ሮሜ 15:1-33
15 ንሕና እቶም ብርቱዓት ዝዀንና፡ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር፡ ንርእስና እውን ባህ ከይነብል ይግብኣና እዩ።
2 ነፍሲ ወከፍና ንብጻዩ ኺሃንጾስ፡ ብሰናይ ባህ የብሎ።
3 ከመይሲ፡ ከምቲ፡ “ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻ ዝነበሩ፡ ኣባይ ወደቐ” ዚብል እተጻሕፈ፡ ክርስቶስ እኳ ንርእሱ ባህ ኣየበለን።
4 ብተጻዋርነትናን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዕን ተስፋ ምእንቲ ኺህልወናስ፡ እቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ፡ ንትምህርትና እዩ እተጻሕፈ።
5 እቲ ተጻዋርነትን መጸናንዕን ዚህብ ኣምላኽ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ንክርስቶስ የሱስ ዝነበሮ ሓሳብ ይሃብኩም፣
6 እዚ ድማ ሓቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም፡ ንኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኸተኽብሩ እዩ።
7 ስለዚ፡ ከምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢሉ እተቐበለና፡ ንሓድሕድኩም ተቐባበሉ።
8 ከመይሲ፡ ክርስቶስ፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ምእንቲ ኼርኢ ኢሉ ኣገልጋሊ እቶም እተገዝሩ ኸም ዝዀነ እብለኩም ኣለኹ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣቦታቶም እተተስፈውዎ ተስፋታት ምእንቲ ኼጽንዖ፡
9 ኣህዛብ ድማ ንኣምላኽ ስለ ምሕረቱ ምእንቲ ኼመስግንዎ እዩ። ከምቲ፡ “ስለዚ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ክውድሰካ፡ ንስምካ እውን ክዝምር እየ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።
10 ከም ብሓድሽ እውን፡ “ኣቱም ኣህዛብ፡ ምስ ህዝቡ ዄንኩም ተሓጐሱ” ይብል።
11 መሊሱ ኸኣ፡ “ኵልኹም ኣህዛብ፡ ንየሆዋ ወድስዎ፣ ኵሎም ህዝብታት እውን ይወድስዎ” ይብል።
12 ከም ብሓድሽ ድማ ኢሳይያስ፡ “እቲ ሱር እሴይ ኪመጽእ እዩ፣ እቲ ንኣህዛብ ኪገዝእ ዚትንስእ ከኣ ኪኸውን እዩ፣ ኣህዛብ ኣብኡ ተስፋ ኺገብሩ እዮም” ይብል።
13 ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ተስፋኹም ምእንቲ ኽትዓዝዝሲ፡ እቲ ተስፋ ዚህብ ኣምላኽ በቲ ኣብኡ ዘሎኩም እምነት ኣቢሉ ብዅሉ ሓጐስን ሰላምን ይምላእኩም።
14 ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባኻትኩምሲ ሰናይ ከም ዝመልኣኩም፡ ብዅሉ ፍልጠት ድማ ከም እተመላእኩም፡ ንሓድሕድኩም እውን ክትመዓዓዱ ኸም እትኽእሉ፡ ኣነ ባዕለይ እኣምን እየ።
15 ግናኸ፡ ከም ብሓድሽ ምእንቲ ኸዘኻኽረኩም፡ ብዛዕባ ገለ ነገራት ኣዝየ ደፊረ እጽሕፈልኩም ኣለኹ፣ ከምኡ ዝገበርኩ ድማ፡ ካብ ኣምላኽ ጸጋ ስለ እተዋህበኒ እየ፣
16 እዚ ኸኣ ንኣህዛብ ኣገልጋሊ ክርስቶስ የሱስ ምእንቲ ክኸውን እዩ ተዋሂቡኒ። እዞም ከም መስዋእቲ ዚቐርቡ ኣህዛብ እዚኦም፡ ቅቡላት፡ ማለት ብመንፈስ ቅዱስ እተቐደሱ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣብቲ ቕዱስ ዕዮ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተጸሚደ ኣለኹ።
17 እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ ዚምልከት ነገራት፡ ብክርስቶስ የሱስ ዝፍስሃሉ ኣሎኒ።
18 ከመይሲ፡ ብዘይካ እቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኺእዘዙ ኢሉ፡ ክርስቶስ ብኣይ ኣቢሉ ዝገበሮ ነገራት፡ ካልእ ክዛረብ ኣይደፍርን እየ፣ ነዚ ኸኣ ብቓለይን ብግብረይን፡
19 ብሓይሊ ትእምርትታትን ተኣምራትን፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ገበሮ። ስለዚ፡ ካብ የሩሳሌም ክሳዕ ኢሊሪኮን፡ ነቲ ብስራት ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ሰበኽክዎ።
20 በዚ ኸምዚ፡ ኣብ መሰረት ካልእ ምእንቲ ኸይሃንጽሲ፡ ኣብቲ ክርስቶስ እተሰምየሉ ዘበለ ኸየበስር እጽዕት ኣለኹ፣
21 እዚ ድማ ከምቲ፡ “እቶም ብዛዕባኡ ዘይተነግሮም ኪርእይዎ፡ እቶም ዘይሰምዑ እውን ኬስተውዕሉ እዮም” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።
22 ስለዚ ኸኣ፡ ናባኻትኩም ንምብጻሕ ብዙሕ ሳዕ ተኸልከልኩ።
23 ሕጂ ግና ኣብዚ ዞባታት እዚ ዘይተተንከየ ኽሊ የብለይን፣ ናባኻትኩም ክመጽእ ካብ ዝናፍቕ ከኣ ገለ ዓመታት ኰይኑ ኣሎ።
24 ስለዚ፡ ናብ ስጳኛ ክኸይድ ከለኹ፡ ክርእየኩም፡ ናፍቖተይ ምስ ወዳእኩ ድማ ከተፋንዉኒ ተስፋ እገብር።
25 ሕጂ ግና ነቶም ቅዱሳት ከገልግል፡ ናብ የሩሳሌም ክኸይድ እየ።
26 እቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘለዉስ፡ ነቶም ኣብ መንጎ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ቕዱሳት ዚርከቡ ድኻታት፡ ካብቲ ዘለዎም ብምውጻእ ኬማቕልዎም ፈትዮም ኣለዉ።
27 ኣህዛብ ካብቲ መንፈሳዊ በረኸቶም ካብ ተማቐሉስ፡ ንሳቶም እውን ንዓታቶም ብስጋዊ በረኸቶም ኬገልግልዎም ዕዳ ኣለዎም እሞ፡ ከምኡ ኺገብሩ ፈትዮም ኣለዉ፣ እወ፡ ሰብ ዕዳኦም እዮም።
28 እምበኣር፡ እዚ ምስ ወዳእኩ፡ ነዚ ውጽኢት* እዚ እውን ምስ ኣረከብክዎም፡ ብኣኻትኩም ኣቢለ ናብ ስጳኛ ክኸይድ እየ።
29 ናባኻትኩም ክመጽእ ከለኹ ኸኣ፡ ብምሉእ በረኸት ክርስቶስ ከም ዝመጸኩም፡ እፈልጥ እየ።
30 ኣሕዋተየ፡ ምሳይ ኴንኩም ብጸሎት ክትጋደሉለይ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን በታ ኻብ መንፈስ ዝዀነት ፍቕርን እምዕደኩም ኣለኹ፣
31 እዚ ኸኣ ካብቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ዘይኣምኑ ምእንቲ ኽናገፍ፡ እቲ ናብቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ቕዱሳት ዘቕርቦ ኣገልግሎተይ እውን ብኣታቶም ቅቡል ምእንቲ ኪኸውን፡
32 ብፍቓድ ኣምላኽ ድማ ተሓጒሰ ምእንቲ ኽመጸኩምን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽዓርፍን እዩ።
33 እቲ ሰላም ዚህብ ኣምላኽ ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን።