መዝሙር 55:1-23
ንኣላዪ፣ ብበገና ዚስነ። መስኪል።* ናይ ዳዊት።
55 ኦ ኣምላኽ፡ ንጸሎተይ ጽን በል፣+ነቲ ምሕረት ንምርካብ ዘቕርቦ ልማኖይ ድማ ዕሽሽ ኣይትበሎ።*+
2 ኣቕልበለይን መልሰለይን።+
ብሻቕሎተይ ዕረፍቲ ስኢነ፡+ተረቢጸ ኣለኹ፣
3 እዚ ኸኣ ብሰንኪ እቲ ጸላእየይ ዚብሎ ዘሎ፡ብሰንኪ እቲ ኻብቲ እኩይ ዚወርደኒ ዘሎ ጸቕጢ እዩ።
ንሳቶምሲ ሽግር ኣብ ልዕለይ ኰሚሮምለይ ኣለዉ፣ብቝጥዓ ድማ ይጸልኡኒ ኣለዉ።+
4 ልበይ ኣብ ውሽጠይ ትጕሂ ኣላ፣+ብሽበራ ሞት ከኣ ተዋሒጠ ኣለኹ።+
5 ፍርህን ራዕድን መጺኡኒ፡ምንቅጥቃጥ ድማ ሒዙኒ ኣሎ።
6 “ኣየ፡ ከም ርግቢ ኣኽናፍ እንተ ዚህልወኒ!
ነፊረ ብደሓን ምነበርኩ ነይረ።
7 እንሆ፡ ኣርሒቐ ምሃደምኩ ነይረ።+
ኣብ በረኻ እውን ምሓደርኩ ነይረ።+ (ሴላ)
8 ካብ ብርቱዕ ንፋስ፡ ካብ ህቦብላናብ መዕቈቢ ምቐልጠፍኩ ነይረ” እብል።
9 ኦ የሆዋ፡ ኣብ ከተማ፡ ዓመጻን ግጭትን ርእየ እየ እሞ፡ኣዐውኖም፡ ውጥናቶም ከኣ ኣፍሽል።*+
10 መዓልትን ለይትን ኣብ መካበብያኣ ይዞሩ፣ኣብ ውሽጣ ሕሰምን ሽግርን ኣሎ።+
11 ኣብ ማእከላ ዕንወት ኣሎ፣ጭቈናን ምትላልን ካብ ኣደባባያ ኣይርሕቕን።+
12 እቲ ዜባጭወለይሲ ጸላኢ ኣይኰነን፣+እንተ ዚኸውንሲ ምተዓገስኩ።
እቲ ዝተንስኣኒ ኸኣ፡ እቲ ዚጸልኣኒ ኣይኰነን፣እንተ ዚኸውንሲ ኻብኡ ምተሓባእኩ።
13 ግናኸ፡ ንስኻ ኸማይ ዝዀንካ ሰብ፡*+ኣጸቢቐ ዝፈልጠካ ብጻየይ ኢኻ።+
14 ብሓባር ጽቡቕ ዕርክነት ነስተማቕር ኔርና፣ምስ ብዙሓት ድማ ናብ ቤት ኣምላኽ ንኸይድ ኔርና።
15 እከይ ኣብ መንጎኦምን ኣብ ውሽጦምን ኣሎ እሞ፡ጥፍኣት ይውረዶም!+
ብህይወቶም ከለዉ እውን ናብ መቓብር* ይውረዱ፣
16 ኣነ ግና ንኣምላኽ ክጽውዖ እየ፣የሆዋ ኸኣ ኬድሕነኒ እዩ።+
17 ምሸትን ንግሆን ቀትርን፡ እርበሽን እግዕርን* እየ፣+ንሱ ድማ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ።+
18 ብዙሓት መጺኦምኒ እዮም እሞ፡ኬናግፈንን* ካብቶም ዚብኣሱኒ ሰላም ኪህበንን* እዩ።+
19 እቲ ኻብ ቀደም ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ ኣምላኽ+ኪሰምዖምን ኪምልሰሎምን እዩ።+ (ሴላ)
እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርህዎ፡ምልዋጥ ኪኣብዩ እዮም።+
20 ንሱ* ነቶም ምስኡ ሰላም ዘለዎም ኣጥቂዕዎም፣+ንኺዳኑ ድማ ጥሒስዎ።+
21 ቃላቱ ኻብ ጠስሚ ይለዝብ፣+ኣብ ልቡ ግና ግጭት ኣሎ።
ቃላቱ ኻብ ዘይቲ ይልእም፣ግናኸ፡ እተመልሐ ኣስያፍ እዩ።+
22 ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፣+ንሱ ድማ ኪድግፈካ እዩ።+
ንጻድቕ ኪወድቕ* ከቶ ኣይሓድጎን እዩ።+
23 ኦ ኣምላኽ፡ ንስኻ ግና ናብ ዝዓመቘ ጕድጓድ ከተውርዶም ኢኻ።+
እቶም ዕዳ ደም ዘለዎምን መታለልትን ሰባት፡ ፍርቂ ዕድሚኦም ኣይኪነብሩን እዮም።+
ኣነ ግና ብኣኻ እእመን* እየ።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ረድኤት ደልየ ኽጽሊ ኸለኹ ድማ ኣይትተሓባእ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ልሳኖም ከኣ ፈላሊ።”
^ ወይ፡ “ማዕረይ ሰብ።”
^ ወይ፡ “እናወጽን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኪብጀወንን።”
^ ወይ፡ “ንነፍሰይ ሰላም ኪህባን።”
^ ማለት፡ እቲ ኣብ ፍ. 13ን 14ን እተጠቕሰ ናይ ቀደም ፈታዊ።
^ ወይ፡ “ሰንከልከል ኪብል።”
^ ወይ፡ “እውከል።”