ትምህርቲ 37
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስራሕን ገንዘብን እንታይ ይብል፧
ብዛዕባ ስራሕ ወይ ገንዘብ ተጨኒቕካዶ ትፈልጥ፧ ዜድልየና እናማእረርና ንየሆዋ ዚግብኦ ኣምልኾ ምሃብ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘና ዚኽእል ግብራዊ ምኽሪ ይህበና እዩ።
1. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስራሕ እንታይ ይብል፧
ኣምላኽ ብስራሕና ኽንሕጐስ ይደልየና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሰብሲ . . . ብጻዕሩ ኻብ ምሕጓስ . . . ዚሓይሽ ሓንቲ እኳ የብሉን” ይብል እዩ። (መክብብ 2:24) የሆዋ ብትግሃት እዩ ዚዓዪ። ንሕና እውን ኣብነቱ ስዒብና ብትግሃት እንተ ዓዪና፡ ንዕኡ ባህ ነብሎ፡ ዕግበት እውን ንረክብ ኢና።
ስራሕ ኣገዳሲ እዩ። ካብቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ግና ከነቐድሞ የብልናን። (ዮሃንስ 6:27) የሆዋ ንዕኡ ቐዳምነት እንተ ሂብናዮ፡ ብስጋ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና ቓል ኣትዩልና ኣሎ።
2. ብዛዕባ ገንዘብ ኪህልወና ዚግባእ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እንታይ እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ “ገንዘብ ዕቝባ [ኸም] ዚኸውን” ዚገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ገንዘብ በይኑ ሓጐስ ከም ዘየምጽኣልና እውን የጠንቅቕ እዩ። (መክብብ 7:12) ስለዚ፡ ፍቕሪ ገንዘብ ከይነሕድር መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃቡ፡ “በቲ ዘሎኩም እውን ዕገቡ” ዚብል ምኽሪ ሂቡና ኣሎ። (እብራውያን 13:5 ኣንብብ።) በቲ ዘሎና ንዓግብ እንተ ዄንና፡ ይኣኽለና ዘይምባል ካብ ዜምጽኦ ብስጭት ንገላገል ኢና። ካብ ዘየድሊ ዕዳ ድማ ንስተር ኢና። (ምሳሌ 22:7) ካብ ሓደጋታት ጠላዕን ናይ ኣቋራጭ ሃብትን እውን ነምልጥ ኢና።
3. ከመይ ጌርና ኢና ንገንዘብና ብልግሲ ኽንጥቀመሉ እንኽእል፧
የሆዋ ለጋስ ኣምላኽ እዩ፣ ንሕና እውን “ለጋሳትን መማቐልትን” ብምዃን ንዕኡ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 6:18) ብገንዘብና ንክርስትያናዊት ጉባኤ ብምድጋፍ፡ ንእተሸገሩ ሰባት ብምሕጋዝ፡ ምናዳ ድማ ንክርስትያናት ብጾትና ብምርዳእ፡ ለጋሳት ክንከውን ንኽእል ኢና። የሆዋ በቲ እንህቦ መጠን ዘይኰነስ፡ በቲ ንምሃብ ዜለዓዕለና ድራኸ እዩ ዚግደስ። ካብ ልቢ ለጋሳት እንተ ዄንና፡ ሕጉሳት ንኸውን፡ ንየሆዋ እውን ባህ ነብሎ ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35 ኣንብብ።
ኣዕሚቝካ ዅዓት
ብዛዕባ ስራሕ ግቡእ ኣረኣእያ ምሓዝን ብዘሎካ ዕጉብ ምዃንን ዘለዎ ጥቕምታት ርአ።
4. ብስራሕካ ንየሆዋ ኣኽብሮ
ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ነቲ ብዛዕባ ስራሕ ዘሎና ኣረኣእያ ኺጸልዎ ይግባእ። ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
-
ኣብታ ቪድዮ፡ ካብቲ ጄሰን ኣብ ስራሑ ዝነበሮ ኣረኣእያን ኣካይዳኡን እንታይ መሲጡካ፧
-
ብዛዕባ ስራሑ ግቡእ ኣረኣእያ ንምሓዝ እንታይ ገይሩ፧
ቈሎሴ 3:23, 24 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
-
ብዛዕባ ስራሕ ዘሎና ኣረኣእያ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ስራሕ ኣገዳሲ እዩ። ካብቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ግና ከነቐድሞ የብልናን
5. ዕግበት ይጠቕመና
ብዙሓት ሰባት ብእተኻእሎም መጠን ብዙሕ ገንዘብ ኺድልቡ ይፍትኑ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ካብዚ እተፈልየ ምኽሪ እዩ ዚህበና። 1 ጢሞቴዎስ 6:6-8 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
-
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ክንገብር እዩ ዜተባብዓና፧
ብዙሕ ጥሪት እኳ እንተ ዘይብልና፡ ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና። ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
-
እዞም ስድራ ቤታት እዚኦም ብዙሕ ገንዘብ ዘይብሎም ክነሶም እንታይ እዩ ሕጉሳት ኪዀኑ ኣኽኢልዎም፧
እንተዀነ ግና፡ ብዙሕ ጥሪት እናሃለወና፡ ተወሳኺ እንተ ደሊናኸ፧ የሱስ ነዚ ሓደጋ እዚ ብምሳሌ ገይሩ ኣብሪህዎ ኣሎ። ሉቃስ 12:15-21 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
-
ካብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እንታይ ተማሂርካ፧—ፍቕዲ 15 ርአ።
ምሳሌ 10:22ን 1 ጢሞቴዎስ 6:10ን ኣንብብን ኣረኣእን። ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
-
እንታይ ብዝያዳ ዜገድስ ይመስለካ፧ ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነትዶ፡ ወይስ ብዙሕ ገንዘብ፧ ስለምንታይ፧
-
ደድሕሪ ገንዘብ ምጕያይ እንታይ ጸገማት የምጽእ፧
6. የሆዋ ዜድልየና የማልኣልና
ናይ ስራሕን ናይ ገንዘብን ጸገማት ነታ ኣብ የሆዋ ዘላትና እምነት ኪፍትና ይኽእል እዩ። ነዚ ናይ እምነት ፈተናታት ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ኸም እንኽእል ንምርኣይ፡ ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
-
ኣብታ ቪድዮ፡ እቲ ሓው እንታይ ጸገማት እዩ ኣጋጢምዎ፧
-
ነቲ ጸገማት ንምስጋር እንታይ እዩ ገይሩ፧
ማቴዎስ 6:25-34 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
-
የሆዋ ነቶም ንዕኡ ዜቐድሙ እንታይ ከም ዚገብረሎም እዩ ቓል ኣትዩ ዘሎ፧
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ንስድራይ ዜድሊ ንምምእራር ብትግሃት ክሰርሕ ኣሎኒ። ሰሙን ሰሙን ናብ ኣኼባታት ጉባኤ ክኸይድ ኣይክእልን እየ።”
-
ነቲ ንየሆዋ እተቕርቦ ኣምልኾ ቐዳምነት ምሃብ ብሉጽ ውሳነ ምዃኑ ዘእመነካ ኣየናይ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ፧
ጽማቝ
ዓለማዊ ስራሕን ገንዘብን ኣድላዪ እዩ፣ ንየሆዋ ኸይነገልግል ግና ዕንቅፋት ኪዀነና ኣይግባእን።
ክለሳ
-
ብዛዕባ ስራሕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንምሓዝ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
-
ዕግበት ብኸመይ ይጠቕመካ፧
-
ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ዜድልዮም ከም ዘማልኣሎም ዝኣተዎ ቓል ከም እትኣምን ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧
ዳህስስ
መጽሓፍ ቅዱስ ንገንዘብ ከም ክፉእ ገይሩ ዚገልጾ እንተ ዀይኑ መርምር።
እንታይ ዓይነት ምሃብ ንኣምላኽ ከም ዘሐጕሶ ፍለጥ።
ጠላዕ ጕድኣት ዘይብሉ መዘናግዒ ድዩ፧
ንሓደ ተጣላዕን ከታርን፡ ህይወቱ ኪቕይር ዝደረኾ እንታይ ምዃኑ ርአ።