ምዕራፍ 35
ካብ ሞት ክንትንስእ ንኽእል ኢና!
እንተ ሞይትና: ኣምላኽ ኬተንስኣና ይደሊ ድዩ፧— እቲ ጻድቕ ሰብ ዝነበረ እዮብ ኣምላኽ ኬተንስኦ ኸም ዚደሊ ይኣምን ነይሩ እዩ። ስለዚ: ከም ዚመውት ኰይኑ ምስ ተሰምዖ: ንኣምላኽ ‘ንስኻ ኽትጽውዓኒ: ኣነውን ኪምልሰልካ እየ’ በለ። እዮብ: የሆዋ ኣምላኽ ኬተንስኦ ኸም ዚናፍቕ ወይ ኣጸቢቑ ኸም ዚደሊ እውን ተዛሪቡ እዩ።—እዮብ 14:14, 15
የሱስ: ልክዕ ከም ኣቦኡ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። ኪሕግዘና እውን ይደሊ እዩ። ሓደ ሕማም ደዌ ዝነበሮ ሰብኣይ ንየሱስ “እንተ ትፈቱስ: ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” ምስ በሎ: “ፈትየ አሎኹ” ኢሉ መለሰሉ። ነቲ ሕሙም ከኣ ካብ ሕማሙ ኣሕወዮ።—ማርቆስ 1:40-42
የሱስ ብዛዕባ ንቘልዑ ምፍቃር ካብ ኣቦኡ ተማሂሩ እዩ። የሆዋ ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሙ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ነገልገልቱ ተጠቒሙ ዝሞቱ ቘልዑ ኣተንሲኡ እዩ። ኤልያስ ንወዲ ሓንቲ ሰናይ ዝገበረትሉ ሰበይቲ ኼተንስኦ ንየሆዋ ለመኖ። የሆዋ 1 ነገስት 17:17-24፣ 2 ነገስት 4:32-37
ድማ ኣተንስኦ። የሆዋ ብኤልሳእ ኣገልጋሊኡ ተጠቒሙ ንሓደ ንእሽቶ ቘልዓ እውን ኣተንሲኡ እዩ።—የሆዋ ኣጸቢቑ ኸም ዜፍቅረና ምፍላጥሲ ዜሐጕስዶ ኣይኰነን፧— ብህይወት ክንነብር ከለና ጥራይ ኣይኰነን ዚሓስበልና። እንተ ሞትና እውን ከይተረፈ ይዝክረና እዩ። የሱስ: ኣቦኡ ነቶም ኪነብሩ ዚደልዮም ምዉታት ከም ዚዝክሮም ተዛሪቡ እዩ። (ሉቃስ 20:38) መጽሓፍ ቅዱስ ‘ሞት ኰነ ወይ ህይወት: ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ: ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ’ ይነግረና።—ሮሜ 8:38, 39
የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ: የሆዋ ንንኣሽቱ ቘልዑ ኸም ዚሓልየሎም ኣርእዩ እዩ። የሱስ ግዜ መዲቡ ንቘልዑ ብዛዕባ ኣምላኽ ይዛረቦም ከም ዝነበረ ትዝክሮ ኢኻ። ይኹን እምበር: ንንኣሽቱ ኻብ ምዉታት ንኼተንስኦም ኣምላኽ ሓይሊ ኸም ዝሃቦኸ ትፈልጥዶ፧— እስከ ሕጂ ብዛዕባ እቲ የሱስ ነታ ዕድሜኣ 12 ዓመት ዝነበረ ጓል ሓደ ያኢሮስ እተባህለ ሰብኣይ ዘተንስኣላ ግዜ ንዘራረብ።
ያኢሮስ ምስ ሰበይቱን ምስ ሓንቲ ጓሎምን ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ እዩ ዚነብር ነይሩ። ሓደ መዓልቲ እታ ጓል ሓመመት: ያኢሮስ ከኣ ክትመውት ምዃና ፈለጠ። ያኢሮስ: የሱስ ሕሙማት ኬሕዊ ኸም ዚኽእል ሰሚዑ ስለ ዝነበረ: ብዛዕባኡ ኺሓስብ ጀመረ። ስለዚ ድማ ንየሱስ ኪደልዮ ኸደ። ኣብ ገምገም ባሕሪ ገሊላ ንብዙሓት ሰባት እናመሃረ ኸሎ ድማ ረኸቦ።
ያኢሮስ ብማእከል እቶም ህዝቢ ሓሊፉ ኣብ እግሪ የሱስ ወደቐ። ንየሱስ ከኣ ‘ንእሽቶ ጓለይ ሓሚማ። በጃኻ መጺእካ ኸተሕውያ እልምነካ ኣሎኹ’ በሎ። የሱስ ሽዑ ንሽዑ ምስ ያኢሮስ ከደ። እቶም ነቲ ዓብዪ መምህር ኪርእይዎ ዝመጹ ህዝቢ እውን ስዒቦምዎም ከዱ። ርሕቕ ዝበለ መገዲ ምስ ተጓዕዙ ግን: ገለ ሰባት ካብ ቤት ያኢሮስ መጺኦም “ጓልካ ሞይታ: ደጊም ንመምህር ኣይተድክሞ” በልዎ።
የሱስ: ኪዛረቡ ኸለዉ ሰምዖም። ያኢሮስ ሓንቲ ጓሉ ብምስኣኑ ኽሳዕ
ክንደይ ከም ዝሓዘነ የሱስ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ኸኣ ‘ኣይትፍራህ: ብኣምላኽ ጥራይ እመን: ጓልካ ኽትሓዊ እያ’ በሎ። ኣብ ቤት ያኢሮስ ክሳዕ ዝበጽሑ መገዶም ቀጸሉ። ኣብታ ቤት ምስ በጽሑ ፈተውቲ እታ ስድራቤት ኪበኽዩ ጸንሕዎም። እታ ፈታዊቶም ዝዀነት ንእሽቶ ጓል ስለ ዝሞተት: ሓዚኖም ነበሩ። የሱስ ግን ‘ኣይትብከዩ: እታ ቘልዓ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር: ኣይሞተትን’ በሎም።የሱስ ከምኡ ምስ በሎም: እታ ጓል ከም ዝሞተት ስለ ዝፈለጡ ሰሓቕዎ። የሱስ: ደቂሳ እያ ዘላ ዝበለ ስለምንታይ ይመስለካ፧— ነቶም ሰባት እንታይ ኪምህሮም ዝደለየ ይመስለካ፧— ሞት ልክዕ ከም ከቢድ ድቃስ ምዃኑ ኺፈልጡ ስለ ዝደለዮም እዩ። ልክዕ ከምቲ ንሓደ ዝደቀሰ ሰብ ካብ ድቃሱ እነተንስኦ: ንሱውን ንሓደ ዝሞተ ሰብ ብሓይሊ ኣምላኽ ከተንስኦ ኸም ዚኽእል ኪምህሮም እዩ ደልዩ።
የሱስ: ብጀካ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን: ካልኦት ኵሎም ካብታ ቤት ከም ዝወጹ ገበረ። ሽዑ ናብቲ እታ ቘልዓ ዝደቀሰትሉ ቦታ ኸደ። ኢዳ ሒዙ ኸኣ “ኣቲ ጓል: ተንስኢ” በላ። ሽዑ ንሽዑ ተንሲኣ ተዛወረት። ኣቦኣን ኣዲኣን ኣዝዮም ተሓጐሱ።—ማርቆስ 5:21-24, 35-43፣ ሉቃስ 8:40-42, 49-56
ሕጂ ድማ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ሕሰብ። የሱስ ነታ ንእሽቶ ጓል ካብ ዮሃንስ 5:28, 29 NW
ሞት ኬተንስኣ ኻብ ከኣለ: ንኻልኦትከ ኼተንስኦም ይኽእል ድዩ፧— ብሓቂ ዜተንስኦምዶ ይመስለካ፧—እወ: ኼተንስኦም እዩ። የሱስ ባዕሉ “ኣብ ናይ ዝኽሪ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም [ድምጸይ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: . . . ኺወጹ እዮም” በለ።—የሱስ ሰባት ኬተንስእ ዚደሊዶ ይመስለካ፧— ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብነት ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ ኪሕግዘና እዩ። ኣብ ጥቓ ኸተማ ናይን ዘጋጠመ ነገር: የሱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዜ ቐብሪ ዚሓዝኑ ሰባት ከመይ ከም ዚስምዖ የርኢ።
ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ብዙሓት ሰባት ኰይና ወዳ ንምቕባር ካብ ከተማ ናይን ትወጽእ ነበረት። ሰብኣያ ሞይቱ እዩ ነይሩ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ሓደ ወዳ ሞተ። ኣየ ኽንደይ ኰን ሓዚና ኽትከውን ኣለዋ! ብዙሓት ተቐማጦ ናይን: ሬሳ ወዳ ኻብታ ኸተማ ኺወጽእ ከሎ ስዒቦምዎ ወጹ። እታ ሰበይቲ ትበኪ ነበረት: እቶም ሰባት ኬጸናንዕዋ ኣይከኣሉን።
ኣብታ መዓልቲ እቲኣ: የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ከተማ ናይን ይኸዱ ነበሩ። ኣብ ጥቓ እታ ኸተማ ምስ በጽሑ: ምስቶም ንወዲ እታ ሰበይቲ ኪቐብሩ ዚኸዱ ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ተራኸቡ። የሱስ ነታ እትበኪ ዝነበረት ሰበይቲ ምስ ረኣያ: ደንገጸላ። በቲ ብርቱዕ ሓዘና ልቡ ተተንከፈ። ኪሕግዛ ኸኣ ደለየ።
ስለዚ ኸኣ ምእንቲ ኽትሰምዖ ኣትርር ኣቢሉ ብለውሃት “ኣይትብከዪ” በላ። ኣቀራርባኡን ተግባሩን ኵሎም ሰባት ብሃንቀውታ ኸም ዚጥምትዎ ገበሮም። የሱስ ናብቲ ምዉት ምስ ቀረበ: ኵሎም እንታይ ኪገብር ምዃኑ ይሓስቡ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። የሱስ “ኣታ ጐበዝ: ተንስእ: እብለካ አሎኹ” ኢሉ ትእዛዝ ሃበ። እቲ ወዲ ሽዑ ንሽዑ ተንሲኡ ኾፍ በለ። ኪዛረብ እውን ጀመረ።—ሉቃስ 7:11-17
እታ ሰበይቲ እንታይ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ከም ዚኽእልሲ ሕስብ እሞ ኣብል! ብሞት እተፈልየካ እትፈትዎ ሰብ ተንሲኡ እንተ ትቕበሎ: እንታይ 2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 21:3, 4
ምተሰምዓካ፧— የሱስ ብሓቂ ንሰባት ከም ዜፍቅርን ኪሕግዞም ድማ ከም ዚደልን ዚሕብርዶ ኣይኰነን፧— ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ንሰባት ካብ ምዉታት ተንሲኦም ክትቅበሎም ከለኻ: ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ከም ዚኸውንሲ ሕስብ እሞ ኣብሎ!—ገለ ኻብቶም ቈልዑ እውን ዚርከብዎም እንፈልጦም ሰባት ኣብቲ ግዜ እቲ ኺትንስኡ እዮም። ልክዕ ከምቲ ያኢሮስ: የሱስ ንጓሉ ምስ ኣተንስኣ ዘለለያ: ንሕና እውን ከነለልዮም ኢና። ገሊኣቶም ከኣ ኣማእታት ወይ ኣሽሓት ዓመታት ይገብር ዝሞቱ እዮም። እዚኣቶም ቀደም ዝነበሩ ሰባት እኳ እንተዀኑ: ኣምላኽ ግን ኪዝክሮም እዩ።
የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ክሳዕ ክንድዚ ኸም ዜፍቅሩና ምፍላጥናስ ዜሐጕስዶ ኣይኰነን፧— ንሓጺር ግዜ ጥራይ ዘይኰነስ ንዘለኣለም ክንነብር እዮም ዚደልዩና።
ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዜሐጕስ ተስፋ በጃኻ ኢሳይያስ 25:8፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15፣ ከምኡውን 1 ቈረንቶስ 15:20-22 ኣንብብ።