ራእይ 20:1-15

  • ሰይጣን ን1,000 ዓመት ተኣስረ (1-3)

  • ምስ ክርስቶስ 1,000 ዓመት ዚገዝኡ (4-6)

  • ሰይጣን ተፈትሐ፡ ድሕሪኡ ጠፍአ (7-10)

  • ምዉታት ኣብ ቅድሚ እቲ ጻዕዳ ዝፋን ተፈርዱ (11-15)

20  መፍትሕ መዓሙቝን+ ሓደ ዓብዪ ሰንሰለትን ኣብ ኢዱ ዝሓዘ መልኣኽ ድማ፡ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ረኣኹ። 2  ንሱ ኸኣ ነቲ ገበል፡+ ነቲ ድያብሎስን+ ሰይጣንን+ ዝዀነ ናይ ጥንቲ ተመን+ ሓዞ፣ 1,000 ዓመት እውን ኣሰሮ። 3  እተን 1,000 ዓመት ክሳዕ ዚውድኣ ንኣህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ከኣ፡ ናብ መዓሙቝ+ ደርብዩ፡ ዓጽዩ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሓተመ። ድሕርዚ፡ ንቝሩብ ግዜ ኺፍታሕ ይግብኦ እዩ።+ 4  ዝፋናት ድማ ረኣኹ፣ እቶም ኣብኡ እተቐመጡ ኸኣ ኪፈርዱ ስልጣን ተዋህቦም። ነፍሳት* እቶም ብዛዕባ የሱስ ብምምስካሮምን ብዛዕባ ኣምላኽ ብምዝራቦምን እተቐንጸሉ፡* ነቲ ኣራዊት ኰነ ንምስሉ ድማ ዘይሰገዱ፡ ኣብ ግምባሮምን ኣብ ኢዶምን ከኣ ምልክቱ ዘይተቐበሉ ረኣኹ።+ ህያዋን ኰይኖም ከኣ፡ ምስ ክርስቶስ 1,000 ዓመት ነገሱ።+ 5  (እቶም ዝተረፉ ምዉታት፡+ እተን 1,000 ዓመት ክሳዕ ዚውድኣ፡ ህያዋን ኣይኰኑን።) እዚ እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ እዩ።+ 6  ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ግደ ዘለዎ ዘበለ ሕጉስን ቅዱስን እዩ፣+ ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡+ ምስኡ እውን 1,000 ዓመት ኪነግሱ እዮም እምበር፡+ እቲ ኻልኣይ ሞትሲ+ ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን።+ 7  እተን 1,000 ዓመት ምስ ተወድኣ ኸኣ፡ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኺፍታሕ 8  እሞ ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዘለዉ ኣህዛብ፡ ማለት ንጎግን ማጎግን፡ ናብ ውግእ ምእንቲ ኺእክቦም፡ ኬስሕቶም ኢሉ ኺወጽእ እዩ። ንሳቶም ድማ ቍጽሮም ከም ሑጻ ባሕሪ እዩ። 9  ኣብ ልዕሊ ብዘላ ምድሪ ኸኣ ገስገሱ፡ ንሰፈር እቶም ቅዱሳትን ነታ ፍትውቲ ኸተማን ድማ ከበቡ። ካብ ሰማይ ግና ሓዊ ወሪዱ በልዖም።+ 10  እቲ ዜስሕቶም ድያብሎስ ከኣ ናብቲ እቲ ኣራዊትን+ እቲ ናይ ሓሶት ነብይን+ እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ፣ ንዘለኣለመ ኣለም ድማ መዓልትን ለይትን ኪሳቐዩ* እዮም። 11  ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን ኣብኡ እተቐመጠን ከኣ ረኣኹ።+ ምድርን ሰማይን ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፡+ ቦታ እውን ኣይተረኽበሎምን። 12  ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ረኣኹ፣ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እውን ተቐልዐ። ካልእ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እውን ተቐልዐት፣ እዚኣ፡ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት እያ።+ እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እተጻሕፈ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።+ 13  ባሕሪ ኸኣ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ሃበት፣ ሞትን መቓብርን* እውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ሃቡ፣ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።+ 14  ሞትን መቓብርን* ድማ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ።+ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት፡+ ማለት ቀላይ ሓዊ እዩ።+ 15  ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ዘይተረኽበ ዘበለ ኸኣ፡+ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ፣ ኣብ ራእ 6:9 እ.ጽ. እውን ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ብፋስ እተቐንጸሉ።”
ወይ፡ “ኪቕየዱ፣ ኪእሰሩ።”
ወይ፡ “ሃደስ፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ሃደስ፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።