ማቴዎስ 28:1-20

28  ድሕሪ ሰንበት፡ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ኪወግሕ ከሎ፡ ማርያም መግደላዊትን እታ ኻልአይቲ ማርያምን ነቲ መቓብር ኪርእያ መጻ።  እንሆ ድማ፡ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፣ መልኣኽ የሆዋ ኻብ ሰማይ ወሪዱ፡ ቅርብ ኢሉ ነቲ እምኒ ኣንከባለሎ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተቐመጠ።  ትርኢቱ ኸም በርቂ፡ ክዳኑ ድማ ጻዕዳ ኸም ውርጪ ነበረ።  እቶም ሓለውቲ ንዕኡ ፈሪሆም፡ ራዕራዕ በሉ፡ ከም ምዉታት እውን ኰኑ።  እቲ መልኣኽ ነተን ኣንስቲ፡ “ነቲ እተሰቕለ የሱስ ትደልያኦ ኸም ዘለኽን እፈልጥ ኣለኹ እሞ፡ ኣይትፍርሃ።  ከምቲ ዝበሎ ተንሲኡ እዩ እሞ፡ ኣብዚ የሎን። ነታ ተነቢሩላ ዝነበረ ቦታ ንዕነ ርኣያኣ።  ቀልጢፍክን ኬድክን ከኣ፡ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም፣ እንሆ ድማ፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፣ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም። እንሆ፡ ነጊረክን ኣለኹ” በለን።  ካብቲ መቓብር ብፍርህን ብዓብዪ ሓጐስን ቀልጢፈን ከዳ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራኦም ድማ ጐየያ።  እንሆ ድማ፡ የሱስ ተጓነፈን፡ “ሰላም!” ከኣ በለን። ንሳተን ድማ ቀሪበን እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ።* 10  ሽዑ፡ የሱስ፡ “ኣይትፍርሃ! ኪዳ፡ ንኣሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦም፣ ኣብኡ ኸኣ ኪርእዩኒ እዮም” በለን። 11  ኪኸዳ ኸለዋ ድማ፡ እንሆ፡ ገለ ኻብቶም ሓለውቲ ናብ ከተማ ኣትዮም፡ እቲ ዝዀነ ዅሉ ንሊቃውንቲ ኻህናት ነገርዎም። 12  ንሳቶም ምስ ዓበይቲ ተኣኪቦም ምስ ተማኸሩ ኸኣ፡ ነቶም ወተሃደራት ብዙሕ ሰልዲ ብሩር ሂቦም፡ 13  “‘ደቂስና ኸለና፡ ብለይቲ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ሰሪቖምዎ’ በሉ። 14  እዚ ናብ እዝኒ እቲ ሹም እንተ በጺሑ ኸኣ፡ ንሕና ኸነእምኖን ካብ ስግኣት ከነናግፈኩምን ኢና” በልዎም። 15  ነቲ ሰልዲ ብሩር ወሲዶም ከኣ፡ ከምቲ ዝበልዎም ገበሩ፣ እዚ ዘረባ እዚ ድማ ኣብ ኣይሁድ ክሳዕ ሎሚ ይውረ ኣሎ። 16  እቶም ዓሰርተው ሓደ ደቀ መዛሙርቲ ግና፡ ናብቲ የሱስ ዝበሎም ኣብ ገሊላ ዚርከብ ከረን ከዱ፣ 17  ምስ ረኣይዎ ድማ፡ ሰገዱሉ፣ ገሊኣቶም ግና ተጠራጠሩ። 18  የሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ። 19  ስለዚ፡ ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ 20  ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ ስርዓት ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።”

እግረ ጽሑፍ

ማቴ 28:9 * ወይ፡ “ኢድ ነስኣሉ።”