ሉቃስ 10:1-42
10 ድሕርዚ፡ ጐይታ፡ ካልኦት 70 መዘዘ፣ በብኽልተ ገይሩ ኸኣ ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ቦታን ቀቅድሚኡ ለኣኾም።+
2 ከምዚ ድማ በሎም፦ “እቲ እኽልስ ብዙሕ እዩ፣ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ፡ ነቲ ጐይታ እኽሊ፡ ናብ እኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ ለምንዎ።+
3 ኪዱ። እንሆ፡ ከም ዕያውቲ ናብ መንጎ ተዃሉ እልእከኩም ኣለኹ።+
4 ማሕፉዳ ዀነ፡ ለቘታ ስንቂ ዀነ፡ ኣሳእን ኰነ ኣይትማልኡ፣+ ኣብ መገዲ ድማ ንሓደ እኳ ሰላም ኣይትበሉ።*
5 ኣብ እትኣትውዋ ቤት፡ ቅድም፡ ‘ነዛ ቤት እዚኣ ሰላም ይኹን’ በሉ።+
6 ኣብኣ ፈታው ሰላም እንተሎ፡ ሰላምኩም ኣብኡ ኺሓድር እዩ። እንተ ዘየልቦ ግና፡ ሰላምኩም ኪምለሰኩም እዩ።
7 ንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡+ ኣብታ ቤት ዝሃቡኹም እናበላዕኩምን እናሰተኹምን+ ተቐመጡ።+ ካብ ቤት ናብ ቤት ኣይትሕለፉ።
8 “ኣብ እትኣትውዋ ኸተማ እውን፡ እንተ ተቐቢሎምኹም፡ ዝቐረቡልኩም ብልዑ፡
9 ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ’ ኸኣ በልዎም።+
10 ኣብታ እትኣትውዋ ኸተማ እንተ ዘይተቐቢሎምኹም ግና፡ ናብ ጐደናኣ ወጺእኩም፡
11 ‘እቲ ኻብ ከተማኹም ኣብ ኣእጋርና ዝለገበ ደሮና እኳ ንነግፈልኩም ኣለና።+ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ግና፡ እዚ ፍለጡ’ በሉ።
12 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ ነታ ኸተማ እቲኣ፡ ንሶዶም ኪቐልል እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ።+
13 “ወይለኺ ኰራዚን! ወይለኺ ቤት-ሳይዳ! እቲ ኣባኻትክን እተገብረ ግብርታት ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ሲዶንን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ማቕ ተኸዲነን፡ ኣብ ሓምዅሽቲ ድማ ተቐሚጠን፡ ቀደም ምተነስሓ ነይረን።+
14 ስለዚ፡ ብፍርዲ፡ ካብ ንዓኻትክን ንጢሮስን ንሲዶንን ኪቐልል እዩ።
15 ኣቲ ቅፍርናሆም፡ ክሳብ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳብ መቓብር* እባ ኽትወርዲ ኢኺ!
16 “እቲ ንዓኻትኩም ዚሰምዓኩም፡ ንዓይ እውን ይሰምዓኒ።+ እቲ ንዓኻትኩም ዚንዕቀኩም፡ ንዓይ እውን ይንዕቀኒ። እቲ ንዓይ ዚንዕቀኒ ኸኣ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚንዕቆ።”+
17 እቶም 70 ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ኣጋንንቲ እኳ ብስምካ ተገዚኦምልና” እናበሉ ብሓጐስ ተመልሱ።+
18 ንሱ ድማ፡ “ሰይጣን ድሮ ኸም በርቂ ኻብ ሰማይ ወዲቑ ርእየዮ።+
19 እንሆ፡ ተመንን ዕንቅርቢትን ክትረግጹ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሓይሊ ጸላኢ ኽትስልጥኑ ስልጣን ሂበኩም ኣለኹ፣+ ዚጐድኣኩም ከኣ ከቶ የልቦን።
20 ግናኸ፡ ስምኩም ኣብ ሰማያት ስለ እተጻሕፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር፡+ መናፍስቲ ስለ እተገዝኡልኩም፡ በዚ ኣይትተሓጐሱ” በሎም።
21 በታ ሰዓት እቲኣ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ባህ በሎ፡ ከምዚ እውን በለ፦ “ኦ ኣቦይ፡ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ነዚ ነገራት እዚ ኻብ ጥበበኛታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሓባእካዮ፡+ ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ፡ ብግህዶ እውድሰካ ኣለኹ። እወ፡ ኦ ኣቦይ፡ እዚ ዝዀነ፡ ስለ ዝሰመርካዮ እዩ።+
22 ኵሉ ኻብ ኣቦይ ተዋሂቡኒ ኣሎ፣ ወዲ መን ምዃኑ ኸኣ ብዘይካ ኣቦ፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፣ ኣቦ መን ምዃኑ እውን ብዘይካ ወድን+ ወዲ ኺገልጸሉ ዚደልን፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን።”+
23 ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንበይኖም፡ “ነዚ እትርእይዎ ዘለኹም ዚርእያ ኣዒንቲ ሕጉሳት እየን።+
24 ብዙሓት ነብያትን ነገስታትን ነዚ እትርእይዎ ዘለኹም ኪርእዩ ተመንዮምሲ ኣይረኣይዎን፣+ ነዚ እትሰምዕዎ ዘለኹም ከኣ ኪሰምዑ ተመንዮም እውን ኣይሰምዕዎን፡ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
25 እንሆ ኸኣ፡ ሓደ ፈላጥ ሕጊ ኺፍትኖ ተንሲኡ፡ “መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧” በሎ።+
26 ንሱ ድማ፡ “ኣብ ሕጊ እንታይ ጽሑፍ ኣሎ፧ ከመይከ ተንብብ፧” በሎ።
27 ንሱ ኸኣ፡ “‘ንየሆዋ* ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን* ብምሉእ ሓይልኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን+ ኣፍቅሮ፡’ ድማ፡ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’” ኢሉ መለሰሉ።+
28 ንሱ ድማ፡ “ቅኑዕ መሊስካ፣ ከምኡ ግበር እሞ፡ ህይወት ክትረክብ ኢኻ” በሎ።+
29 ንሱ ግና ርእሱ ኼጽድቕ ደልዩ፡+ ንየሱስ፡ “ብጻየይከ መን ኰን እዩ፧” በሎ።
30 የሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ፣ ንሳቶም ከኣ ገፈፍዎን ከትከትዎን፡ ኣይምዉት ኣይስሩር ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ።
31 ብኣጋጣሚ፡ ሓደ ኻህን በታ መገዲ እቲኣ ወረደ፣ ምስ ረኣዮ ግና፡ ብመንጽሩ ሓለፈ።
32 ከምኡ ድማ፡ ሓደ ሌዋዊ ናብታ ቦታ እቲኣ ምስ መጸን ምስ ረኣዮን፡ ብመንጽሩ ሓለፈ።
33 ሓደ ሳምራዊ+ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ፣ ምስ ረኣዮ ኸኣ ደንገጸሉ።
34 ናብኡ ቐሪቡ ኸኣ ዘይትን ወይንን ኣፍሲሱ፡ ኣቝሳሉ ዘነነሉ። ኣብ እንስሳኡ ኣወጢሑ እውን፡ ናብ መሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ፡ ተኸናኸኖ።
35 ንጽብሒቱ ድማ፡ ክልተ ዲናር* ኣውጺኡ፡ ነቲ ሓላው መሕደር ኣጋይሽ ሃቦ እሞ፡ ‘ተኸናኸኖ፣ ዝያዳ እዚ እተውጽኦ ዘበለ እውን፡ ምስ ተመለስኩ ክኸፍለካ እየ’ በሎ።
36 ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ፡ ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም ይመስለካ፧”+
37 ንሱ ድማ፡ “እቲ ምሕረት ዝገበረሉ” በለ።+ የሱስ ከኣ፡ “ንስኻ እውን ኪድ እሞ፡ ከምኡ ግበር” በሎ።+
38 ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ናብ ሓንቲ ቝሸት ኣተወ። ማርታ+ ዝስማ ሰበይቲ ድማ፡ ኣብ ቤታ ተቐበለቶ።
39 ማርያም እትብሃል ሓብቲ ድማ ነበረታ፣ ንሳ ኸኣ ኣብ እግሪ ጐይታ ተቐሚጣ፡ ዘረባኡ* ትሰምዕ ነበረት።
40 ማርታ ግና ብዙሕ ኣብ ምግልጋል ኣስጊላ ነበረት። ቀሪባ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ መጺኣ ኽትሕግዘኒ እባ ንገራ” በለቶ።
41 ጐይታ ኸኣ፡ “ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትሽገርን ኣለኺ።
42 እቲ ዜድሊ ግና፡ ሒደት ወይ ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ጽቡቕ ግደ* ሓርያ ኣላ፣+ ካብኣ ኸኣ ኣይኪውሰድን እዩ” በላ።