጠፍኡ እዮም።
ኤፍሬም ንይሁዳ ኣይኪቐንኣሉን፡ይሁዳ ድማ ንኤፍሬም ኣይኪጸልኦን እዩ።+
14 ናብ ቍልቍለት* ፍልስጥኤማውያን ናብ ምዕራብ ኪንቈቱ፡ብሓባር ከኣ ንደቂ ምብራቕ ኪዘምትዎም እዮም።
ኢዶም* ኣብ ልዕሊ ኤዶምን+ ሞኣብን+ ኪዝርግሑ፡ዓሞናውያን ድማ ተገዛእቶም ኪዀኑ እዮም።+
15 የሆዋ ንወሽመጥ* ባሕሪ ግብጺ ኺመቕሎ፡*+ኣብ ልዕሊ እቲ ፈለግ* ኸኣ ኢዱ ኼወዛውዝ እዩ።+
ብዜሕርር ትንፋሱ* ንዕኡ ኣብ ሸውዓተ ወሓይዙ ኺወቕዖ፡*ምስ ሳእንኻ ኸም ዚስገር እውን ኪገብሮ እዩ።
16 ከምቲ ንእስራኤል በታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ዝዀነሎም፡ነቶም ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ+ ድማ ካብ ኣሶር ዚወጽእ ጐደና+ ኺህሉ እዩ።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ትሑታት።”
^ ወይ፡ “ብመንፈስ።”
^ ወይ፡ “ብጽድቂ።”
^ ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
^ ወይ፡ “ምራኽን ሽደን ኣንበሳን ብሓባር ኪበልዑ እዮም” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ኣህዛብ ንዕኡ ኺደልይዎ እዮም።”
^ ማለት፡ ባቢሎንያ።
^ ወይ፡ “ስልጣኖም።”
^ ቃ.ቃ.፡ “መንኵብ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ልሳን።”
^ ወይ፡ “ኼንቅጾ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ማለት፡ ኤፍራጥስ።
^ ወይ፡ “መንፈሱ።”
^ ወይ፡ “ንዕኡ ናብ ሸውዓተ ወሓይዝ ኪወቕዖ” ኪኸውን ይኽእል።