ጥበብ
ናይ ሓቂ ጥበብ ንምርካብ እንታይ የድልየና፧
ናይ ሓቂ ጥበብ ካበይ ይርከብ፧
ጥበብ ንምርካብ ናብ ኣምላኽ ምጽላይሲ ግቡእ ድዩ፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
2ዜና 1:8-12—ንጉስ ሰሎሞን ንእስራኤል ብግቡእ ንምምሕዳር ዜኽእል ጥበብ ኪውሃቦ ጸለየ፣ የሆዋ ድማ በቲ ልማኖኡ ባህ በሎ
-
ምሳ 2:1-5—ጥበብን ኣእምሮን ምስትውዓልን ምስቲ ኽንደልዮ ዘሎና ሕቡእ መዝገብ ተመሳሲሉ ኣሎ፣ የሆዋ ድማ ነቶም ነዚ መዝገብ እዚ ብትግሃት ዚደልዩ ዘበሉ ዓስቦም ይህቦም እዩ
-
ብመንን ብምንታይን ኣቢሉ እዩ የሆዋ ጥበብ ዚህብ፧
ኢሳ 11:2፣ 1ቈረ 1:24, 30፣ 2:13፣ ኤፌ 1:17፣ ቈሎ 2:2, 3
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ምሳ 8:1-3, 22-31—ጥበብ ከም ሰብ ኰይና ተዛረበት፣ እቲ ንዓኣ እተዋህበ መግለጺ ድማ ነቲ በዅሪ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ ወዲ ኣምላኽ ይገልጾ
-
ማቴ 13:51-54—ንትምህርትታት የሱስ ዝሰምዑ ብዙሓት ሰባት እቲ ኣብ መንጎኦም ዝዓበየ ሰብ ከመይ ገይሩ ዓብዪ ጥበብ ኪህልዎ ኸም ዝኸኣለ ደንጸዎም
-
ጥበብ ኣምላኽ ከም ዘሎና ብኸመይ ይፍለጥ፧
ጥበብ እንተ ኣልዩና፡ ኣብ ህይወትና እንታይ መምርሕን ዕቝባን ኢና እንረክብ፧
እታ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነት ጥበብ ዋጋኣ ኽንደይ እዩ፧
እዮ 28:18 እውን ርአ
ንኣምላኽ ዕሽሽ ዚብል ጥበብ ዓለም ጐዳኢ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧