ምዕራፍ 8
ካባና ንላዕሊ ኣለዉ
ካባይን ካባኻን ዚልዕሉ: ዚዓብዩ: ወይ ዚሕይሉ መንፈሳውያን ኣካላት ምህላዎም ከም እትሰማምዓሉ ርግጸኛ እየ። እቲ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ መንፈሳዊ ኣካል ግን መን እዩ ምበልካ፧— የሆዋ ኣምላኽ እዩ። እቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ ወዱኸ ኻባና ዚልዕል ድዩ፧—እሂናይ ደኣ!
የሱስ ምስ ኣቦኡ ኣብ ሰማይ እዩ ዚነብር ነይሩ። መንፈሳዊ ውሉድ ወይ መልኣኽ እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ካልኦት መላእኽቲ ወይ መንፈሳውያን ደቂኸ ፈጢሩ ድዩ፧— እወ: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ፈጢሩ እዩ። እዞም መላእኽቲ እዚኣቶም እውን እንተዀኑ ኻባና ዚልዕሉን ዚሕይሉን እዮም።—እብራውያን 1:7፣ ዳንኤል 7:10
እቲ ንማርያም እተዛረባ መልኣኽ ስሙ ትዝክሮዶ፧— ገብርኤል እዩ። ንማርያም እቲ እትወልዶ ሕጻን ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ነጊርዋ እዩ። ኣምላኽ ንህይወት እቲ መንፈሳዊ ወዱ ኣብ ውሽጢ ማርያም ኣንቢሩ ሕጻን ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኸም ዚውለድ ገበረ።—ሉቃስ 1:26, 27
ነዚ ተኣምር እዚ ትኣምነሉዶ ኢኻ፧ የሱስ ኣብ ሰማይ ምስ ኣቦኡ ይነብር ከም ዝነበረስ ትኣምንዶ፧— ንሱ ባዕሉ ምስ ኣቦኡ ይነብር ከም ዝነበረ ተዛሪቡ እዩ። የሱስ ብዛዕባ እዚ ኸመይ ገይሩ እዩ ፈሊጡ፧ ንእሽቶ ወዲ ኸሎ ምናልባት ማርያም ብዛዕባ እቲ ገብርኤል ዝበላ ነገር ነጊራቶ ኽትከውን ትኽእል እያ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ዮሴፍ ንየሱስ እቲ ናይ ሓቂ ኣቦኡ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ነጊርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ማቴዎስ 3:17) የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ እውን “ዎ ኣቦይ: ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ” ኢሉ ጸልዩ እዩ። (ዮሃንስ 17:5) እወ: የሱስ ናብ ሰማይ ተመሊሱ ኺነብር እዩ ዚጽሊ ነይሩ። ከመይ ገይሩ እዩ ኣብኡ ኺነብር፧— የሆዋ ኣምላኽ እንደገና ዘይርአ መንፈሳዊ ኣካል ወይ መልኣኽ ምስ ገበሮ ጥራይ እዩ።
የሱስ ምስ ተጠምቀ: ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኰይኑ “ወደይ እዚ እዩ” ብምባል ተዛሪቡ እዩ። (ሕጂ ድማ ሓንቲ ኣገዳሲት ሕቶ ኽሓተካ። ኵሎም መላእኽቲ ሰናያት ወይ ጥዑማትዶ ይመስለካ፧ እንታይ ምበልካ፧— እወ: ኵሎም ሰናያት ዝነበሩሉ እዋን ነይሩ እዩ። ምኽንያቱ ኸኣ የሆዋ ስለ ዝፈጠሮም እዩ: ኵሉ እቲ ንሱ ዝገበሮ ነገራት ከኣ ጽቡቕ ወይ ሰናይ እዩ። ጸኒሑ ግን ሓደ ኻብቶም መላእኽቲ ኽፉእ ኰነ። እዚ ኸመይ ኢሉ እዩ ዀይኑ፧
መልሱ ንኽንረኽቦ: ናብቲ ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ዝፈጠረሉ እዋን ክንምለስ ኣሎና። ገለ ሰባት እቲ ብዛዕባኦም ዚነግር ዛንታ ጽውጽዋይ እዩ: ይብሉ። እቲ ዓብዪ መምህር ግን ናይ ሓቂ ዛንታ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።
ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ኪፈጥሮም ከሎ ኣብ ሓደ ኤድን ዚበሃል ውቁብ ስፍራ ኣታኽልቲ እዩ ኣንቢርዎም። እቲ ቦታ እቲ: መናፈሻ ወይ ገነት እዩ ነይሩ። ኣዳምን ሄዋንን ብዙሓት ውሉዳት ወሊዶም ዓባይ ስድራቤት ኪምስርቱ: ኣብ ገነት ከኣ ንዘለኣለም ኪነብሩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።
ይኹን እምበር: ሓደ ኺመሃርዎ ዜድልዮም ኣገዳሲ ትምህርቲ ነበረ። እዚ ኸኣ ኣቐዲምና ተዘራሪብናሉ ኔርና። ንዝክሮ እንተደኣ ዄንና እስከ ንርአ።የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ካብቲ ኣብ ገነት ዝነበረ ፍረታት ኣእዋም ከም ድላዮም ኪበልዑ ነገሮም። ኪበልዑላ ዘይግብኦም ሓንቲ ኦም ግን ነበረት። ኣምላኽ ካብታ ኦም እንተደኣ በሊዖም ‘ሞት ኪሞቱ ምዃኖም’ ነገሮም። (ዘፍጥረት 2:17) ስለዚ: ኣዳምን ሄዋንን ኪመሃርዎ ዝነበሮም ትምህርቲ እንታይ እዩ፧—
ተኣዛዝነት እዮም ኪመሃሩ ነይርዎም። እወ: ብህይወት ንምንባር ንየሆዋ ኽንእዘዞ ኣሎና። ኣዳምን ሄዋን ንኣምላኽ ንእዘዘካ ኢና ጥራይ ኪብልዎ እኹል ኣይነበረን። ከም ዚእዘዝዎ ብግብሮም ኬርእይዎ ነበሮም። ንኣምላኽ እንተደኣ ተኣዚዞም: ከም ዜፍቅርዎን ገዛኢኦም ኪኸውን ከም ዚደልይዎን የርእዩ ማለት እዩ። ኣብ ገነት ከኣ ንዘለኣለም ኪነብሩ ይኽእሉ። ካብታ ኦም እንተደኣ በሊዖም ግን እንታይ እዩ ዜርኢ፧—
ምብላዖም በቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ነገራት ብሓቂ ዘይመማሰውቲ ምዃኖም እዩ ዜርኢ። ኣብኡ ኔርካ እንተ ትኸውን ንየሆዋ ምተኣዘዝካዮዶ፧— ኣዳምን ሄዋንን መጀመርታ ተኣዚዞምዎ እዮም። ይኹን እምበር: ሓደ ኻብኦም ንላዕሊ ዝዀነ ፍጡር ንሄዋን
ኣታለላ። ንየሆዋ ኸም ዘይትእዘዞ ድማ ገበራ። ንሱ መን እዩ፧—መጽሓፍ ቅዱስ ተመን ንሄዋን ከም እተዛረባ ይነግረና። ይኹን እምበር: ተመን ከም ዘይዛረብ ትፈልጥ ኢኻ። ከመይ ገይሩ ደኣ እዩ እሞ ኺዛረብ ክኢሉ፧— ሓደ መልኣኽ እቲ ተመን ይዛረብ ከም ዘሎ ኣምሲሉ ስለ ዘቕረቦ እዩ። ብሓቂ ግን እቲ መልኣኽ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እቲ መልኣኽ ክፉእ ነገራት ኪሓስብ ጀመረ። ኣዳምን ሄዋንን ኬምልኽዎ: ነቲ ዝበሎ ነገራት ኪገብሩ ደለዮም። ቦታ ኣምላኽ ኪወስድ ደለየ።
ስለዚ: እቲ ኽፉእ መልኣኽ ንሄዋን ሕማቕ ሓሳባት ኣሕደረላ። በቲ ተመን ኣቢሉ ‘ኣምላኽ: ሓቂ ኣይነገረኩምን። ካብታ ኦም እንተደኣ በሊዕኩም ኣይትሞቱን ኢኹም። ከም ኣምላኽ ጥበበኛታት ክትኰኑ ኢኹም’ በላ። ኣብኡ ኔርካ እንተ ትኸውን: ነቲ እተዛረቦ ነገር ምኣመንካዮዶ፧—
ሄዋን ነቲ ኣምላኽ ዘይፈቐደላ ነገር ክትምነ ጀመረት። ካብ ፍረ እታ ኽልክልቲ ኦም በልዐት። ንኣዳም ድማ ሃበቶ። ኣዳም ነቲ ተመን ዝበሎ ኣይኣመኖን። እንተዀነ ግን: እቲ ምስ ሄዋን ንምንባር ዝነበሮ ባህጊ ኻብቲ ንኣምላኽ ዝነበሮ ፍቕሪ ይብርትዕ ነበረ። ስለዚ: ንሱውን ካብታ ኦም እቲኣ በልዐ።—ዘፍጥረት 3:1-6፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:14
እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧— ኣዳምን ሄዋንን ሮሜ 5:12) መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ንሄዋን ሓስዩ እተዛረባ ሰይጣን ድያብሎስ ምዃኑ ይነግረና። እቶም ጸኒሖም ክፉኣት ዝዀኑ ኻልኦት መላእኽቲ ኸኣ ኣጋንንቲ ይበሃሉ።—ያእቆብ 2:19፣ ራእይ 12:9
ዘይፍጹማት ኰኑ: ኣሪጎም ከኣ ሞቱ። ዘይፍጹማት ስለ ዝዀኑ ድማ ኵሎም ደቆም እውን ከምኦም ዘይፍጹማት ኰኑ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣሪጎም ሞቱ። ኣምላኽ ኣይሓሰወን! ብህይወት ንምንባር ንዕኡ ኽንእዘዞ ኣሎና። (ሕጂ እምበኣር: እቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ገይሩ ዝፈጠሮ መልኣኽ ስለምንታይ ክፉእ ከም ዝዀነ ተረዲኡካዶ፧— ክፉእ ነገራት ኪሓስብ ስለ ዝጀመረ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኪኸውን ደለየ። ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ውሉዳት ኪወልዱ ኸም ዝነገሮም ስለ ዝፈልጥ ኵሎም ንዕኡ ኼምልኽዎ ደለየ። ኵሎም ሰባት ንኣምላኽ ከም ዘይእዘዙ ኺገብሮም እዩ ዚደሊ። ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ኣእምሮና ኽፉእ ነገራት ኬንብረልና ዚፍትን።—ያእቆብ 1:13-15
ድያብሎስ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ ዋላ ሓደ የለን እዩ ዚብል። ኣነን ንስኻን ንኣምላኽ ከም ዘይነፍቅሮ: ነቲ ኣምላኽ ክንገብሮ ዝነገረና ነገራት ከኣ ክንገብሮ ብሓቂ ኸም ዘይንደሊ ኣምሲሉ እዩ ዚዛረብ። ንየሆዋ እንእዘዞ ኺጥዕመና ኸሎ ጥራይ ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚዛረብ። ድያብሎስ ሓቁ ድዩ፧ ንሕና ኸምቲ ንሱ ዝበሎ ዲና፧
እቲ ዓብዪ መምህር: ድያብሎስ ሓሳዊ ኸም ዝዀነ ነጊሩና እዩ። የሱስ ንየሆዋ ብሓቂ ኸም ዜፍቅሮ ኣረጋጊጹ እዩ። ንኣምላኽ ኪጥዕሞ ኸሎ ጥራይ ኣይኰነን ዚእዘዞ ነይሩ። ካልኦት ሰባት ዕንቅፋት ኪፈጥሩሉ ኸለዉ እውን ከይተረፈ: ኵሉ ሳዕ ይእዘዞ ነይሩ እዩ። ንየሆዋ ኽሳዕ ሞት እሙን ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኪነብር ኢሉ ኻብ ሞት ዘተንስኦ።
ስለዚ: እቲ ዝዓበየ ጸላኢና መን እዩ ምበልካ፧— እወ: ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። ክትርእዮ ትኽእልዶ፧— ኣይትኽእልን ኢኻ። እንተዀነ ግን: ብህይወት ምህላዉን ካባና ንላዕሊ ምዃኑን ዝያዳና ሓይሊ ኸም ዘለዎን ንፈልጥ ኢና። ካብ ድያብሎስ ዚልዕል ግን መን እዩ፧— የሆዋ ኣምላኽ እዩ። ስለዚ: ኣምላኽ ኬዕቝበና ኸም ዚኽእል ንፈልጥ ኢና።
ንመን ከነምልኽ ከም ዘሎና ዚገልጽ እዚ ዚስዕብ ጥቕስታት ኣንብብ:- ዘዳግም 30:19, 20፣ እያሱ 24:14, 15፣ ምሳሌ 27:11፣ ከምኡውን ማቴዎስ 4:10