መዝሙር 83:1-18
ማህሌት። ናይ ኣሳፍ መዝሙር።+
83 ኦ ኣምላኽ፡ ስቕ ኣይትበል፣+ኦ ኣምላኽ፡ ትም ኣይትበል፡* ኣይተጽቅጥ።
2 እንሆ፡ ጸላእትኻስ ይጭድሩ፡+እቶም ዚጸልኡኻ እውን ይዕበዩ* ኣለዉ።
3 ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም፡ነቶም እትሕልዎም* ከኣ ውዲት ይኣልሙሎም።
4 “ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርሲ፡ብደረጃ ህዝቢ ነጥፍኣዮም” ይብሉ ኣለዉ።+
5 ሓቢሮም ስልቲ ይምህዙ፡*ኣንጻርካ ድማ ኪዳን ተኣታትዮም ኣለዉ፡+—
6 ድንኳናት ኤዶምን እስማኤላውያንን፡ ሞኣብን+ ሃግራውያንን፡+
7 ጌባልን ዓሞንን+ ኣማሌቅን፡ፍልስጥኤም+ ምስ ነበርቲ ጢሮስ።+
8 ኣሶር+ እውን ሓቢርዎም፣ንደቂ ሎጥ ድማ ደጊፎምዎም።*+ (ሴላ)
9 ከምቲ ንሚድያን ዝገበርካዮ፡+ከምቲ ንሲሰራን ንያቢንን ኣብ ርባ ቂሶን ዝገበርካዮም ግበሮም።+
10 ንሳቶም ኣብ ዔን-ዶር ጠፍኡ፣+ንምድሪ ድማ ድዅዒ ዀንዋ።
11 ንልዑላኖም ከም ዖሬብን ዝኤብን፡+ንመሳፍንቶም* ከኣ ከም ዜባሕን ጻልሙናን ግበሮም።+
12 ከመይሲ፡ “ነታ ኣምላኽ ዚነብረላ ምድሪ ንረስተያ” ኢሎም እዮም።
13 ኦ ኣምላኸይ፡ ዕንክሊል ከም ዚብል ተዀርባ፡+ብንፋስ ከም እተበቈጸ ሓሰር ግበሮም።
14 ከምቲ ሓዊ ንዱር ዜንድዶ፡ከምቲ ሃልሃልታ ንኣኽራን ዜሕርሮ፡+
15 ከምኡ ብህቦብላኻ ስጐጎም፡+ብብርቱዕ ንፋስካ ድማ ኣሸብሮም።+
16 ኦ የሆዋ፡ ንስምካ ምእንቲ ኺደልይዎስ፡ገጾም ብውርደት ኣጐልብብ።*
17 ንዘለኣለም ይሕፈሩን ይሸበሩን፣ይነውሩን ይጥፍኡን፣
18 ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡+በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ዓባስ ኣይትኹን።”
^ ወይ፡ “ርእሶም የልዕሉ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “እትሓብኦም።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ብሓደ ልቢ ይማኸሩ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ቅልጽም ኰይኖምዎም።”
^ ወይ፡ “ንመራሕቶም።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ምላእ።”