1ይ ክፋል
ንክርስቶስ “ንዓ ርአ”
የሱስ ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር ሰብ ኰይኑ ይነብር ነበረ፣ ኰይኑ ግና፡ ሎሚ እውን እተን “ንዓ ርአ” ዚብላ ቓላት ኣብ ወዲ ኣምላኽ ክንዓይየለን ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 1:46) እቲ ኣብ ወንጌል ዚርከብ ጸብጻባት ብዛዕባ ባህርያቱን ኣረኣእያታቱን መገድታቱን ንጹር ስእሊ ይስእለልና እዩ። ኣብዚ ኽፋል እዚ ብዛዕባ እቲ ጕሉሕ ባህርያት የሱስ ሓፈሻዊ ነጥብታት ኪውሃብ እዩ።