ምዕራፍ ዓሰርተው ክልተ
ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
1, 2. ገለ ኻብቶም ኣዕሩኽ የሆዋ መን እዮም፧
ዓርክኻ ኪኸውን እትድልዮ ኸመይ ዝበለ ሰብ እዩ፧ እትፈትዎን ዚሰማምዓካን ዚርድኣካን ሰብ ከም እትሓሪ ርዱእ እዩ። ዓርክኻ እተድንቖ ጽቡቕ ባህርያት ዘለዎ ሰብ ኪዀነልካ ኢኻ እትደሊ።
2 የሆዋ ኣምላኽ ንገሊኦም ሰባት ፈተውቱ፡ ወይ ኣዕሩኹ ኪዀኑ መሪጽዎም እዩ። ንኣብነት፡ ኣብርሃም ሓደ ኻብ ኣዕሩኽ የሆዋ እዩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 41:8፣ ያእቆብ 2:23) የሆዋ ንዳዊት እውን ይፈትዎ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ ዳዊት ከኣ፡ “ከም ልበይ ዝዀነ ሰብኣይ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:22) ነብዪ ዳንኤል እውን ብየሆዋ ‘ኣዝዩ ዚፍቶ’ እዩ ነይሩ።—ዳንኤል 9:23።
3. ኣብርሃምን ዳዊትን ዳንኤልን ኣዕሩኽ የሆዋ ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧
3 ኣብርሃምን ዳዊትን ዳንኤልን ኣዕሩኽ የሆዋ ኪዀኑ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ የሆዋ ንኣብርሃም፡ “ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ” በሎ። (ዘፍጥረት 22:18) እወ፡ የሆዋ ነቶም ዚእዘዝዎ ዓርኮም ይኸውን እዩ። ውልቀ ሰባት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ህዝቢ እውን ከይተረፈ ኣዕሩኹ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል፡ “ድምጸይ ተኣዘዙ እሞ፡ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ንስኻትኩም ድማ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም” በሎም። (ኤርምያስ 7:23) ንስኻ እውን ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን እንተ ደሊኻ፡ ክትእዘዞ ኣሎካ።
የሆዋ ንኣዕሩኹ የዕቍቦም
4, 5. የሆዋ ንኣዕሩኹ ዜዕቍቦም ብኸመይ እዩ፧
4 የሆዋ “ስለ እቶም ልቦም ምሉእ ብምሉእ ናብኡ ዝዀነ ብርታዐኡ ምእንቲ ኼርኢ” ኣጋጣሚታት ከም ዚደሊ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። (2 ዜና መዋእል 16:9) ኣብ መዝሙር 32:8፡ የሆዋ ንኣዕሩኹ፡ “ልቦና ኽህበካ፡ እታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ኽምህረካ እየ። ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ገይረ ኽመኽረካ እየ” ኢሉ ቓል ኣትዩሎም ኣሎ።
5 ሓደ ሓያል ጸላኢ ግና ኣዕሩኽ ኣምላኽ ከይንኸውን ኪዓግተና ይደሊ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ የዕቍበና እዩ። (መዝሙር 55:22 ኣንብብ።) ኣዕሩኽ የሆዋ ስለ ዝዀንና፡ ብምሉእ ልብና ኢና ንዕኡ እነገልግሎ። ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ እውን ንዕኡ እሙናት ንኸውን ኢና። ከምቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝነበሮ ዓይነት ምትእምማን ድማ እዩ ዘሎና። ንሱ ብዛዕባ የሆዋ፡ “ብየማነይ ስለ ዝዀነ፡ ከቶ ኣይናወጽን እየ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 16:8፣ 63:8) ሰይጣን ኣዕሩኽ ኣምላኽ ከይንኸውን ኪዓግተና ዚፍትን ግና ብኸመይ እዩ፧
ሰይጣን ዘቕረቦ ኽሲ
6. ሰይጣን ብዛዕባ ሰባት እንታይ ኢሉ እዩ ኸሲሱ፧
6 ኣብ ምዕራፍ 11 ኸም ዝረኣናዮ፡ ሰይጣን ንየሆዋ ተቓዊምዎ እዩ። የሆዋ ኸም ዝሓሰወ፡ ንኣዳምን ንሄዋንን ባዕላቶም ቅኑዕን ጌጋን እንታይ ከም ዝዀነ ኺውስኑ ብዘይምሕዳጉ ድማ ዘይፍትሓዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሩ ኸሲስዎ እዩ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ እዮብ፡ ሰይጣን ነቶም ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኪዀኑ ዚደልዩ ሰባት እውን ከም ዝኸሰሶም ትገልጸልና እያ። ኣብታ መጽሓፍ ከኣ፡ ሰባት ንኣምላኽ ዜገልግልዎ ስለ ዜፍቅርዎ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ገለ ነገር ኪረኽቡ ስለ ዚደልዩ ኸም ዝዀነ ሰይጣን ተዛሪቡ እዩ። ንዅሎም ሰባት ካብ ኣምላኽ ኬርሕቖም ከም ዚኽእል እውን ገሊጹ እዩ። እምበኣር፡ ካብ እዮብ እንታይ ከም እንምሃርን የሆዋ ብኸመይ ከም ዜዕቍበናን እስከ ንርአ።
7, 8. (ሀ) የሆዋ ብዛዕባ እዮብ ከመይ ዓይነት ኣረኣእያ ነይርዎ፧ (ለ) ሰይጣን ብዛዕባ እዮብ እንታይ እዩ ኢሉ፧
7 እዮብ እንታዋይ እዩ ነይሩ፧ 3,600 ዓመት ይገብር ዚነብር ዝነበረ ቕኑዕ ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብ ምድሪ ኸም እዮብ 1:8) እወ፡ ናይ ሓቂ ዓርኪ የሆዋ እዩ ነይሩ።
እዮብ ዝበለ ሰብ ከም ዘይነበረ የሆዋ ተዛሪቡ እዩ። እዮብ ንኣምላኽ ኣዝዩ ዜኽብርን ክፉእ ዘበለ ዚጸልእን ሰብ እዩ ነይሩ። (8 እዮብ ንኣምላኽ ዜገልግሎ ምእንቲ ጥቕሚ ርእሱ ኢሉ ኸም ዝዀነ እዩ ሰይጣን ተዛሪቡ። ሰይጣን ንየሆዋ ኸምዚ በሎ፦ “ንስኻ ኣብ ዙርያኡን ኣብ ዙርያ ቤቱን ኣብ ዙርያ ዘለዎ ዅሉንዶ ዜዕቍቦ ሓጹር ጌርካሉ የለኻን፧ ንተግባር ኣእዳዉ ባሪኽካዮ፡ ማሉ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ኣስፋሕፊሐን ኣለዋ። ግናኸ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ እንዶ ንዘለዎ ዅሉ ውቕዓዮ፡ ብርግጽ ከኣ ኣብ ገጽካ ኺረግመካ እዩ።”—እዮብ 1:10, 11።
9. የሆዋ ንሰይጣን እንታይ ኪገብር እዩ ፈቒዱሉ፧
9 ሰይጣን ንእዮብ፡ ንኣምላኽ ዜገልግሎ ኻብኡ ጥቕሚ ምእንቲ ኺረክብ ኢሉ ኸም ዝዀነ እዩ ዚኸስሶ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ንየሆዋ ኸም ዘየገልግሎ ኺገብሮ ኸም ዚኽእል ተዛረበ። የሆዋ ግና ዘረባ ሰይጣን ሓሶት ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ፡ እዮብ ንዕኡ ዜፍቅሮ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ምእንቲ ኼርኢ ብሰይጣን ኪፍተን ፈቐደ።
ሰይጣን ንእዮብ ኣጥቅዖ
10. ሰይጣን ንእዮብ ዘጥቅዖ ብኸመይ እዩ፧ እዮብከ እንታይ ገበረ፧
10 መጀመርታ፡ ሰይጣን ናይ እዮብ ዘበላ እንስሳታት፡ ገሊአን ከም ዚስረቓ፡ ገሊአን ከኣ ከም ዚቕተላ ገበረ። ድሕሪኡ፡ ንመብዛሕትኦም ኣገልገልቲ እዮብ ቀተሎም። እዮብ ድማ ዝነበሮ ዅሉ ሰኣነ። ኣብ መወዳእታ፡ ሰይጣን ብህቦብላ ንፋስ ገይሩ ንዓሰርተ ደቂ እዮብ ቀተሎም። ይኹን እምበር፡ እዮብ ንየሆዋ እሙን ኰነ። “በዚ ዅሉ፡ እዮብ ኣይሓጥአን፡ ንኣምላኽ እውን ከም ዝበደለ ገይሩ ኣይከሰሶን።”—እዮብ 1:12-19, 22።
11. (ሀ) ሰይጣን ንእዮብ እንታይ ካልእ ነገር እዩ ገይርዎ፧ (ለ) እዮብ እንታይ ገበረ፧
11 ሰይጣን በዚ ተስፋ ኣይቈረጸን። ንኣምላኽ፡ “ንዓጽሙን ስጋኡን ውቕዓዮ፡ ብርግጽ ከኣ ኣብ ገጽካ ኺረግመካ እዩ” በሎ። ስለዚ፡ ሰይጣን እዮብ 2:5, 7) ሽዑ እውን እንተ ዀነ፡ እዮብ ንየሆዋ እሙን ኰነ። “ክሳዕ ሞተይ ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ” ድማ በለ።—እዮብ 27:5።
ንእዮብ ዜሳቒ ሕማም ከም ዚሓምም ገበሮ። (12. ሰይጣን ሓሳዊ ኸም ዝዀነ እዮብ ዘረጋገጸ ብኸመይ እዩ፧
12 እዮብ ብዛዕባ እቲ ሰይጣን ዘልዓሎ ኽሲ ዀነ ስለምንታይ መከራ ይወርዶ ኸም ዘሎ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ጠንቂ ጸበባኡ የሆዋ ኸም ዝዀነ ሓሰበ። (እዮብ 6:4፣ 16:11-14) ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ እሙን ኰይኑ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንጥቕሚ ርእሱ ኢሉ ንኣምላኽ ከም ዘየገልግሎ፡ የግዳስ፡ ዓርኪ ኣምላኽ ዝዀነ፡ ስለ ዜፍቅሮ ምዃኑ ተረጋገጸ። ኵሉ ኽስታት ሰይጣን ሓሶት እዩ ነይሩ።
13. ተኣማንነት እዮብ እንታይ ውጽኢት እዩ ነይርዎ፧
13 እዮብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ ዚግበር ዝነበረ ነገራት ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ንኣምላኽ እሙን ኰይኑ፡ ሰይጣን እኩይ ምዃኑ ድማ ኣረጋጊጹ እዩ። የሆዋ ኸኣ ንእዮብ ስለቲ ተኣማንነቱ ባረኾ።—እዮብ 42:12-17።
ሰይጣን ንዓኻ ዚኸስሰካ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧
14, 15. ሰይጣን ንዅሎም ሰባት እንታይ ኢሉ እዩ ኸሲስዎም፧
14 ካብቲ ንእዮብ ዘጋጠሞ ነገራት ኣገዳሲ ትምህርትታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ሰይጣን፡ ሎሚ ንኣምላኽ እነገልግሎ ዘለና ምእንቲ ጥቕምና ኢልና ኸም ዝዀነ ገይሩ ኸሲሱና ኣሎ። ኣብ እዮብ 2:4 ድማ፡ “ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ” በለ። ስለዚ፡ ሰይጣን ንእዮብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሎም ሰባት፡ ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ከም ዝሓስቡ ገይሩ ኸሲስዎም እዩ። እዮብ ድሕሪ ሙማቱ ኣማእታት ዓመታት ጸኒሑ እውን፡ ሰይጣን ንየሆዋ ኻብ ምጽራፍን ንኣገልገልቱ ኻብ ምኽሳስን ዓዲ ኣይወዓለን። ንኣብነት፡ ኣብ ምሳሌ 27:11፡ “ወደየ፡ ነቲ ዜባጭወለይ [ወይ፡ ዚጸርፈኒ] ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ፡ ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይ እውን ኣሐጕሶ” ዚብል ነንብብ ኢና።
15 ንየሆዋ ምስ እትእዘዞን እሙን ዓርኩ ምስ እትኸውንን፡ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኸተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ። ዓርኪ ኣምላኽ ምእንቲ
ኽትከውን ኣብ ህይወትካ ዓብዪ ለውጥታት ክትገብር እንተ ኣድልዩካ እውን፡ ከምኡ ኽትገብር ምውሳን ዝበለጸ ውሳነ እዩ። ነቲ እትገብሮ ውሳነ ብቝም ነገር ክትርእዮ ኣሎካ። ጸገማት ምስ ዜጋጥመካ፡ ንኣምላኽ እሙን ከም ዘይትኸውን ሰይጣን ተዛሪቡ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን፡ ንኣምላኽ እሙናት ምእንቲ ኸይንኸውን ኬታልለና ይጽዕር እዩ። ብኸመይ፧16. (ሀ) ሰይጣን በየናይ ሜላታት እዩ ሰባት ንየሆዋ ኸም ዘየገልግልዎ ኺገብር ዚጽዕር፧ (ለ) ድያብሎስ ንዓኻ ብውልቅኻ ንየሆዋ ኸም ዘይተገልግሎ ኺገብረካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
16 ሰይጣን፡ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይንኸውን ካብኡ ኼርሕቐና ኢሉ እተፈላለየ ሜላታት ይጥቀም እዩ። “ዚውሕጦ ደልዩ፡ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ” የጥቅዓና እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:8) ኣዕሩኽካ፡ ኣዝማድካ፡ ወይ ካልኦት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኸይተጽንዕን ቅኑዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይትገብርን ምስ ዚቃወሙኻ፡ በዚ ኣይትገረም። ሰይጣን ዜጥቅዓካ ዘሎ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። * (ዮሃንስ 15:19, 20) ብዘይካዚ፡ ሰይጣን “ንርእሱ ኸም መልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ።” ንየሆዋ ምእንቲ ኸይንእዘዞ ኼታልለና ይፍትን እዩ። (2 ቈረንቶስ 11:14) ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ከም እነቋርጽ ኪገብረና ዚፍትነሉ ኻልእ ሜላ ኸኣ፡ ንኣምላኽ ከነገልግል ፈጺምና ኸም ዘይንበቅዕ ኰይኑ ኸም ዚስምዓና ብምግባር እዩ።—ምሳሌ 24:10።
ትእዛዛት የሆዋ ሓሉ
17. ንየሆዋ እንእዘዞ ስለምንታይ ኢና፧
17 ንየሆዋ ምስ እንእዘዞ፡ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኢና እነረጋግጽ። እዙዛት ክንከውን ግና እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ዘዳግም 6:5) ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮ ኢና እንእዘዞ። ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ኺዓቢ ኸሎ ድማ፡ ነቲ ኽንገብሮ ዚሓትተና ዘበለ ኽንገብር ድሌት ኪሓድረና እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ፣ ትእዛዛቱ እውን ከቢድ ኣይኰነን” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ዮሃንስ 5:3።
ሓይልኻን ኣፍቅሮ” ይብለና። (18, 19. (ሀ) ገለ ኻብቲ የሆዋ ጌጋ ኸም ዝዀነ ዚነግረና ነገራት እንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንገብር ከም ዘይሓትተና ብኸመይ ንፈልጥ፧
18 ገለ ኻብቲ የሆዋ ጌጋ ኸም ዝዀነ ዚነግረና ነገራት እንታይ እዩ፧ ኣብታ “ የሆዋ ንዚጸልኦ ዘበለ ጽላእ” ዘርእስታ ሳጹን፡ ገለ ኣብነታት ቀሪቡ ኣሎ። ኣብ መጀመርታ፡ ገሊኡ ኽሳዕ ክንድቲ ኽፉእ ከይመስለካ ይኽእል ይኸውን። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣንበብካዮን ምስ ኣስተንተንካሉን ግና፡ ሕግታት የሆዋ ምሕላው ጥበባዊ ምዃኑ ኺርድኣካ እዩ። ኣብ ህይወትካ ለውጥታት ክትገብር ከም ዘሎካ እውን ኪስምዓካ ይኽእል እዩ። ለውጥታት ምግባር ኪኸብደካ ይኽእል ይኸውን፣ ለውጥታት እንተ ጌርካ ግና፡ እሙን ዓርኪ ኣምላኽ ብምዃን ዚርከብ ሰላምን ሓጐስን ከተስተማቕር ኢኻ። (ኢሳይያስ 48:17, 18) እሞኸ፡ እዚ ለውጥታት እዚ ኽትገብር ከም እትኽእል ብኸመይ ትፈልጥ፧
19 የሆዋ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንገብር ኣይሓትተናን እዩ። (ዘዳግም 30:11-14) ናይ ሓቂ ዓርኪ ስለ ዝዀነ፡ ካባና ንላዕሊ ብዛዕባና ይፈልጥ እዩ። ብርታዐናን ድኽመትናን እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። (መዝሙር 103:14) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ኣይሓድገኩምን እዩ፣ የግዳስ፡ ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ምስቲ ፈተና መዋጽኦ ገይሩልኩም ኣሎ” ኢሉ ኣጸናኒዑና ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 10:13) የሆዋ ዅሉ ሳዕ ቅኑዕ ዘበለ ኽንገብር ዜኽእለና ብርታዐ ኸም ዚህበና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ከቢድ ኵነታት ምእንቲ ኽትጻወር፡ “ካብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ኺህበካ እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:7) ጳውሎስ ኣብ ከቢድ ኵነታት ሓገዝ የሆዋ ምስ ረኸበ፡ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኢሉ ጸሓፈ።—ፊልጲ 4:13።
ኣምላኽ ንዚፈትዎ ዘበለ ፍቶ
20. ነየናይ ባህርያት ኢኻ ኽትቀድሖ ዘሎካ፧ ስለምንታይከ፧
20 ኣዕሩኽ የሆዋ ኽንከውን እንተ ደሊና፡ እቲ የሆዋ ጌጋ ኸም ዝዀነ ዚነግረና ነገራት ዘይምግባር ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ካልእ ተወሳኺ ነገራት እውን ክንገብር ኣሎና። (ሮሜ 12:9) ኣዕሩኽ ኣምላኽ፡ ንሱ ንዚፈትዎ ዘበለ ይፈትዉ እዮም። ገለ ኻብዚ ኣብ መዝሙር 15:1-5 ተገሊጹ ኣሎ። (ኣንብብ።) ኣዕሩኽ የሆዋ ንባህርያቱ ይቐድሕዎ እዮም፣ ከም እኒ “ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ልእመት፡ ርእሰ ግትኣት” ዝኣመሰለ ባህርያት ድማ የርእዩ እዮም።—ገላትያ 5:22, 23።
21. ኣምላኽ ዚፈትዎ ባህርያት ከተማዕብል እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
21 ነዚ ጽቡቕ ባህርያት እዚ ኸተማዕብል እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ኣዘውቲርካ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብምጽናዕን ነቲ የሆዋ ዚፈትዎ ነገራት ክትምሃር ኣሎካ። (ኢሳይያስ 30:20, 21) ከምኡ ምስ እትገብር፡ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ኽትዓቢ እያ፣ እታ ንዕኡ ዘላትካ ፍቕሪ ኽትዓቢ ኸላ ድማ፡ ትእዛዛቱ ኽትሕሉ ዝያዳ ድሌት ኪሓድረካ እዩ።
22. ንየሆዋ ምእዛዝ እንታይ ረብሓ ኣለዎ፧
22 እቲ ኣብ ህይወትካ ኽትገብሮ ዘሎካ ለውጥታት፡ ኣረጊት ክዳን ኣውጺእካ ሓድሽ ክዳን ምስ ምኽዳን ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ነቲ ኣረጊት ስብእና ቐንጢጥና’ “ሓድሽ ስብእና” ኽንለብስ ይነግረና እዩ። (ቈሎሴ 3:9, 10) እዚ ኸቢድ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ለውጥታት ምስ እትገብርን ንየሆዋ ምስ እትእዘዞን፡ ንሱ “ዓብዪ ዓስቢ” ኸም ዚህበካ ቓል ኣትዩልካ ኣሎ። (መዝሙር 19:11) እምበኣር፡ ንየሆዋ ተኣዚዝካ፡ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኣርኢ። ኣብ መጻኢ ዓስቢ ንምርካብ ኢልካ ዘይኰነስ፡ ጥቕሚ ርእሳ ብዘይትደሊ ፍቕሪ ተደሪኽካ ንየሆዋ ኣገልግሎ። ናይ ሓቂ ዓርኪ ኣምላኽ ከኣ ክትከውን ኢኻ።
^ ሕ.ጽ. 16 እዚ ኺብሃል ከሎ፡ ሰይጣን ንዅሎም እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘይደልዩኻ ሰባት ይቈጻጸሮም እዩ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ሰይጣን፡ “ኣምላኽ እዚ ስርዓት እዚ” እዩ፣ “ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር” ሰይጣን እያ ዘላ። ስለዚ፡ ገሊኦም ንየሆዋ ምግልጋል ከም እትሓድጎ ኺገብሩኻ ምስ ዚፍትኑ፡ በዚ ኣይትገረም።—2 ቈረንቶስ 4:4፣ 1 ዮሃንስ 5:19።