ሮሜ 11:1-36
11 እምበኣር ክሓትት፦ ኣምላኽ ንህዝቡ ደርብይዎ ድዩ፧+ ያእ ኣይፋሉን! ከመይሲ፡ ኣነ እውን እስራኤላዊ፡ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም፡ ካብ ነገድ ብንያም እየ።
2 ኣምላኽ ነቲ ቕድም ዝፈለጦ ህዝቡ ኣይደርበዮን።+ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ ብዛዕባ እቲ ኤልያስ ንእስራኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝጠርዓሉ እዋን፡ እንታይ ከም ዚብልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧
3 “የሆዋ፡* ንነብያትካ ቐቲሎም፡ መሰውኢታትካ እውን ኣፍሪሶም እዮም፣ ኣነ በይነይ ከኣ እየ ተሪፈ ዘለኹ፣ ንህይወተይ* ድማ ይደልይዋ ኣለዉ።”+
4 መለኮታዊ ምላሽከ እንታይ ኢልዎ፧ “ንበዓል ዘይተምበርከኹ 7,000 ሰብኡት ንርእሰይ ኣትሪፈ ኣለኹ።”+
5 እምበኣር፡ ኣብዚ እዋን እዚ እውን በዚ ኸምዚ ብጸጋ እተሓርዩ ተረፍ ኣለዉ።+
6 ብጸጋ ኻብ ዚኸውን፡+ ካብ ግብሪ ኣይኰነን፣+ እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ጸጋ፡ ጸጋ ኣይምዀነን።
7 እሞኸ ደኣ፧ እቲ እስራኤል ኣጸቢቑ ዚደልዮ ኣይረኸቦን፣ እቶም ሕሩያት ግና ረኺቦምዎ።+ እቶም ዝተረፉ ልቦም ደንዚዙ፣+
8 ከምቲ፡ “ኣዒንቶም ከይርእያ፡ ኣእዛኖም እውን ከይሰምዓስ፡+ ኣምላኽ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ መንፈስ ከቢድ ድቃስ ሂብዎም”+ ዚብል እተጻሕፈ እዩ።
9 ዳዊት እውን፡ “መኣዶም መፈንጠራን መጻወድያን መዐንቀፍን ፍዳን ይኹኖም።
10 ከይርእዩ ኣዒንቶም ይጸልምታ፡ እንግድዓኦም ከኣ ወትሩ ኣጐብጥ” ይብል እዩ።+
11 እምበኣር ክሓትት፦ ተዓንቂፎምዶ ጠሪሶም ወዲቖም እዮም፧ ያእ ኣይፋሎምን! ግናኸ፡ ምእንቲ ኪቐንኡስ፡ ብስሕታኖም ንኣህዛብ ድሕነት ኰይኑሎም።+
12 እቲ ስሕታኖም ንዓለም ሃብቲ ኻብ ኰነ፡ እቲ ጕድለቶም እውን ንኣህዛብ ሃብቲ ኻብ ኰነ፡+ ምልኣቶም ደኣ ኽንደይ ዘይበልጽ!
13 ንዓኻትኩም ንኣህዛብ እብለኩም ኣለኹ። ንኣህዛብ ሃዋርያኦም ብምዃነይ፡+ ኣገልግሎተይ አኽብር* እየ፣+
14 እዚ ድማ ምናልባት ንህዝበይ* እንተ ኣቕናእክዎም፡ ገለ ኻባታቶም እውን እንተ ኣድሓንኩ ኢለ እየ።
15 ከመይሲ፡ ምስ ደርበዮም፡+ ንዓለም ዕርቂ ኻብ ኰነስ፡ ምስ ተቐበሎም ደኣ፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት እምበር፡ ካልእ እንታይ ኪኸውን እዩ፧
16 እቲ ኸም በዅራት እተወስደ ኽፋል እቲ ብሑቝ ቅዱስ እንተ ዀይኑ፡ ብምሉኡ እውን ቅዱስ እዩ፣ እቲ ሱር ቅዱስ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ጨናፍሩ እውን ቅዱስ እዩ።
17 ግናኸ፡ ገለ ኻብቶም ጨናፍር እንተ ተሰይሮም፡ ንስኻ ድማ ኣውልዕ በረኻ ኽነስኻ፡ ኣብ መንጎኦም እንተ ተዳቒልካ፡ ተኻፋሊ እቲ ማራ ሱር ኣውልዕ ድማ እንተ ዄንካ፡
18 ኣብቶም ጨናፍር ኣይትተዓበ።* እንተ ተዓቢኻ* ግና፡+ እቲ ሱር እዩ ንዓኻ ጾይሩካ ዘሎ እምበር፡ ነቲ ሱርሲ ንስኻ ኣይጾርካዮን።
19 እምበኣር፡ “ኣነ ምእንቲ ኽዳቐልሲ ጨናፍር ተሰይሮም” ክትብል ኢኻ።+
20 ሕራይ! ንሳቶም ብዘይምእማኖም ተሰይሮም፣+ ንስኻ ግና ብእምነት ኢኻ ደው ኢልካ ዘለኻ።+ ፍራህ ደኣ እምበር፡ ኣይትተዓበ።
21 ኣምላኽ ነቶም ብባህርዮም ጨናፍር ዝዀኑ ኻብ ዘይነሓፎምሲ፡ ንዓኻ እውን ኣይኪንሕፈካን እዩ።
22 እምበኣር፡ ለውሃትን+ ጭከናን ኣምላኽ ተመልከት። ኣብቶም ዝወደቑ ጭከና ኣሎ፣+ ንዓኻ ግና፡ ኣብ ለውሃቱ እንተ ጸኒዕካ፡ ለውሃት ኣምላኽ ኣሎካ፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ንስኻ እውን ክትቍረጽ ኢኻ።
23 ንሳቶም እውን ኣብቲ ዘይምእማኖም ዘይጸንዑ እንተ ዀይኖም፡ ኣምላኽ መሊሱ ኼዳቕሎም ይኽእል እዩ እሞ፡ ኪዳቐሉ እዮም።+
24 ከመይሲ፡ ንስኻ ኻብታ ብባህርያ ኣውልዕ በረኻ ተቘሪጽካ፡ ብዘይባህርያዊ መገዲ ኣብታ ኣውልዕ ሕርሻ ኻብ ተዳቐልካስ፡ እዞም ብባህርዮም ጨናፍር ዝነበሩ ግዳ ኽንደይ ኣብታ ኣውልዖም መሊሶም ዘይዳቐሉ!
25 ኣሕዋተየ፡ ጥበበኛታት ከም ዝዀንኩም ምእንቲ ኸይመስለኩምሲ፡ ብዛዕባ እዚ ቕዱስ ምስጢር ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይደልን እየ፦+ ምሉእ ቍጽሪ ኣህዛብ ክሳዕ ዚኣቱ፡ ኣብ እስራኤል ብኸፊል ድንዛዘ ልቢ ዀይኑ ኣሎ፣
26 በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኵሉ እስራኤል+ ኪድሕን እዩ። ከምቲ ኸምዚ ዚብል እተጻሕፈ እዩ፦ “መናገፊ* ኻብ ጽዮን ኪመጽእ፡+ ካብ ያእቆብ ከኣ እከይ ኬርሕቕ እዩ።
27 ሓጢኣቶም ምስ ኣርሓቕኩ፡+ እዚ ምሳታቶም ዝገብሮ ኺዳን ኪኸውን እዩ።”+
28 በቲ ብስራት፡ ምእንታኹም ጸላእቲ እዮም፣ በቲ ሕርያ ኣምላኽ ግና፡ ሳላ ኣቦታቶም ፍቑራት እዮም።+
29 ውህበትን ጽውዓን ኣምላኽሲ፡ ንሱ ዚጥዓሰሉ ኣይኰነን።
30 ከምቲ ንስኻትኩም ሓደ እዋን ንኣምላኽ ዘይእዙዛት ዝነበርኩም፡+ ሕጂ ግና ሳላ ዘይተኣዛዝነቶም+ እተመሓርኩም፡+
31 ከምኡ ድማ ንሳቶም ሕጂ በቲ ንስኻትኩም እተመሓርኩምሉ ምሕረት ምእንቲ ኺምሓሩ፡ ሕጂ ኣይተኣዘዙን።
32 ኣምላኽ ንዅላቶም ምእንቲ ኺምሕሮምሲ፡+ ንዅላቶም ኣብ ዘይምእዛዝ ዓጽይዎም ኣሎ።+
33 ኣየወ፡ መዓሙቝ ሃብትን ጥበብን ፍልጠትን ኣምላኽ! ፍርዱ ኽንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ፡ መገዱ እውን ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብ ኰን እዩ!
34 ከመይሲ፡ “ሓሳብ የሆዋ* ዚፈልጥ መን እዩ፧ ወይስ መን እዩ ኣማኻሪኡ ዚኸውን፧”+
35 ወይስ፡ “ምእንቲ ኺፍደ፡ ቅድም ዝሃቦ መን እዩ፧”+
36 ምኽንያቱ፡ ኵሉ ኻብኡን ብእኡን ንዕኡን እዩ። ንዕኡ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።