1 ቈረንቶስ 9:1-27

9  ሓራ ደይኰንኩን፧ ሃዋርያ ደይኰንኩን፧ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስከ ኣይረኣኽዎን ድየ፧ ንስኻትኩምከ ብጐይታ ዕዮይ ደይኰንኩምን፧  ብጐይታ ሃዋርያነተይ ዜረጋግጽ ማሕተም ንስኻትኩም ኢኹም እሞ፡ ንኻልኦት ሃዋርያ እኳ እንተ ዘይኰንኩ፡ ንዓኻትኩምሲ ሃዋርያኹም እየ።  ነቶም ዚምርምሩኒ መጐተይ እዚ እዩ፦  ክንበልዕን ክንሰትንዶ መሰል የብልናን ኢና፧  ከምቶም ካልኦት ሃዋርያትን ኣሕዋት ጐይታናን ኬፋን ዚገብርዎ፡ ኣማኒት ሓብትና ዝዀነት ሰበይቲ ምሳና ኸነዝውርዶ መሰል የብልናን ኢና፧  ወይስ ኣነን በርናባስን ጥራይ ዲና ዓለማዊ ዕዮ ኽንሓድግ መሰል ዘይብልና፧  እንታዋይ ወተሃደር እዩ ብገዛእ ገንዘቡ እናተመገበ ዜገልግል፧ ወይኒ ተኺሉ ፍሪኡ ዘይበልዕከ መን እዩ፧ ወይስ መጓሰ እናጓሰየ፡ ካብ ጸባ እተን መጓሰ ዘይሰቲ መን እዩ፧  እዚ ኸም ኣዘራርባ ሰብ ድየ ዝዛረብ ዘለኹ፧ ወይስ ሕጊ እውንዶ ኸምኡ ኣይብልን እዩ፧  ከመይሲ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴ፡ “ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር” ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ። ኣምላኽ ብዛዕባ ኣብዑር ድዩ ሓልዩ፧ 10  ወይስ ብሱሩ ምእንታና ደይኰነን ዚብል ዘሎ፧ እቲ ዚሓርስን እቲ ዜኽይድን ገግዲኦም ከም ዝረኽቡ ተስፋ ገይሮም ኪዓይዩ ስለ ዘለዎም፡ ምእንታና እዩ ተጻሒፉ። 11  ኣባኻትኩም መንፈሳዊ ነገራት ካብ ዘራእና፡ ስጋዊ ደገፍ ካባኻትኩም እንተ ዓጸድናዶ ዓብዪ ነገር እዩ፧ 12  ካልኦት ብኣኻትኩም ኪድገፉ መሰል እንተ ኣልይዎም፡ ንሕናዶ ግዳ ዝያዳ የብልናን፧ ግናኸ፡ ነቲ ብስራት ክርስቶስ ምእንቲ ኸይንዓግት፡ ኵሉ ንጻወር ኣለና እምበር፡ ነዚ መሰል እዚ ኣይተጠቐምናሉን። 13  እቶም ቅዱስ ዕዮ ዚዓይዩ ኻብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ከም ዚምገቡ፡ እቶም ኣብ መሰውኢ ዜገልግሉ እውን ካብቲ መሰውኢ ኸም ዚካፈሉዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 14  ከምኡ ድማ ጐይታ፡ እቶም ብስራት ዚሰብኩ በቲ ብስራት ኪናበሩ ኣዚዙ እዩ። 15  ኣነ ግና ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ መሰናድዎ ሓንቲ እኳ ኣይተጠቐምኩን። ከምኡ ምእንቲ ኺግበረለይ ኢለ እውን ኣይኰንኩን እዚ ዝጸሓፍኩ፣ ሓደ እኳ ነቲ ዝምክሓሉ ኸንቱ ኻብ ዚገብሮስ፡ ሙማት ይሕሸኒ! 16  ኣነ አበስር እንተ ኣለኹ፡ ግዲ ዀይኑኒ እዩ እሞ፡ ዝምክሓሉ የብለይን። እንተ ዘየበሰርኩ ግና፡ ወይለይ! 17  እዚ ፈትየ እንተ ገበርክዎ፡ ዓስቢ ኣሎኒ፣ ከይፈቶኹ እንተ ገበርክዎ ግና፡ ዝዀነ ዀይኑ እዚ ሓላፍነት እዚ ብሕድሪ ተዋሂቡኒ እዩ። 18  ዓስበይ ደኣ እንታይ እዩ፧ እናኣበሰርኩስ፡ ነቲ ኣብቲ ብስራት ዘሎኒ መሰል ከይብለጸሉ፡ ነቲ ብስራት ብናጻ ምስባኸይ እዩ። 19  ከመይሲ፡ ካብ ኵሉ ሰብ ሓራ ኽነሰይ፡ ንመብዛሕትኦም ምእንቲ ኽረብሕ፡ ንርእሰይ ባርያ ዅላቶም ገበርክዋ። 20  ንኣይሁድ ምእንቲ ኽረብሕ፡ ምስ ኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ዀንኩ፣ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ምእንቲ ኽረብሕ ከኣ፡ ምስቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ባዕለይ እኳ ትሕቲ ሕጊ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ ከምቲ ትሕቲ ሕጊ ዘሎ ዀንኩ። 21  ነቶም ሕጊ ዘይብሎም ምእንቲ ኽረብሕ፡ ምስቶም ሕጊ ዘይብሎም፡ ብክርስቶስ ትሕቲ ሕጊ እምበር፡ ብኣምላኽ ብዘይ ሕጊ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ ከምቶም ሕጊ ዘይብሎም ኰንኩ። 22  ንድኹማት ምእንቲ ኽረብሕ፡ ምስቶም ድኹማት ድኹም ኰንኩ። ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን፡ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ኵሉ ዀንኩ። 23  እዚ ዅሉ ግና ምእንቲ እቲ ብስራት፡ ማለት ንኻልኦት ምእንቲ ኸካፍሎ ኢለ እየ ዝገብሮ። 24  ኣብ ቅድድም፡ ኵሎም ጐየይቲ ኸም ዚጐይዩ፡ ነታ ሽልማት ግና ሓደ ጥራይ ከም ዚወስዳዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም እውን ምእንቲ ኽትዕወቱ፡ ከምኡ ጕየዩ። 25  ዚወዳደር ዘበለ ዅሉ ድማ ብዅሉ ነገር ርእሱ ይገትእ እዩ። ንሳቶምሲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኪቕበሉ እዮም ከምኡ ዚገብሩ፣ ንሕና ግና ዘይሓልፍ። 26  ስለዚ፡ ብዘይ ዕላማ ኣይኰንኩን ዝጐዪ ዘለኹ፣ ንንፋስ ከም ዝወቅዕ ከኣ ኣይኰንኩን ዘጕስጥ ዘለኹ፣ 27  ንኻልኦት ምስ ሰበኽኩ፡ ኣነ ባዕለይ ዘይብቑዕ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንሰብነተይ አጕስጦን አግዝኦን ኣለኹ።

እግረ ጽሑፍ