መዝሙር 109:1-31
ንኣላዪ። ናይ ዳዊት። መዝሙር።
109 ኣታ ዝውድሰካ ኣምላኽ፡+ ስቕ ኣይትበል።
2 እኩይን መታለልንሲ ኣፎም ይኸፍቱለይ ኣለዉ።
ብሓሳዊት ልሳን ብዛዕባይ ይዛረቡ ኣለዉ፣+
3 ብቓላት ጽልኢ ይኸብቡኒ፡ብዘይ ምኽንያት ከኣ የጥቅዑኒ ኣለዉ።+
4 ኣብ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ይጻረሩኒ፣+ኣነ ግና እጽሊ ኣለኹ።
5 ኣብ ክንዲ ጽቡቕ፡ ክፉእ ይፈድዩኒ፣+ንፍቕረይ እውን ጸሊኦምዎ።+
6 ኣብ ልዕሊኡ እኩይ ሽም፣ኣብ የማኑ ድማ ተጻራሪ* ይቑም።
7 ምስ ተፈርደ፡ ይኰነን፣*ጸሎቱ እኳ ሓጢኣት ኰይኑ ይቈጸር።+
8 መዓልትታቱ ሒደት ይኹና፣+ሓላውነቱ* ኻልእ ይውሰዶ።+
9 ደቁ ዘኽታማት ይኹኑ፣ሰበይቱ እውን መበለት ትኹን።
10 ደቁ ዀለል ዚብሉ ለመንቲ ይኹኑ፣ካብ ዝዓነዋ ኣባይቶም ርሒቖም ምግቢ ይማእርሩ።
11 ንዘለዎ ዅሉ፡ ኣለቃሒኡ ይሓዞ፣*ጓኖት ከኣ ንጥሪቱ ይዝመትዎ።
12 ሓደ እኳ ኣይለውሃሉ፣*ንዘኽታማቱ ድማ ሓደ እኳ ሞገስ ኣየርእዮም።
13 ሓድጉ ይመንቈሱ፣+ስሞም ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወለዶ ይደምሰስ።
14 ስሕተት ኣቦታቱ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይዘከር፣+ሓጢኣት ኣዲኡ ድማ ኣይደምሰስ።
15 የሆዋ ወትሩ ዝገበርዎ ይዘክር፣መዘከርታኦም ከኣ ካብ ምድሪ የጥፍእ።+
16 ንሱስ ኪልውህ* ኣይዘከረን፣+ኪቐትሎ ኢሉ ደኣንጭቁንን ንድኻን ስቡር ንዝልቡን ሰጐጎ።+
17 ምርጋም ፈተወ እሞ፡ ንሱ ድማ መጾ፣ምምራቕ ኣይበሃገን እሞ፡ ምርቓ ኣይረኸበን።
18 ንመርገም ከም ክዳኑ ተኸድኖ።
ንሱ ኸኣ ከም ማይ ናብ ውሽጢ ሰብነቱ፡ከም ዘይቲ ናብ ውሽጢ ኣዕጽምቱ ሰረጸ።
19 መርገሙ ኸምቲ ዚጕልበቦ ኽዳን፡+ከምቲ ወትሩ ዚዕጠቖ ዕጣቕ ይኹኖ።
20 እዚ ኻብ የሆዋ ነቲ ዚጻረረንን+ነቶም ክፉእ ዚዛረቡለይን* ዓስቢ ይኹን።
21 ንስኻ ግና የሆዋ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ፡ስለ ስምካ ኢልካ ግበረለይ።+
ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ኣናግፈኒ።+
22 ኣነስ ረዳኢ ኣልቦን ድኻን እየ፣+ልበይ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ተወጊኡ ኣሎ።+
23 ከም ዚሃስስ ጽላሎት እሓልፍ ኣለኹ፣ከም ኣንበጣ እረግፍ ኣለኹ።
24 ኣብራኸይ ብጾም ረብሪበን፣ሰብነተይ ዓቢሩ፣ ኣነ ድማ ማህሚነ።*
25 መባጨዊኦም ኰይነ።+
ምስ ዚርእዩኒ፡ ርእሶም ይንቕንቑ።+
26 ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ርድኣኒ፣በቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኣድሕነኒ።
27 እዚ ብኢድካ ምዃኑ፡ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ኸም ዝገበርካዮ ይፍለጡ።
28 ንሳቶም ይርገሙ፣ ንስኻ ግና ባርኽ።
ምስ ተንስኡኒ፡ ይሕፈሩ፣ጊልያኻ ግና ይተሓጐስ።
29 እቶም ዚጻረሩኒ ውርደት ይከደኑ፣ንሕፍረቶም ከኣ ከም ወለል ዚብል ክዳን* ይጐልበብዎ።+
30 ኣፈይ ንየሆዋ ኣዝዩ ኺውድሶ እዩ፣ኣብ ቅድሚ ብዙሓት እውን ክውድሶ እየ።+
31 ንሱስ ንድኻ ኻብቶም ዚዅንንዎ ኼድሕኖ፡*ኣብ የማኑ ደው ይብል።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ከሳሲ።”
^ ወይ፡ “እኩይ ኰይኑ ይረኸብ።”
^ ወይ፡ “ሓላፍነቱ።”
^ ወይ፡ “ሰብ ሓረጣ ንዘለዎ ዅሉ የጻውዱሉ።”
^ ወይ፡ “ብተኣማንነት ኣየፍቅሮ።”
^ ወይ፡ “ብተኣማንነት ምፍቃር።”
^ ወይ፡ “ነቶም ንነፍሰይ ክፉእ ዚዛረቡላን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ስጋይ ዓቢሩ፡ ብዘይ ስብሒ (ዘይቲ) ዀይኑ።”
^ ወይ፡ “እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ።”
^ ወይ፡ “ንነፍሱ ዚዅንንዋ ኼድሕና።”