ሮሜ 9:1-33

9  ብክርስቶስ ሓቂ እዛረብ ኣለኹ፣ ኣይሕሱን እየ ዘለኹ፣ ከመይሲ፡ ሕልናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ ኣሎ።  ኣብ ልበይ ብዙሕ ጓህን ዘየቋርጽ ስቓይን ኣሎኒ።  ከመይሲ፡ ኣነ ንባዕለይ ምእንቲ ኣሕዋተይ፡ ማለት ምእንቲ እቶም ብስጋ ኣዝማደይ፡ ከም ርጉም ኰይነ ኻብ ክርስቶስ ክፍለ ምደለኹ፣  ንሳቶም ደቂ እስራኤል እዮም። ውልድነትን ክብርን ኪዳናትን ምቕባል ሕግን ኣገልግሎት ኣምላኽን ተስፋታትን ናታቶም እዩ።  ኣቦታት ከኣ ናታቶም እዮም፣ ክርስቶስ እውን ብስጋ ኻባታቶም እዩ፣ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዝዀነ ኣምላኽ ንዘለኣለም ይባረኽ። ኣሜን።  ግናኸ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ዀይኑ ማለት ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ኵሎም እቶም ካብ እስራኤል ዘበሉ፡ እስራኤላውያን ማለት ኣይኰኑን።  ዘርኢ ኣብርሃም ስለ ዝዀኑ እውን፡ ኵላቶም ውሉዳት ኣይኰኑን፣ የግዳስ፡ “ብይስሃቅ እዩ ‘ዘርእኻ’ ዚጽዋዕ” ተባህለ።  ማለት፡ እቶም በቲ ተስፋ ውሉዳት ዝዀኑ ደኣ እዮም ከም ዘርኢ ዚቝጸሩ እምበር፡ እቶም ብስጋ ውሉዳት ዝዀኑስ ውሉዳት ኣምላኽ ኣይኰኑን።  ከመይሲ፡ እቲ ቓል ተስፋ ኸምዚ እዩ ዚብል፦ “ከምዛ ግዜ እዚኣ ኽመጽእ እየ፣ ሳራ እውን ወዲ ኺህልዋ እዩ።” 10  እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ርብቃ እውን ካብ ሓደ፡ ማለት ካብ ኣቦና ይስሃቅ፡ ማናቱ ምስ ጠነሰት፡ 11  ንሕርያ ዚምልከት ዕላማ ኣምላኽ፡ ካብቲ ጸዋዒ እምበር፡ ካብ ግብሪ ምእንቲ ኸይከውን፡ ከይተወልዱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይስ ክፉእ እውን ከይገበሩ ኸለዉ፡ 12  “እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ” ተባሂሉ ተነግራ። 13  ከምቲ፡ “ንያእቆብ ኣፍቀርኩ፡ ንኤሳው ግና ጸላእኩ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ። 14  እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ ኣሎ፧ ያእ ኣይፋልን! 15  ከመይሲ፡ ንሙሴ፡ “ንዝምሕሮ* ኽምሕሮ፡ ንዝርሕርሓሉ እውን ክርሕርሓሉ እየ” ኢልዎ እዩ። 16  እምበኣርሲ፡ ካብቲ ዚምሕር ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካብቲ ዚደሊ ዀነ ኻብቲ ዚጐዪ ኣይኰነን። 17  ምኽንያቱ፡ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ ንፈርኦን፡ “ሓይለይ ኣባኻ ኸርኢ፡ ስመይ እውን ኣብ ኵላ ምድሪ ኺውረ፡ ነዚ እየ ዘንበርኩኻ” ይብሎ እዩ። 18  እምበኣርሲ፡ ንዝደለዮ ይምሕሮ፡ ንዝደለዮ እውን ኪተርር ይሓድጎ። 19  ስለዚ፡ “ስለምንታይ ደኣ ሕጂ እውን ዚነቅፍ፧ ንፍቓዱኸ መን ይቃወሞ፧” ክትብለኒ ኢኻ። 20  ኣታ ሰብ፡ ንኣምላኽ እትመላለሶኸ ንስኻ መን ኢኻ፧ ቅርጺዶ ንቐራጺኡ፡ “ስለምንታይ ከምዚ ጌርካኒ፧” ይብሎ እዩ፧ 21  ሰራሕ ካይላዶ ኻብ ሓደ ጸብሪ ገሊኡ ንኽብሪ፡ ገሊኡ እውን ንሓሳር ዚኸውን ኣቕሑ ኺሰርሕ፡ ኣብቲ መሬት ስልጣን የብሉን እዩ፧ 22  ኣምላኽ ቍጥዓኡ ኼርእን ሓይሉ ኼፍልጥን ደልዩስ፡ ነቶም ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቕሑ ቝጥዓ ብብዙሕ ዓቕሊ እንተ ጾሮምከ፧ 23  እዚ ኸኣ ነቶም ኣቐዲሙ ንኽብሪ ዘዳለዎም ኣቕሑ ምሕረት፡ ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኼፍልጦም ኢሉ እንተ ዀነኸ፧ 24  ማለት፡ ንዓና ኻብ ኣይሁድ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣህዛብ እውን ንዝጸውዓና፡ እዚ ኼፍልጠና ኢሉ እንተ ዀነኸ፧ 25  ከምቲ ኣብ ሆሴእ፡ “ነቲ ህዝበይ ዘይኰነ፡ ‘ህዝበይ’ ክብሎ እየ፣ ነታ ዘይፍቕርቲ እውን፡ ‘ፍቕርቲ’ ኽብላ እየ፣ 26  ኣብታ፡ ‘ህዝበይ ኣይኰንኩምን’ እተባህለትሎም ቦታ፡ ኣብኣ፡ ‘ደቂ ህያው ኣምላኽ’ ኪብሃሉ እዮም” ዚብሎ እዩ። 27  ኢሳይያስ እውን ብዛዕባ ደቂ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ይጭድር እዩ፦ “ቍጽሪ ደቂ እስራኤል ከም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነ፡ ተረፍ ጥራይ እዩ ዚድሕን። 28  ከመይሲ፡ የሆዋ ኣብ ምድሪ ኺጸባጸብ እዩ፡ ኪውድኦን ኬሕጽሮን ከኣ እዩ።” 29  ከምኡ ድማ፡ ከምቲ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ፡ “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዘርኢ እንተ ዘይሓድገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንና፡ ንጎሞራ እውን ምመሰልና ኔርና” ዝበሎ እዩ። 30  እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ ኣህዛብ፡ ጽድቂ እኳ እንተ ዘይሰዓቡ፡ ናብቲ ጽድቂ በጽሑ፣ እዚ ኸኣ እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ እዩ፣ 31  እስራኤል ግና ንጽድቂ ሕጊ እኳ እንተ ሰዓበ፡ ናብቲ ሕጊ ኣይበጽሐን። 32  ስለምንታይ፧ ብእምነት ዘይኰነስ፡ ብግብሪ እዩ ስዒቡ። በቲ “እምኒ መዐንቀፊ” ተዓንቀፉ፣ 33  ከምቲ፡ “እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መዐንቀፍን ከውሒ መሐንኰልን አንብር ኣለኹ፣ ብእኡ ዚኣምን ግና ኣይኪሓፍርን እዩ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ሮሜ 9:15 * ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምሕረት” ርአ።