1 ጢሞቴዎስ 6:1-21
6 እቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባርነት ዘለዉ፡ ስም ኣምላኽን እቲ ትምህርትን ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ነቶም ዋናታቶም ምሉእ ክብሪ ኸም ዚግብኦም ገይሮም ይቝጸርዎም።
2 እቶም ዚኣምኑ ዋናታት ዘለውዎም፡ ኣሕዋቶም ስለ ዝዀኑ፡ ኣይንዓቕዎም። እኳ ደኣስ፡ እቶም በቲ ጽቡቕ ኣገልግሎቶም ዚጥቀሙ ኣመንትን ፍቑራትን ስለ ዝዀኑ፡ ብዝበለጸ ይገዝእዎም።
እዚ ነገር እዚ ምሃርን ምዓድን።
3 ሓደ እኳ ኻልእ ትምህርቲ እንተ መሃረ፡ ምስቲ ኻብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ጥዑይ ትእዛዝን ምስቲ ምስ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዚሰማማዕ ትምህርትን ከኣ እንተ ዘይተሰማምዐ፡
4 ንሱ ብትዕቢት እተነፍሐ ሓንቲ እኳ ዘየስተውዕል እዩ። ብኽትዕን ብዛዕባ ቓላት ብምክርኻርን እውን ዝሓመመ እዩ። ካብዚ እዩ ቕንኢ፡ ባእሲ፡ ጸርፊ፡ ክፉእ ጥርጣረ፡
5 እቶም ኣእምሮኦም እተበላሸወን ሓቂ ዝሓረሞምን ዚብልዎ መኘኽኘኽ ዚመጽእ። እዚኣቶም፡ ኣምላኻዊ ተወፋይነት መርብሒ ኸም ዝዀነ እዩ ዚመስሎም።
6 ብዘሎና እንተ ዓጊብናስ፡ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ።
7 ከመይሲ፡ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን፡ ሓንቲ እውን ክንወስድ ኣይንኽእልን ኢና።
8 ምግብን ክዳንን መጽለልን እንተ ኣሎናስ፡ በዚ ዕጉባት ንኹን።
9 እቶም ኪህብትሙ ዝቘረጹ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ንሰብ ናብ ጥፍኣትን ዕንወትን ኣብ ዜስጥም ብዙሕ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እውን እዮም ዚወድቁ።
10 ከመይሲ፡ ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሱር ኵሉ ዓይነት ክፍኣት እዩ፣ ገሊኦም ነዚ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ንርእሶም እውን ብብዙሕ ስቓይ ወጋግኡ።
11 ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግና ካብዚ ህደም። ግናኸ፡ ጽድቂ፡ ኣምላኻዊ ተወፋይነት፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ተጻዋርነት፡ ልእመት ስዓብ።
12 ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል፣ ነታ እተጸዋዕካላን ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽር ብጽቡቕ እተኣመንካላን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣጽኒዕካ ሓዛ።
13 ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ብህይወት ዜንብር ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ከም ምስክር ብጽቡቕ እተኣመነ ክርስቶስ የሱስን እዚ እእዝዘካ ኣለኹ፦
14 ክሳዕ ግህደት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ነቲ ትእዛዝ ብዘይ ርስሓትን ብዘይ ወቐሳን ሓልዎ።
15 ነዚ ግህደት እዚ፡ እቲ ሕጉስን በይኑ ስልጣን ዘለዎን ኣብቲ ምዱብ እዋናት ኪገልጾ እዩ፣ ንሱ ንጉስ ነገስታትን ጐይታ ጐይተትን፡
16 በይኑ ዘይመውት፡ ሓደ ሰብ እኳ ዘይረኣዮ ወይ ኪርእዮ ዘይክእል ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር እዩ። ንዕኡ ኽብርን ናይ ዘለኣለም ሓይልን ይኹን። ኣሜን።
17 ነቶም ኣብዚ ስርዓት ዓለም እዚ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ኣብዚሑ ዚህበና ኣምላኽ እምበር፡ በቲ ዘየተኣማምን ሃብቲ ተስፋ ኸይገብሩ ኣዝዞም።
18 ሰናይ ኪገብሩ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡
19 በዚ ኸምዚ ኸኣ ነታ ናይ ሓቂ ህይወት ኣጽኒዖም ምእንቲ ኺሕዝዋስ፡ ንመጻኢ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ ኣዝዞም።
20 ኦ ጢሞቴዎስ፡ ካብ ዜርክስ ሃተውተውን ካብቲ ብሓሶት “ፍልጠት” ዚብሃል ግርጭታትን ተኣሊኻ፡ ነቲ ሕድሪ እተዋህበካ ሓልዎ።
21 ከመይሲ፡ ገሊኦም እዚ ፍልጠት እዚ ኺርኣየሎም ኢሎም፡ ካብ እምነት ዘምቢሎም ኣለዉ።
ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን።