መዝሙር 32:1-11
ናይ ዳዊት። መስኪል።*
32 ኣበሳኡ እተሓድገሉ፡ ሓጢኣቱ እተኸድነሉ* ሕጉስ እዩ።+
2 የሆዋ በደሉ ዘይጽብጽበሉ፡+ኣብ መንፈሱ ተንኰል ዘይብሉ ሰብ ሕጉስ እዩ።
3 ስቕ ኢለ ኸለኹ፡ ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ኣዕጽምተይ ማህሚኑ።+
4 መዓልትን ለይትንሲ ኢድካ ኸቢዳትኒ።*+
ከምቲ ሃሩር ሓጋይ ንማይ ዜህፍፎ፡ ብርታዐይ ከምኡ ሃፊፉ።* (ሴላ)
5 ኣብ መወዳእታ፡ ሓጢኣተይ ተናዚዘልካ፣ስሕተተይ ድማ ኣይከወልኩን።+
“ኣበሳይ ንየሆዋ ኽናዘዝ እየ” ኢለ።+
ንስኻ እውን ስሕተት ሓጢኣተይ ሓዲግካለይ።+ (ሴላ)
6 ስለዚ እዩ ገና እናተረኸብካ ኸለኻ፡+ኵሉ እሙን ናባኻ ዚጽሊ።+
ሽዑ፡ ዜዕለቕልቕ ማይ እኳ ኣይኪበጽሖን እዩ።
7 ንስኻ መሕብእየይ ኢኻ፣ካብ ጭንቂ ኽትሕልወኒ ኢኻ።+
ብእልልታ ድሕነት ክትከብበኒ ኢኻ።+ (ሴላ)
8 “ልቦና ኽህበካ፡ እታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ኽምህረካ እየ።+
ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ገይረ ኽመኽረካ እየ።+
9 ከምቲ ናባኻ ቕድሚ ምምጻኡከይፋንን ተባሂሉ ብልጓም ወይ ብልባብ ዚግራሕኣእምሮ ዘይብሉ ፈረስ ወይ በቕሊ ኣይትኹኑ።”+
10 ስቓይ እኩይ ብዙሕ እዩ፣እቲ ብየሆዋ ዚእመን* ግና በቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ይኽበብ።+
11 ኣቱም ጻድቃን፡ ብየሆዋ ተሓጐሱ፡ ባህ እውን ይበልኩም፣ኣቱም ቅኑዕ ዝልቦም ኵልኹም፡ እልል በሉ።