ህዝቅኤል 1:1-28
1 ኣብ መበል 30 ዓመት፡ ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ እታ ራብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ጥቓ ፈለግ ኬባር+ ዝነበሩ ምሩኻት+ ከለኹ፡ ሰማያት ተኸፍተ፡ ኣነ እውን ራእያት ኣምላኽ ረኣኹ።
2 ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡—ማለት፡ ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ምርኮ ንጉስ ዮያኪን፡+—
3 ቃል የሆዋ ናብ ህዝቅኤል* ወዲ ቡዚ እቲ ኻህን፡ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኬባር፡ ኣብ ምድሪ ከለዳውያን መጸ።+ ኣብኡ ኸኣ ኢድ የሆዋ ኣብ ልዕሊኡ መጸት።+
4 ክጥምት ከለኹ ድማ፡ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ+ ካብ ሰሜን ኪመጽእ ረኣኹ፣ ብብሩህ ብርሃን እተኸብበ ዓብዪ ደበናን ማሕማሕ ዚብል ሓውን*+ ነበረ፣ ካብ ማእከል እቲ ሓዊ ኸኣ ከም ሕዋስ ወርቅን ብሩርን+ ዝበለ ነበረ።
5 ኣብ ውሽጡ ድማ ከም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ዝበሉ ነበሩ፣+ ትርኢት ነፍሲ ወከፎም ከኣ ንሰብ ይመስል ነበረ።
6 ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ገጽን ኣርባዕተ ኽንፍን ነበሮ።+
7 ኣእጋሮም ትኽ ዝበለ ነበረ፣ ከብዲ እግሮም ከም ናይ ምራኽ ነበረ፣ ከም ምንጽብራቕ እተወልወለ ነሓሲ ኸኣ የብርሁ ነበሩ።+
8 ኣብ ኵሉ ኣርባዕተ ሸነኽ፡ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም፡ ኣእዳው ሰብ ነበሮም፣ ኣርባዕቲኦም ድማ ገጽን ክንፍን ነበሮም።
9 ኣኽናፎም ንሓድሕደን ይተናኸያ ነበራ። ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኣይጥወዩን ነበሩ፣ ነፍሲ ወከፎም ትኽ ኢሎም ንቕድሚት ይኸዱ ነበሩ።+
10 ገጾም ከኣ ከምዚ ይመስል ነበረ፦ ኣርባዕቲኦም ድማ ነፍሲ ወከፎም ገጽ ሰብ፡ ብየማኖም ከኣ ገጽ ኣንበሳ፡+ ብጸጋሞም እውን ገጽ ብዕራይ+ ነበሮም፣ ኣርባዕቲኦም ድማ ነፍሲ ወከፎም ገጽ ንስሪ+ ነበሮም።+
11 ገጾም ከኣ ከምኡ ነበረ። ኣኽናፎም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ተዘርጊሐን ነበራ። ነፍሲ ወከፎም ንሓድሕደን ዚተናኸያ ኽልተ ኽንፍን ንሰብነቶም ዚሽፍና ኽልተ ኽንፍን ነበራኦም።+
12 ነፍሲ ወከፎም ትኽ ኢሎም ንቕድሚኦም ይኸዱ፡ ናብቲ እቲ መንፈስ ኪኸድዎ ዘበሎም ኣቢሎም ከኣ ይኸዱ ነበሩ።+ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኣይጥወዩን ነበሩ።
13 ትርኢት እቶም ህያዋን ፍጡራት ድማ ከም ጕሁር ጓህሪ ሓዊ ነበረ፣ ከም ፋናታት ብሩህ ሓዊ ዝበለ ነገር ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ህያዋን ፍጡራት ናብዝን ናብትን ይመላለስ ነበረ፣ ካብቲ ሓዊ እውን በርቂ ይወጽእ ነበረ።+
14 እቶም ህያዋን ፍጡራት ኪኸዱን ኪምለሱን ከለዉ ድማ፡ እቲ ምንቅስቓሶም ትርኢቱ ኸም በርቅታት ነበረ።
15 ነቶም ህያዋን ፍጡራት ክጥምቶም ከለኹ፡ ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ እቶም ኣርባዕተ ዝገጾም ህያዋን ፍጡራት ሓደ መንኰርኰር ኣብ ምድሪ ነበረ።+
16 ትርኢት እቲ መንኰራዅርን ኣሰራርሓኡን ከም ክሪሶሊት ዜንጸባርቕ ነበረ፣ ኣርባዕቲኡ ኸኣ ይመሳሰል ነበረ። ትርኢቱን ኣሰራርሓኡን ድማ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ ሓደ መንኰርኰር ከም ዘሎ ይመስል ነበረ።*
17 ምስ ዚንቀሳቐስ፡ ኪኸይድ ከሎ ኸይተጠውየ፡ ብዝዀነ እቲ ኣርባዕተ ኣንፈት ኪኸይድ ይኽእል ነበረ።
18 ዕንክሊላቱ ኸኣ ኣዝዩ ነዊሕ ብምዃኑ ዜፍርህ ነበረ፣ ናይ ኣርባዕቲኡ ዕንክሊላት ኣብ ዙርያኡ ኣዒንቲ መሊእዎ ነበረ።+
19 እቶም ህያዋን ፍጡራት ኪንቀሳቐሱ ኸለዉ፡ እቲ መንኰራዅር ምሳታቶም ይንቀሳቐስ ነበረ፣ እቶም ህያዋን ፍጡራት ካብ ምድሪ ኺልዓሉ ኸለዉ፡ እቲ መንኰራዅር እውን ይልዓል ነበረ።+
20 ናብቲ እቲ መንፈስ ኪኸድዎ ዘበሎም፡ ናብቲ እቲ መንፈስ ዝኸዶ ኣቢሎም ይኸዱ ነበሩ። እቲ ኣብቶም ህያዋን ፍጡራት ዚዓዪ መንፈስ* ኣብቲ መንኰራዅር እውን ነበረ እሞ፡ እቲ መንኰራዅር ምሳታቶም ይልዓል ነበረ።
21 እቲ ኣብቶም ህያዋን ፍጡራት ዚዓዪ መንፈስ ኣብቲ መንኰራዅር እውን ነበረ እሞ፡ ኪንቀሳቐሱ ኸለዉ፡ ይንቀሳቐስ ነበረ፣ ደው ኪብሉ ኸለዉ ድማ፡ ደው ይብል ነበረ፣ ካብ ምድሪ ኺልዓሉ ኸለዉ ኸኣ፡ እቲ መንኰራዅር ምሳታቶም ይልዓል ነበረ።
22 ኣብ ልዕሊ ኣራእስ እቶም ህያዋን ፍጡራት ከኣ፡ ከምቲ ኸም መስተንክር በረድ ዜብለጭልጭ ጠፈር ዚመስል፡ ኣብ ልዕሊ ኣራእሶም ተዘርጊሑ ነበረ።+
23 ኣብ ትሕቲ እቲ ጠፈር ድማ፡ ኣኽናፎም ሓንቲ ምስታ ኻልእ፡ ትኽ ኢለን* ነበራ። ነፍሲ ወከፎም ንሓደ ሸነኽ ሰብነቶም ንምሽፋን ክልተ ኽንፊ፡ ነቲ ኻልእ ሸነኽ ንምሽፋን እውን ክልተ ኽንፊ ነበሮም።
24 ደሃይ ኣኽናፎም ክሰምዕ ከለኹ፡ ከም ደሃይ ብርቱዕ ማያት፡ ከም ደሃይ እቲ ዅሉ ዚኽእል ነበረ።+ ኪንቀሳቐሱ ኸለዉ፡ ከም ደሃይ ሰራዊት ነበረ። ደው ኪብሉ ኸለዉ፡ ንኣኽናፎም የውርድወን ነበሩ።
25 ኣብ ልዕሊ እቲ ጠፈር፡ ኣብ ልዕሊ ኣራእሶም፡ ድምጺ ነበረ። (ደው ኪብሉ ኸለዉ፡ ንኣኽናፎም የውርድወን ነበሩ።)
26 ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣራእሶም ዝነበረ ጠፈር፡ ከም እምኒ ሰፊሮስ ዚመስል ነበረ፣+ እዚ እውን ዝፋን ዚመስል ነበረ።+ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፋን ከኣ ትርኢቱ ሰብ ዚመስል ተቐሚጡ ነበረ።+
27 ካብቲ ማዕጥቖኡ ዚመስል ኣትሒዙ ንላዕሊ ድማ ከም ሕዋስ ወርቅን ብሩርን ዜንጸባርቕ ነገር፡+ ከም ሓዊ ዝበለ ኺወጽእ ረኣኹ፣ ካብ ማዕጥቖኡ ንታሕቲ ኸኣ ከም ሓዊ ዚመስል ነገር ረኣኹ።+ ኣብ ዙርያኡ ድማ ብርሃን ነበረ፣
28 ንሱ እውን ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም ኣብ ደበና ዚኸውን ቀስተ ደበና ነበረ።+ ትርኢት እቲ ኣብ ዙርያ ዝነበረ ብሩህ ብርሃን ከምኡ ነበረ። ከም ትርኢት ክብሪ የሆዋ ነበረ።+ ምስ ረኣኽዎ ኸኣ፡ ብገጸይ ወደቕኩ፡ ድምጺ ዚዛረብ እውን ሰማዕኩ።
እግረ ጽሑፍ
^ ትርጉሙ፡ “ኣምላኽ የበርትዕ።”
^ ወይ፡ “በርቅን።”
^ ማዕረ ዝሰንጣቒቱ ኽልተ መንኰርኰር ብቕኑዕ ኵርናዕ ሓደ ኣብ ውሽጢ ሓደ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል።
^ ቃ.ቃ.፡ “እቲ መንፈስ እቶም ህያዋን ፍጡራት።”
^ ወይ፡ “ትኽ ኢለን ተዘርጊሐን” ኪኸውን ይኽእል።