1 ዮሃንስ 1:1-10
1 ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ ብኣዒንትና ዝረኣናዮ፡ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውና እውን ዘረምሰሳኦ ቓል ህይወት ንነግረኩም ኣለና።
2 ህይወት ድማ ተጋህደት፣ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረትን ንዓና እተጋህደትን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከኣ ርኢናያ ኢና እሞ፡ ንምስክረልኩምን ንነግረኩምን ኣለና።
3 ንስኻትኩም እውን ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኺህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ንዓኻትኩም ንነግረኩም ኣለና። እዚ ሕብረትና እውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ።
4 ሓጐስና ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ እዚ ንጽሕፈልኩም ኣለና።
5 ኣምላኽ ብርሃን ምዃኑን ኣብኡ ኸኣ ጸልማት ከቶ ኸም ዘየልቦን፡ እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ፡ ንዓኻትኩም እውን እንነግራ ዘለና መልእኽቲ እዚኣ እያ።
6 “ምስኡ ሕብረት ኣሎና” ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላለስና፡ ንሕሱ፡ ሓቂ እውን ኣይንገብርን ኢና ዘለና።
7 ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና፡ ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱ እውን ካብ ኵሉ ሓጢኣትና የንጽሃና እዩ።
8 “ሓጢኣት የብልናን” እንተ በልና፡ ንርእስና ነስሕታ ኣለና፡ እታ ሓቂ እውን ኣባና የላን።
9 ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ኺሓድገልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻ እውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
10 “ኣይሓጣእናን” እንተ በልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ ኣለና፡ ቃሉ እውን ኣባና የሎን።