ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ኣርባዕተ

ንቤትኩም ብኸመይ ኢኹም ከተማሓድርዋ እትኽእሉ፧

ንቤትኩም ብኸመይ ኢኹም ከተማሓድርዋ እትኽእሉ፧

1. ኣብዚ እዋን እዚ ቤት ምምሕዳር ኣዝዩ ከቢድ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

 “ኵነታት ናይዛ ዓለም እዚኣ ይለዋወጥ ኢዩ ዘሎ።” (1 ቈረንቶስ 7:⁠31 NW  ) እዘን ቃላት እዚኣተን ልዕሊ 1,900 ዓመታት ይገብር እተጻሕፋ ኢየን: ኣብዚ እዋን እዚ ክሳዕ ክንደይ ኰን ሓቂ ኢየን! ብፍላይ ንስድራቤት ዝምልከት ነገራት ይለዋወጥ ኢዩ ዘሎ። እቲ ቅድሚ 40 ወይ ድማ 50 ዓመታት ድሓን ኢዩ ወይ ልሙድ ኢዩ ዝበሃል ዝነበረ ነገራት ኣብዚ እዋን እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ተቐባልነት የብሉን። በዚ ምኽንያት እዚ ቤትካ ብዓወት ንምምሕዳር ዓበይቲ ብድሆታት ዘምጽእ ክኽውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣቓልቦ እንተድኣ ተገይርሉ: ነዚ ብድሆታት እዚ ብዓወት ክትጋጠምዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ከም ዓቕምኹም ንበሩ

2. ኣብ ስድራቤት ቅልውላው ዘምጽእ እንታይ ዓይነት ናይ ቍጠባ ኵነታት ኢዩ፧

2 ኣብዚ እዋን እዚ መብዛሕትኦም ሰባት ቀሊል ዝዀነ ናይ ስድራቤት ናብራ ምንባር ኣየዕግቦምን ኢዩ። እቲ ንግዳዊ ትካላት እናበዝሐ ዝኸይድ ፍርያት ብምቕራብ: ንህዝቢ ክስሕብ ብምጽዓር ድማ ውሕልነት ብዘለዎ ኣገባብ እተዳለወ ሬክላማት ክጥቀም ከሎ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣቦታትን ኣዴታትን ነዚ ፍርያት እዚ መግዝኢ ገንዘብ ምእንቲ ክረኽቡ ኣብ ስራሕ ብዙሕ ሰዓታት የሕልፉ። ካልኦት ሚልዮናት ድማ ኣብ ኣፎም እትልከፍ ነገር ንምርካብ: መዓልታዊ ፋሕተርተር ይብሉ። ነቲ ዘድልዮም ነገራት መግዝኢ ዝኸውን ገንዘብ ንምርካብ ምናልባት ኣብ ክልተ ቦታታት እናሰርሑ: ካብቲ ናይ ቅድም ንላዕሊ ኣብ ስራሕ ግዜ የሕልፉ። ስራሕ ኣልቦነት ኣብ ኵሉ ዘሎ ግድል ብምዃኑ: ስራሕ ክረኽቡ ዝጽዕሩ ካልኦት እውን ኣለዉ። እወ: ነዘን ኣብዚ ዘመናዊ እዋን ዘለዋ ስድራቤታት ናብራ ኵሉ ግዜ ቀሊል ኣይኰነን: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ግን ስድራቤታት ምስ ኵነታተን ተሰማሚዐን እተኻእለን ንኽዓያ ይሕግዘን ኢዩ።

3. ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ስርዓት ኢዩ ዝገለጸ: ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ንሓደ ሰብ ቤት ኣብ ምምሕዳር ዕዉት ዝገብሮ ብኸመይ ኢዩ፧

3 ሃዋርያ ጳውሎስ ቍጠባዊ ጸገም ከመይ ምዃኑ ፈቲንዎ ኢዩ። ነቲ ዓርኩ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ደብዳበ ክጽሕፍ ከሎ ገሊጽዎ ከም ዘሎ: ነዚ ግድል እዚ ክዋጽኣሉ ከሎ ኣድላዪ ዝዀነ ትምህርቲ ተማሂሩ ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከአለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ: ንሱ ይእከለና።” (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠7, 8) ሓንቲ ስድራቤት ካብ መግብን ክዳንን ሓሊፉ ካልእ ከም ዘድልያ ሓቂ ኢዩ። እትነብረሉ ቦታ እውን ከድልያ ኢዩ። እቶም ቈልዑ ክማሃሩ የድልዮም ኢዩ። ንሕክምናን ካልእ ወጻኢታትን መሸፈኒ ዝኸውን ገንዘብ እውን ከድሊ ኢዩ። ገና ግን እቲ ጳውሎስ ዝበሎ ቃላት ሒዝዎ ዘሎ ስርዓት ኣብ ግብሪ ክውዕል ይኽእል ኢዩ። ኣብ ክንዲ እንብህጎ ነገራት ንምምላእ እንጽዕር: እቲ ዘድልየና ነገራት ብምርካብ ምስ እንዓግብ: ናብራ ዝቐለለ ኢዩ ዝኸውን።

4, 5. ኣርሒቕካ ምጥማትን ምውጣንን ቤት ኣብ ምምሕዳር ዝሕግዝ ብኸመይ ኢዩ፧

4 ካልእ ሓጋዚ ስርዓት ድማ ኣብ ሓንቲ ካብተን የሱስ ዝሃበን መብርሂታት ኢና እንረኽቦ። ከምዚ በለ:⁠- “ካባኻትኩምከ: ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ . . . ንመወድኢኡ ዚአኽሎ ገንዘብ እንተለዎ: ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ: እንታዋይ እዩ፧” (ሉቃስ 14:⁠28) ኣብዚ የሱስ ብዛዕባ ኣርሒቕካ ምሕሳብ: ኣቐዲምካ ምውሳን ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ። መንእሰያት ሰብኣይን ሰበይትን ክምርዓዉ ክሓስቡ ከለዉ እዚ ብኸመይ ክሕግዞም ከም ዝኽእል ኣብታ ዝሓለፈት ምዕራፍ ርኢና ነይርና። ሓዳር ምስ ተመስረተ እውን ቤት ኣብ ምእላይ ኣድላዪ ኢዩ። በዚ መዳይ እዚ ኣርሒቕካ ብምሕሳብ ባጀት ምምዳብ: ነቲ ዘሎካ ገንዘብ ጥበባዊ ብዝዀነ መገዲ ንምጥቃም ኣቐዲምካ ምውጣን ዘጠቓልል ኢዩ። በዚ መገዲ እዚ ሓንቲ ስድራቤት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ወይ ድማ ሰሙን ኣድላዪ ንዝዀነ ነገራት ገንዘብ ብምምዳብ: ከምኡውን ልዕሊ ዓቕማ ብዘይምንባር ወጻኢታት ክትቈጻጸር ትኽእል ኢያ።

5 ኣብ ገለ ሃገራት ከምዚ ዝኣመሰለ ባጀት ምድላው ማለት ብዝለዓለ ወለድ ብምልቃሕ ዘየድሊ ነገራት ንኽትዕድግ ዘሎካ ውሽጣዊ ድፍኢት ምቅዋም ማለት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ካልእ ድማ ኣብ ኣጠቓቕማ ክረዲት ካርድ ጽኑዕ ዝዀነ ምቍጽጻር ምግባር ማለት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 22:⁠7) ኣድላይነቱን ሳዕቤኑን ከይፈለጥካ ዝረኣኻዮ ናይ ምግዛእ ድፍኢት ምቍጽጻር ማለት እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ባጀት ምህላው ብስስዐ ገንዘብ ኣብ ጠላዕ: ትንባኾ ምትካኽ: ከምኡውን ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ምስታይ ምጥፋእ ንቝጠባ ናይታ ስድራቤት ዝጐድእ ከምኡውን ኣንጻር ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ ንጹር ዝገብር ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 23:⁠20, 21, 29⁠-​35፣ ሮሜ 6:⁠19፣ ኤፌሶን 5:⁠3⁠-​5

6. ነቶም ብድኽነት ዝነብሩ ዘለዉ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ኢዩ ክሕግዞም ዝኽእል፧

6 ብዛዕባ እቶም ብድኽነት ክነብሩ ዝግደዱኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ እዚ ዓለምለኻዊ ግድል እዚ ግዝያዊ ጥራይ ምዃኑ ምፍላጥ ዘጸናንዕ ኢዩ። የሆዋ ኣብታ እናቐረበት ትመጽእ ዘላ ሓዳስ ዓለም: ንድኽነት ምስ ካልእ ንደቅሰብ ስቓይ ዘምጽኣሉ ዘሎ ኵሉ ክፉእ ነገራት ሓዊሱ ከጥፍኦ ኢዩ። (መዝሙር 72:⁠1, 12⁠-​16) ክሳዕ ሽዑ ግን: ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣዝዮም ድኻታት እውን ይኹኑ ኣብቲ “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ዝብል መብጽዓ የሆዋ ስለ ዝኣምኑ ምሉእ ብምሉእ ተስፋ ኣይቈርጹን ኢዮም። ስለዚ ድማ ሓደ ኣማኒ ብምትእምማን “እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ: ኣይክፈርህን እየ” ክብል ይኽእል ኢዩ። (እብራውያን 13:⁠5, 6) ኣብዘን ጽንኩራት እዋናት እዚኣተን የሆዋ ኣምለኽቱ ምስ ስርዓታቱ ተሰማሚዖም ክነብሩ ከለዉን ኣብ ህይወቶም ድማ መንግስቱ ከቐድሙ ከለዉ ብብዙሕ መገድታት ደጊፍዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠33) ብዙሓት ካብኣቶም ነቲ “ትሕት ምባል እፈልጥ: ሕልፍን ትርፍን እፈልጥ እየ። ጽጋብን ጥሜትን ምስ ትርፉ ምህላውን ስእነትን: ኣብ ኵሉን ብዅሉን ልሙድ እየ። በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ዝብል ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ ሓቂ ምዃኑ ክርእይዎ ክኢሎም ኢዮም።​—⁠ፊልጲ 4:⁠12, 13

ነቲ ጾር ምክፋሉ

7. ኣየናይ የሱስ ዝበሎ ቃላት ኣብ ግብሪ ምስ ዝውዕል ኢዩ ቤት ኣብ ምምሕዳር ዝሕግዝ፧

7 የሱስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ምድራዊ ኣገልግሎቱ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” በለ። (ማቴዎስ 22:⁠39) ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብታ ስድራቤት ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ነታ ቤት ኣብ ምምሕዳር ኣጸቢቑ ይሕግዝ ኢዩ። እቶም ዝቐረቡን ዝኸበሩን ብጾትና እቶም ምሳና ኣብታ ስድራቤት ሓቢሮም ዝነብሩ​—⁠በዓል ቤትን በዓልቲ ቤትን: ወለድን ውሉዳትን​—⁠እንተድኣ ዘይኰይኖም ድኣ መን ኢዮም ክዀኑ፧ ኣባላት ስድራቤት ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

8. ኣብታ ስድራቤት ፍቕሪ ክግለጽ ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧

8 ሓደ ካብቲ መገዲ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ኣብቲ ኣብ ገዛ ዝግበር ዕዮ እጃሙ ብምብርካት ኢዩ። ስለዚ ድማ: ቈልዑ ምስ ተጻወቱ ክዳውንቲ ይኹን መጻወቲ ኣቑሑት ምእርናብ ክማሃሩ ኣለዎም። ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ዓራት ከተንጽፍ ግዜን ጻዕርን ይሓትት ይኸውን: ኣብቲ ምምሕዳር ቤት ግን ዓቢ ሓገዝ ኢዩ። ንግዜኡ ብትንትን ዝብል ንኣሽቱ ነገራት ዘይተርፍ ምዃኑ ሓቂ ኢዩ: ነታ ገዛ ጽፍፍቲ ንምግባር ከምኡውን ድሕሪ መግቢ ንምጽራይ ሓቢሮም ክዓዩ ይኽእሉ ኢዮም። ትህኪት: ገዛእ ርእስኻ ምፍታው: ከምኡውን ሸለል ናይ ምባል መንፈስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኢዩ ዘለዎ። (ምሳሌ 26:⁠14-16) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ሕጕስን ፍቓደኛ ናይ ምዃንን መንፈስ ምንጽብራቕ ሓጐስ ዘለዎ ናብራ ስድራቤት ከም ዝህሉ ዝገብር ኢዩ። “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ።”​—⁠2 ቈረንቶስ 9:⁠7

9, 10. (ሀ) መብዛሕትኡ እዋን እታ ኣብ ገዛ ዘላ ሰበይቲ እንታይ ጾር ኢያ እትስከም: እዚኸ ብኸመይ ክቃለል ይኽእል፧ (ለ) ብዛዕባ ዕዮ ገዛ እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኢዩ ተዋሂቡ ዘሎ፧

9 ሓልዮትን ፍቕርን ምህላው እቲ ኣብ ሓድሓደ ስድራቤታት ከቢድ ግድላት ዝኸውን ኵነታት ከየጋጥም ክከላኸል ይኽእል ኢዩ። ብልምዲ ኣብ ገዛ ዝውዕላ ኣዴታት ኢየን። ቈልዑ ይኣልያ: ገዛ የጽርያ: ናይቲ ስድራቤት ክዳውንቲ ይሓጽባ: ይሽምታን መግቢ የዳልዋን። ኣብ ገለ ሃገራት ኣንስቲ ኣብ ግርሁ ወፊረን ክሰርሓ: ፍርያት ኣብ ዕዳጋ ክሸጣ: ወይ ድማ ብኻልእ መገዲ ኣብ ባጀት እታ ስድራቤት ኣበርክቶ ክገብራ ልሙድ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኣብ ዘይተለምደሉ ቦታታት እውን ከይተረፈ: ነቲ ዘድሊ ነገራት ንምምላእ ብሚልዮናት ዝቝጸራ ኣንስቲ ሓዳር ካብ ገዝአን ወጻኢ ስራሕ ክደልያ ተገዲደን ኢየን። እተን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እተፈላለየ መዳያት ዝዓያ ሰብ ሓዳርን ኣዴታትን ክንኣዳ ዝግብአን ኢዩ። ከምታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ ‘ደገኛ ሰበይቲ’ ህርኩታት ኢየን። ‘እንጌራ ትህኪት ኣይበልዓን።’ (ምሳሌ 31:⁠10, 27) እዚ ግን ኣብ ገዛ እትሰርሕ ሰበይቲ ጥራይ ኢያ ማለት ኣይኰነን። ሰብኣይን ሰበይትን ክልቲኦም ምሉእ መዓልቲ ደገ ክሰርሑ ውዒሎም ምስ ኣተዉ: እቲ ሰብኣይን ካልኦት ኣባላት ስድራቤትን ክዘናግዑ ከለዉ እታ ሰበይቲ ንበይና ንዅሉ ዕዮ ገዛ ክትዓዮ ይግብኣዶ ኢዩ፧ ብርግጽ ከምኡ ኣይኰነን። (ምስ 2 ቈረንቶስ 8:⁠13, 14 ኣረኣእዮ።) ንኣብነት: እታ ሰበይቲ መግቢ ትቕርብ እንተድኣ ኣላ: እቶም ካልኦት ኣባላት እቲ ስድራቤት ጣውላ ብምቕራብ: ገለ ዝዕደግ ነገራት ብምዕዳግ: ወይ ድማ ነቲ ገዛ ብምጽራይ እንተድኣ ሓጊዞምዋ ደስ ክብላ ኢዩ። እወ: ነቲ ሓላፍነት ኵላቶም ክማቐልዎ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ምስ ገላትያ 6:⁠2 ኣረኣእዮ።

10 ገሊኣቶም “ኣብ ከባቢና ከምዚ ዝኣመሰለ ዕዮ ንሰብኣይ ዝምልከት ኣይኰነን” ይብሉ ይዀኑ። እዚ ሓቂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እንተዀነ ግን ነዚ ጕዳይ እዚ ቁሩብ እንተሓሰብናሉዶ ኣይምሓሸን፧ የሆዋ ስድራቤት ክምስርት ከሎ: ገለ እተፈልየ ስራሕ ብኣንስቲ ጥራይ ክግበር ኣለዎ ኢሉ ኣይኣዘዘን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: እቲ እሙን ዝነበረ ኣብርሃም ካብ የሆዋ ፍሉያት ኣጋይሽ ምስ መጽዎ: ነቶም ኣጋይሽ መግቢ ኣብ ምድላውን ምቕራብን ባዕሉ ተኻፊሉ ኢዩ። (ዘፍጥረት 18:⁠1-8) መጽሓፍ ቅዱስ ‘ሰብኡት ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ከፍቅርወን ይግብኦም’ ብምባል ይመክር። (ኤፌሶን 5:⁠28) እቲ ሰብኣይ ስለ ዝደኸመ ምሸት ከዕርፍ ዝደሊ እንተድኣ ኰይኑ: እታ ሰበይቲኸ ከምኡ ምናልባት እውን ካብኡ ዝያዳ ከተዕርፍ ኣይትደልንዶ ኢያ፧ (1 ጴጥሮስ 3:⁠7) ስለዚ እምብኣር: እቲ ሰብኣይ ኣብ ገዛ ክሕግዛስ ዝግባእን ናይ ፍቕሪ መግለጽንዶ ከይኰነ፧​—⁠ፊልጲ 2:⁠3, 4

11. የሱስ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ጽቡቕ ኣብነት ዝገደፈ በየናይ መገዲ ኢዩ፧

11 የሱስ ንየሆዋ ባህ ብምባልን ንብጾቱ ምንጪ ሓጐስ ብምዃንን እቲ ዝበለጸ ኣብነት ኢዩ። የሱስ ተመርዕዩ ዘይፈልጥ እኳ እንተዀነ: ንሰብኡት: ከምኡውን ንኣንስትን ቈልዑን ጽቡቕ ኣብነት ኢዩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ‘ወዲ ሰብ ኬገልግል እምበር ከገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን’ በለ። (ማቴዎስ 20:⁠28) ኵሎም እቶም ኣባላት ስድራቤት ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ምስ ዝዅስኵሱ እታ ስድራቤት ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢያ ሕጕስቲ እትኸውን!

ጽርየት ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

12. የሆዋ ካብቶም ዘገልግልዎ እንታይ ኢዩ ዝደሊ፧

12 ቤት ኣብ ምምሕዳር ክሕግዝ ዝኽእል ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓት ድማ ኣብ 2 ቈረንቶስ 7:⁠1 ዝርከብ ኢዩ። ኣብዚ ጥቕሲ እዚ “ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ” ዝብል ነንብብ። እቶም ነዘን መንፈስ ዝነፈሰን ቃላት እዚኣተን ዝእዘዙ ሰባት ኣብ ቅድሚ እቲ “ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ” ዝደሊ የሆዋ ተቐባልነት ይረኽቡ ኢዮም። (ያእቆብ 1:⁠27) ስድራቤቶም ድማ በረኸት ትረክብ።

13. ቤት ኣብ ምምሕዳር ጽርየት ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧

13 ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ሕማምን ምጽላእን ዘይህልወሉ እዋን ከም ዝመጽእ የረጋግጸልና ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ‘ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሓደ እኳ ሕማቕ [“ሕሙም:” NW  ] ኢየ ኣይክብልን ኢዩ።’ (ኢሳይያስ 33:⁠24፣ ራእይ 21:⁠4, 5) ክሳዕ ሽዑ ግን ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ንዘጋጥማ ሕማም ክትዋጽኣሉ ኣለዋ። ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ከይተረፉ ይሓሙ ነይሮም ኢዮም። (ገላትያ 4:⁠13፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:⁠23) ናይ ሕክምና ክኢላታት ግን ገለ ሕማማት ክትከላኸሎ ይከኣል ምዃኑ ይዛረቡ ኢዮም። መስተውዓልቲ ስድራቤታት ካብቲ ንስጋን መንፈስን ዘርክስ ነገራት እንተድኣ ርሒቖም ካብ ገለ ክትከላኸሎ እትኽእል ሕማማት ክድሕኑ ይኽእሉ ኢዮም። ብኸመይ ከም ዝከኣል እስከ ንርኣዮ።​—⁠ምስ ምሳሌ 22:⁠3 ኣረኣእዮ።

14. ስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህና ንሓንቲ ስድራቤት ካብ ሕማም ክከላኸለላ ዝኽእል በየናይ መገዲ ኢዩ፧

14 መንፈሳዊ ንጽህና ስነ-ምግባራዊ ንጽህና እውን ዘጠቓልል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ዝለዓለ ናይ ስነ-ምግባር መለክዒ ከም ዘለዎ: ካብ መርዓ ወጻኢ ንዝግበር ዝዀነ ይኹን ጾታዊ ርክብ ድማ ከም ዝዅንኖ እተፈልጠ ኢዩ። “ኣመንዝራታት: . . . ዘመውቲ: ወይ ሕንቁቓት: ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ . . . ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።” (1 ቈረንቶስ 6:⁠9, 10) እዞም ኣብዛ ብዕልግቲ ዓለም ዝነብሩ ዘለዉ ክርስትያናት ነዚ ጽኑዕ ዝዀነ መለክዒታት እዚ ክሕልውዎ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። ከምዚ ምግባር ንኣምላኽ ባህ የብሎ: ነታ ስድራቤት ድማ ካብቲ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ከም በዓል አይድስ: ፍንጣጣ: ጅግል ዝኣመሰለ ሕማማት የዕቁባ።​—⁠ምሳሌ 7:⁠10-23

15. ዘየድሊ ሕማማት ከምጽእ ዝኽእል ኣብነት ጕደለት ጽርየት ሃቡ።

15 ካብቲ ‘ንስጋ ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስኻ ምንጻህ’ ነታ ስድራቤት ካብ ካልእ ሕማማት እውን ክከላኸለላ ይኽእል። ብዙሕ ዓይነት ሕማማት ብሰንኪ ጕድለት ጽርየት ዝመጽእ ኢዩ። እቲ ቀዳማይ ኣብነት ወልፊ ምትካኽ ሽጋራ ኢዩ። ሽጋራ ምትካኽ ንሰናቡእ: ክዳውንቲ: ከምኡውን ንኣየር የበላሹ ጥራይ ዘይኰነስ ሰባት ከም ዝሓሙ እውን ይገብር ኢዩ። ብሰንኪ ምትካኽ ትምባኾ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ይሞቱ። ሕስብ እሞ ኣብልዎ: ነቲ ‘ንስጋ ዘርክስ’ ዘበለ እንተዘርሕቑ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ሓሚሞም ቀልጢፎም ኣይምሞቱን ነይሮም ማለት ኢዩ!

16, 17. (ሀ) እንታይ የሆዋ ዝሃቦም ሕጊ ኢዩ ንእስራኤላውያን ካብ ገለ ሕማማት ዝከላኸለሎም ዝነበረ፧ (ለ) መንፈስ ናይቲ ኣብ ዘዳግም 23:⁠12, 13 ዘሎ ስርዓት ኣብ ስድራቤት ክውዕል ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

16 ካልእ ኣብነት ድማ ርኣዩ። 3,500 ዓመታት ይገብር ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ኣምልኽኦም: ከምኡውን ብእተወሰነ ደረጃ መዓልታዊ ናብርኦም ምእላይ ክኽእሉ ኢሉ ሕጊ ሃቦም። ገለ መሰረታዊ ዝዀነ ንጽርየት ዝምልከት መምርሒታት ብምስራዕ እቲ ሕጊ ነቲ ህዝቢ ካብ ሕማም ክከላኸለሉ ክኢሉ ኢዩ። ሓደ ካብቲ ሕግታት ንናይ ሰባት ቀልቀል ዝምልከት ኢዩ: እቲ ሰብ ዝነብረሉ ቦታ ምእንቲ ከይብከል ቀልቀል ካብቲ ሰፈር ወጻኢ ክቕበር ነበሮ። (ዘዳግም 23:⁠12, 13) እዚ ጥንታዊ ሕጊ እዚ ገና ጠቓሚ ዝዀነ ምኽሪ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ እውን ከይተረፈ ነዚ ስርዓት እዚ ብዘይምስዓቦም ሰባት ይሓሙን ይሞቱን ኣለዉ። a

17 ምስ መንፈስ ናይቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ ብምስምማዕ: እታ ስድራቤት እትጥቀመሉ መሕጸብ ነፍስን ዓይኒ ምድርን​—⁠ኣብ ውሽጢ እቲ መንበሪ ይኹን ወጻኢ ብዘየገድስ ጽሩይን ካብ ብከላ ናጻን ገይርካ ክተሓዝ ይግባእ። እቲ ዓይኒ ምድሪ ረሳሕን ዘይተሸፈነን እንተድኣ ኰይኑ: ኣብኡ ሃመማ ይእከቡ ነቶም ደቀቕቲ ህዋሳት ድማ ናብ ካልእ ክፍሊ ናይቲ ገዛ ከምኡውን ናብቲ እንበልዖ መግቢ ከም ዝዝርግሑ ይገብርዎም! ኣብ ርእሲ እዚ ቈልዑን ዓበይትን ካብ ዓይኒ ምድሪ ድሕሪ ምውጽኦም ኣእዳዎም ክሕጸቡ የድሊ። እንተዘይኰነ ግን: ኣብ ቈርበቶም ደቀቕቲ ህዋሳት ሒዞም ይወጹ ኢዮም። ሓንቲ ፈረንሳዊት ሓኪም ከም ዝበለቶ “ኣእዳው ምሕጻብ ገና ሓደ ካብቲ ንምሕቃቕ መግቢ: ምትንፋስ: ወይ ድማ ንቘርበት ዝምልከት ሕማማት ዝከላኸል ዝበለጸ መገዲ ኢዩ።”

ንነገራት ኣጽሪኻ ምሓዝ ኣፋውስ ካብ ምግዛእ ይሓስር

18, 19. ድኽነት ኣብ ዘለዎ ኣከባቢ እውን ከይተረፈ ጽሩይ ገዛ ክህልወካ እንታይ ሓሳባት ኢዩ ተዋሂቡ ዘሎ፧

18 ኣብ ሓደ ድኽነት ዘለዎ ከባቢ ንጽህና ክትሕሉ በዳሂ ምዃኑ ሓቂ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣከባቢ ዝፈልጥ ሓደ ሰብ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እቲ ኣዝዩ ውዑይ ዝዀነ ናይ ኣየር ኵነታት ነቲ ናይ ምጽራይ ዕዮ ዕጽፊ ይገብሮ። ኣዝዩ ድኹም ዝዀነ ደሮና ንነፍሲ ወከፍ ከፋት ነገር ይኣትዎ። . . . ኣብ ከተማታትን ኣብ ገለ ገጠራትን ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ እውን ናይ ጥዕና ጸገማት ዝፈጥር ኢዩ። ክፉት ዝዀነ ናይ ማይ መተሓላለፊ: እተበታተነ ጐሓፍ: ረሳሕ ዝዀነ ናይ ህዝቢ ዓይኒ ምድሪ: ሕማም ዘመሓላልፋ ኣናጹ: ድዱዕ: ከምኡውን ሃመማ ኣብ ዝዀነ ቦታ እትረኽቦ ነገራት ኢዩ ኰይኑ ዘሎ።”

19 ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ከሎኻ ጽሩይ ክትከውን ከቢድ ኢዩ። ገና ግን ጻዕሪ ክግበሮ ዘለዎ ነገር ኢዩ። ሳምናን ማይን ከምኡውን ውሑድ ተወሳኺ ጻዕሪ ምግባር ካብቲ ነፋውስን ሆስፒታላትን እተውጽኦ ገንዘብ ዝሓስር ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣከባቢታት እትነብሩ እንተድኣ ኴንኩም: ብእተኻእለኩም መጠን ገዛኹምን ገበላኹምን ንጹህ ካብ ዒባ ድማ ናጻ ገይርኩም ሓዝዎ። ናብ ኣባይትኹም ዘእቱ መገዲ ኣብ ግዜ ክረምቲ ጭቃ ዘለዎ እንተድኣ ኰይኑ: ጭቃ ናብ ኣባይትኹም ከይኣቱ ምእንቲ ሑጻ ወይ ድማ ኣእማን ክትገብርሉ ትኽእሉዶ ኢኹም፧ ኣስካርባ ወይ ድማ ሳንደል ትወድዩ እንተድኣ ኴንኩም: ቅድሚ ናብ ገዛ ምእታውኩም ከተውጽእዎ ትኽእሉዶ፧ እቲ እትረኽብዎ ማይ እውን ካብ ብከላ ናጻ ገይርኩም ክትሕዝዎ ኣለኩም። ኣብ ዓመት ዳርጋ ክልተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ዝሞቱ ብሰንኪ ረሳሕ ማይን ጕድለት ንጽህናን ምዃኑ ተገሚቱ ኣሎ።

20. እቲ ገዛ ጽሩይ ክኸውን እንተድኣ ኰይኑ: ሓላፍነት ኣብ ምስካም መን ኢዩ ክካፈል ዘለዎ፧

20 ጽሩይ ገዛ ንምህላው ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ​—⁠ኣደ: ኣቦ: ቈልዑ: ከምኡውን በጻሕቲ እተመርኰሰ ኢዩ። ሓንቲ ኣብ ኬንያ ዘላ ኣደ ሾሞንተ ቈልዑ “ኵላቶም አእጃሞም ክገብሩ ተማሂሮም ኢዮም” ትብል። ጽሩይ: እርኑብ ገዛ ምህላው ንብምልእቲ ስድራቤት ዘንጸባርቕ ኢዩ። “ኣብ መንጎ ድኽነትን ንጽህናን ዝጋጮ ነገር የሎን” ዝብል ናይ ስጳኛ ምስላ ኣሎ። ሓደ ሰብ ኣብ ዓቢ ገዛ: ኣፓርታማ: ማእከላይ ቤት: ወይ ድማ ኣብ ኣጕዶ ይንበር ብዘየገ​ድስ ጥዕና ዘለዎ ስድራቤት ንኽህሉ ጽርየት እቲ ቀንዲ መፍትሕ ኢዩ።

ምትብባዕ ከም እንብልጽግ ይገብረና

21. ምስ ምሳሌ 31:​28 ብምስምማዕ: ሓንቲ ስድራቤት ሓጐስ ንኽትረክብ እንታይ ኢዩ ክሕግዝ ዝኽእል፧

21 ብዛዕባ እታ ደገኛ ሰበይቲ ክትዛረብ ከላ መጽሓፍ ምሳሌ ከምዚ ትብል:- “ደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ: ሰብኣያ ድማ . . . ይንእዳ።” (ምሳሌ 31:⁠28) ንሓደ ኣባል ስድራቤትካ ዝንኣድካዮ ናይ መወዳእታ መዓልቲ መዓስ ኢዩ፧ ብሓቂ ከምቲ ኣብ ግዜ ክረምቲ ሙቐትን ጠልን ምስ ረኸበ ንኽዕንብብ ድሉው ዝኸውን ኣትክልቲ ኢና። ኣብ ኵነታትና እንተድኣ ርኢናዮ ካብ ናእዳ ዝርከብ ሙቐት ንደሊ ኢና። ንሓንቲ በዓልቲ ቤት ሰብኣያ ነቲ እትገብሮ ጻዕርን ፍቕራዊ ሓልዮትን ከም ዘማስወሉ: ስቕ ኢሉ ከየስተብሃለሉ ዝሓልፍ ነገር ከም ዘይኰነ ክትፈልጥ ይሕግዛ። (ምሳሌ 15:⁠23፣ 25:⁠11) እታ ሰበይቲ እውን ነቲ ሰብኣይ ኣብ ገዛን ካብ ገዛ ወጻእን ዝገብሮ ነገራት ክትንእድ ከላ ባህ ዘብል ነገር ኢዩ። ቈልዑውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ገዛ: ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ድማ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘርእይዎ ጻዕርታት ወለዶም ክንእድዎም ከለዉ ዕቤት የርእዩ ኢዮም። ንእሽቶ ምስጋና ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢያ እትዓምም! “አመስግነካ” ምባል ክንደይ ኢዩ ዘውጽእ፧ ዋላ ሓንቲ ኣየውጽእን ኢዩ: ነቲ ናይ ስድራቤት ሞራል ኣብ ምህናጽ ግን ዓቢ ኣበርክቶ ኣለዎ።

22. ሓንቲ ስድራቤት ‘ንኽትጸንዕ’ እንታይ ኢዩ ዘድሊ: እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧

22 ብእተፈላለየ ምኽንያታት ቤት ምምሕዳር ቀሊል ኣይኰነን። ገና ግን ብዓወት ክግበር ዝከኣል ነገር ኢዩ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ “ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ: ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ” ይብል። (ምሳሌ 24:⁠3) እቶም ኣብታ ስድራቤት ዘለዉ ኵላቶም ፍቓድ ኣምላኽ ክማሃሩን ኣብ ህይወቶም ድማ ከውዕልዎን ምስ ዝጽዕሩ ጥበብን ምስትውዓልን ክጥረ ይከኣል ኢዩ። ሕጕስቲ ስድራቤት ንምጥራይ ብሓቂ ጻዕሪ ክግበሮ ዝግባእ ኢዩ!

a ካብ ሕማም ውጽኣት​—⁠ንብዙሓት ቈልዑት ንኽሞቱ ምኽንያት ዝኸውን ልሙድ ሕማም​—⁠ብኸመይ ከም እትከላኸል ኣብ ዝገልጽ መምርሒ መጽሓፍ ዎርልድ ሄልዝ ኦርጋናይዘሽን ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ዓይኒ ምድሪ እንተድኣ ዘየለ፣ ካብቲ ገዛ: ከምኡውን ካብቲ ቈልዑ ዝጻወትሉ ቦታ: ካብቲ ማይ እትቐድሕሉ ቦታ ድማ እንተ ወሓደ 10 ሜትሮ ርሒቕኩም ቀልቀል ውጹ፣ ነቲ ቀልቀልኩም ከኣ ቅበርዎ።”