ህዝቅኤል 44:1-31

  • ምብራቓዊ ኣፍ ደገ ዕጹው ኰይኑ ጸንሐ (1-3)

  • ንጓኖት ዚምልከት ስርዓታት (4-9)

  • ንሌዋውያንን ንኻህናትን ዚምልከት ስርዓታት (10-31)

44  ብመገዲ እቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዘሎ ናይ ወጻኢ ኣፍ ደገ ኣቢሉ መለሰኒ፣+ ንሱ ድማ ዕጹው ነበረ።+ 2  ሽዑ፡ የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ “እዚ ኣፍ ደገ እዚ ዕጹው ኰይኑ ኺነብር እዩ። ኣይኪኽፈትን እዩ፣ ብእኡ እውን ሰብ ኣይኪኣቱን እዩ። የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ብእኡ ኣትዩ እዩ እሞ፡+ ዕጹው ኰይኑ ኺነብር እዩ። 3  ግናኸ፡ እቲ ሹም፡ ሹም እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ እንጌራ ኺበልዕሲ፡+ ኣብኡ ኪቕመጥ እዩ። ብገበላ እቲ ኣፍ ደገ ኣቢሉ ኺኣቱ፡ ብእኡ ኣቢሉ እውን ኪወጽእ እዩ።”+ 4  ሽዑ፡ በቲ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ ኣቢሉ ናብ ቅድሚ እታ ቤተ መቕደስ ኣምጽኣኒ። ምስ ጠመትኩ፡ ክብሪ የሆዋ ነታ ቤተ መቕደስ የሆዋ መሊእዋ ረኣኹ።+ ስለዚ፡ ብገጸይ ናብ ምድሪ ወደቕኩ።+ 5  ሽዑ፡ የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ስርዓታትን ሕግታትን እታ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝነግረካ ኣቕልበሉ፡* ተመልከቶ፡ ተጠንቂቕካ እውን ስምዓዮ። ንመእተዊ እታ ቤተ መቕደስን ንዅሉ መውጽኢታት እታ መቕደስን ኣቕልበሉ።+ 6  ነቶም ዓለውቲ ቤት እስራኤል ከምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እቲ ፍንፉን ተግባራትኩም ይእከልኩም። 7  ልቦምን ስጋኦምን ዘይግዙር ጓኖት ናብ መቕደሰይ ከተእትዉ ኸለኹም፡ ንሳቶም ንቤተ መቕደሰይ የርክስዋ እዮም። ኪዳነይ ብሰሪ ዅሉ እቲ ፍንፉን ተግባራትኩም እናተጣሕሰ ኽነሱ፡ እንጌራይ፡ ስብሕን ደምን ተቕርቡ ኣለኹም። 8  ንዕዮ እቲ ቕዱስ ነገራተይ ኣይዓየኹምን።+ ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ኣብ መቕደሰይ ዚግበር ዕዮታት ኪዓይዩ፡ ካልኦት መዲብኩም ኢኹም።”’ 9  “‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ልቡን ስጋኡን ዘይግዙር ኣብ እስራኤል ዚነብር ጓና ናብ መቕደሰይ ኣይኣቱን እዩ።”’ 10  “‘እቶም እስራኤል ካባይ ርሒቑ ኪዅብልል ከሎ ነቶም ጽዩፋት ጣኦታቶም* ኪስዕቡ ኻባይ ዝዀብለሉ ሌዋውያን ግና፡+ ሳዕቤናት ስሕተቶም ኪጾሩ እዮም። 11  ኣብ መቕደሰይ ከኣ ንኣፍ ደገታት እታ ቤተ መቕደስ ዚሕልዉን*+ ኣብ ቤተ መቕደሰይ ዜገልግሉን ኣገልገልቲ ኪዀኑ እዮም። ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን ንህዝቢ ዚኸውን መስዋእትን ኪሓርዱ፡ ኬገልግልዎም ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኪቘሙ እዮም። 12  ኣብ ቅድሚ እቶም ጽዩፋት ጣኦታቶም ስለ ዘገልገልዎምን ንቤት እስራኤል ዜሕጥኡ መዐንቀፊ ስለ ዝዀኑን፡+ ስለዚ እየ ኢደይ ኣንጻሮም ብማሕላ ዘልዓልኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ንሳቶም እውን ሳዕቤናት ስሕተቶም ኪጾሩ እዮም። 13  ካህናተይ ኰይኖም ኬገልግሉ ኣይኪቐርቡንን፡ ወይ ናብ ኵሉ ቕዱሰይን ናብ ቅዱስ ቅዱሳንን ኣይኪቐርቡን እዮም፣ ብሰንኪ እቲ ዝገበርዎ ፍንፉን ነገራት ድማ ሕፍረቶም ኪጾሩ እዮም። 14  ግናኸ፡ ኣገልግሎት እታ ቤተ መቕደስን ኵሉ እቲ ኣብኣ ዚግበርን ኪዓይዩ ሓላፍነት ዚስከሙ ኽገብሮም እየ።+ 15  “‘እቶም እስራኤላውያን ካባይ ኪዅብልሉ ኸለዉ ኣብ መቕደሰይ ዝነበሮም ሓላፍነት እተሰከሙ+ ሌዋውያን ካህናት ደቂ ጻዶቅ+ ግና፡ ኬገልግሉኒ ኢሎም ኪቐርቡኒ፡ ስብሕን+ ደምን+ ኬቕርቡለይ ኢሎም ከኣ ኣብ ቅድመይ ኪቘሙ እዮም’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 16  ‘ንሳቶም ናብ መቕደሰይ ኪኣትዉ፡ ኬገልግሉኒ ኢሎም ናብ መኣደይ ኪቐርቡ፡+ ንዓይ ዘለዎም ሓላፍነት ድማ ኪስከሙ እዮም።+ 17  “‘ናብ ኣፍ ደገታት እቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ምስ ኣተዉ፡ ክዳውንቲ በፍታ ይከደኑ።+ ኣብ ኣፍ ደገታት እቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ወይ ኣብ ውሽጡ ኼገልግሉ ኸለዉ፡ ጸምሪ ኣይከደኑ። 18  መጠምጠምያ በፍታ ኣብ ርእሶም ይግበሩ፣ ሓጺር ስረ በፍታ ድማ ንምሕኵልቶም ይሸፍኖ።+ ዜርህጾም ነገር ኣይከደኑ። 19  ናብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ፡—ናብቲ ህዝቢ ዘለዎ ናይ ወጻኢ ኣጸድ፡—ቅድሚ ምውጻኦም፡ ነቲ ዜገልግሉሉ ዝነበሩ ኽዳውንቲ ኣውጺኦም+ ኣብቲ ቕዱስ መመገቢ ኽፍልታት* የንብርዎ።+ ብኽዳውንቶም ነቲ ህዝቢ ቕድስና ምእንቲ ኸየመሓላልፉሉ* ኸኣ፡ ካልእ ክዳውንቲ ይከደኑ። 20  ርእሶም ኣይላጽዩ+ ወይ ጸጕሪ ርእሶም ኣየንውሑ። የግዳስ፡ ጸጕሪ ርእሶም ይቐምቅሙ። 21  እቶም ካህናት ናብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ምስ ኣተዉ፡ ወይኒ ኣይስተዩ።+ 22  ንመበለት ወይ ንፍትሕቲ፡ ሰበይቲ ገይሮም ኣየእትዉ፣+ ካብ ዘርኢ እስራኤል ዝዀነት ድንግል ወይ ሰበይቲ ኻህን ዝነበረት መበለት ግና ኪምርዓዉ ይኽእሉ እዮም።’+ 23  “‘ንህዝበይ፡ ኣብ መንጎ ቕዱስን ተራን ዘሎ ፍልልይ ይምሃርዎ፣ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዘሎ ፍልልይ እውን ኪምህርዎ እዮም።+ 24  ኣብ ጕዳይ ድማ ፈራዶ ይኹኑ፣+ ምስ ፍርድታተይ ተሰማሚዖም ከኣ ይፍረዱ።+ ብዛዕባ ዅሉ በዓላተይ ሕግታተይን ስርዓታተይን ይሓልዉ፡+ ሰናብተይ እውን ይቐድሱ። 25  ከይረኽሱስ፡ ናብ ምዉት ሰብ ኣይቕረቡ። ብኣቦኦም፡ ወይ ብኣዲኦም፡ ወይ ብወዶም፡ ወይ ብጓሎም፡ ወይ ብሓዎም፡ ወይ ብዘይተመርዓወት ሓብቶም ግና ኪረኽሱ ይኽእሉ እዮም።+ 26  ካህን ድሕሪ ምንጻሁ ኸኣ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ይቝጸሩሉ። 27  በታ ኣብታ መቕደስ ኬገልግል፡ ናብታ መቕደስ፡ ናብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ፡ ዚኣትወላ መዓልቲ፡ መስዋእቲ ሓጢኣት የቕርብ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 28  “‘ርስቶም ድማ እዚ ኪኸውን እዩ፦ ኣነ ርስቶም እየ።+ ኣነ ውርሶም እየ እሞ፡ ውርሲ ኣይትሃብዎም። 29  መስዋእቲ እኽልን+ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን+ ኪበልዑ፡ ኣብ እስራኤል እተወፈየ ዅሉ ኸኣ ናታቶም ኪኸውን እዩ።+ 30  ሕሩይ ኵሉ በዅሪ ፍረታትኩምን ኵሉ ዓይነት መባእኩምን ናይ ካህናት ኪኸውን እዩ።+ በዅሪ ሓርጭኩም ከኣ ንኻህን ሃብዎ።+ እዚ ንዝተረፉ ቤተ ሰብኩም በረኸት ኬምጽኣሎም እዩ።+ 31  እቶም ካህናት ሕሉቕ ወይ እተሰላልዐ ዘበለ ዑፍ ወይ እንስሳ ኣይብልዑ።’+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ልብኻ ኣብ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ስርዓታትን ሕግታትን እታ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝነግረካ ግበር።”
እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።
ወይ፡ “ሓለፍቲ ዝዀኑን።”
ወይ፡ “ኣብቲ ቕዱስ ክፍልታት።”
ቃ.ቃ.፡ “ምእንቲ ኸይቅድስዎ።”