ደረት ሓሊፉ ዚበሃል መዓስ እዩ፧
ምዕራፍ 4
ደረት ሓሊፉ ዚበሃል መዓስ እዩ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ . . .
ዕርክነት ዝጀመሩ ወድን ጓልን፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ፈጺሞም ኪተናኸፉ የብሎምን።
□ ቅኑዕ
□ ጌጋ
ጾታዊ ርክብ ካብ ምግባር ዚቝጠቡ ወድን ጓልን፡ ምንዝር ኪፍጽሙ ይኽእሉ እዮም።
□ ቅኑዕ
□ ጌጋ
ዕርክነት ዝጀመሩ ወድን ጓልን ዘይተሓቛቘፉን ዘይደራረዙን ዘይሰዓዓሙን እንተ ዀይኖም፡ ብሓቂ ተፋቒሮም ኪበሃል ኣይከኣልን እዩ።
□ ቅኑዕ
□ ጌጋ
ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ብዙሕ ከም ዝሓሰብካ ኣየጠራጥርን እዩ። ዓርኪ እንተ ሒዝካ፡ ፍቕርኻ እትገልጸሉ ደረት ክሳዕ ኣበይ ምዃኑ ምፍላጥ የጸግመካ ይኸውን። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ፡ ቅኑዕ ወይ ጌጋ ዚብል ሰለስተ ሓሳባት እስከ ንርኣዮ፡ ቃል ኣምላኽ ነታ፡ “ደረት ሓሊፉ ዚበሃል መዓስ እዩ፧” እትብል ሕቶ ንምምላስ ዚሕግዘና ብኸመይ ምዃኑ እውን ንርአ።
● ዕርክነት ዝጀመሩ ወድን ጓልን፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ፈጺሞም ኪተናኸፉ የብሎምን።
ጌጋ። መጽሓፍ ቅዱስ ንቕቡልን ንጹህን መግለጺ ፍቕሪ ኣይኵንኖን እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቶም ፍቕሪ ሒዝዎም ዝነበረ ሓንቲ ሱላሚትን ሓደ ጓሳን ይነግረና። ርክቦም ንጹህ እዩ ነይሩ። ቅድሚ ምምርዓዎም ግን ብእተወሰነ ደረጃ ፍቕሮም ዚገላለጹሉ መገዲ ነይርዎም እዩ። (መሃልየ መሃልይ 1:2፣ 2:6፣ 8:5) ሎሚ ገሊኦም ኪምርዓዉ ዚሓስቡ ዘለዉ መጻምድቲ፡ ገሊኡ ንጹህ መግለጺ ፍቕሪ ግቡእ ምዃኑ ይስምዖም ይኸውን። a
ይኹን እምበር፡ ዕርክነት ዝጀመሩ መጻምድቲ ኣመና ኺጥንቀቑ ኣለዎም። ምስዕዓም፡ ምትሕቝቛፍ፡ ወይ ጾታዊ ስምዒት ኬለዓዕል ዚኽእል ካልእ ነገራት፡ ናብ ጾታዊ ርኽሰት ኪመርሖም ይኽእል እዩ። ጽቡቕ ሓሳብ ዝነበሮም መጻምድቲ እውን ከይተረፉ፡ ከይተፈለጦም ሸታሕ ኢሎም ኣብ ጾታዊ ርኽሰት ኪወድቁ ይኽእሉ እዮም።—ቈሎሴ 3:5
● ጾታዊ ርክብ ካብ ምግባር ዚቝጠቡ ወድን ጓልን፡ ምንዝር ኪፍጽሙ ይኽእሉ እዮም።
ቅኑዕ። እታ “ምንዝር” ተባሂላ እትትርጐም በዅሪ ናይ ግሪኽ ቃል (ፖርኒያ) ሰፊሕ ትርጕም ዝሓቘፈት እያ። ካብ መርዓ ወጻኢ ንዚግበር ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጾታዊ ርክባት ተመልክት፡ ንጾታዊ ኣካላት ብዘይግቡእ ኣብ ምጥቃም እውን ተተኵር። ስለዚ፡ ምንዝር ኪበሃል ከሎ፡ ጾታዊ ርክብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ ካልእ ሰብ ዚግበር ግብረ-ሕቡእን ብኣፍን ብመሃንቱስን ዚግበር ጾታዊ ርክብን ተጠቓልል።
ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንዝር ጥራይ ኣይኰነን ዚዅንን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን [“ቀይዲ-በተኽነት፡” NW]” ኢሉ ጸሓፈ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ” ገለጸ።—“ርኽሰት” ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ እታ ናይ ግሪኽ ቃል ንዝዀነ ይኹን ብዘረባ ዀነ ብግብሪ ዚፍጸም ዘይንጹህ ነገራት ተጠቓልል። ንኣእዳውካ ኣብ ትሕቲ ኽዳን ካልእ ሰብ ምእታው፡ ንኽዳን ካልእ ሰብ ምውጻእ፡ ወይ ከም ኣጥባት ዝኣመሰለ ኽትንከፍ ዘይብሉ ኽፍሊ ኣካላት ምድራዝ ዘይንጹህ ተግባር ምዃኑ ንጹር እዩ። ኣጥባት ምድራዝ ምስቲ እተመርዓዉ ሰብ ሓዳር ጥራይ ኪረኽብዎ ዘለዎም ባህታ ኸም ዚተሓሓዝ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። (ምሳሌ 5:18, 19) ገሊኦም መንእሰያት ንስርዓታት ኣምላኽ ከይሓፈሩ ይጥሕስዎ። ደይመደይ ኢሎም ደረቶም ይሓልፉ፡ ወይ ከኣ ጾታዊ ርኽሰት ምእንቲ ኺፍጽሙ ምስ እተፈላለዩ ሰባት ይተዓራረኹ።
ገሊኦም እሞ ኸኣ ሕሉፍ ሓሊፎም ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ዕብዳን” ወይ “ቀይዲ-በተኽነት” ኢሉ ዝጸውዖ ተግባር ይፍጽሙ። እታ “ዕብዳን” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል፡ ‘ዜስካሕክሕ፡ ሕሉፍ፡ ድርቅና፡ ቀይዲ ዘይብሉ ኤፌሶን 4:17-19
ህርፋን ጾታዊ ርክብ’ ማለት እያ። መቸም ‘ድንዙዝ ኴንካ ብስስዔ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ክትልቀቕ’ ከም ዘይትደሊ ፍሉጥ እዩ።—● ዕርክነት ዝጀመሩ ወድን ጓልን ዘይተሓቛቘፉን ዘይደራረዙን ዘይሰዓዓሙን እንተ ዀይኖም፡ ብሓቂ ተፋቒሮም ኪበሃል ኣይከኣልን እዩ።
ጌጋ። ከምቲ ገሊኦም ዚብልዎ ዘይኰነስ፡ ዘይግቡእ ምትሕቝቛፍን ምድርራዝን ምስዕዓምን ነቲ ርክብ ኣየደልድሎን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ንሓድሕዶም ዝነበሮም ኣኽብሮትን እምነትን እዩ ዜጥፍእ። ንኣብነት፡ ሎራ ነቲ ዘጋጠማ ኸምዚ ኢላ ገለጸት፦ “ሓደ መዓልቲ ኣደይ ኣብ ገዛ ኣብ ዘይነበረትሉ እዋን፡ ዓርከይ ቲቪ ኺርኢ ኢሉ መጸ። ኣብ ፈለማ ኢደይ ሒዙኒ ጥራይ ነበረ። ብሃንደበት ግን ኣብ ካልእ ክፋላት ኣካላተይ ክተናኽፈኒ ጀመረ። ግደፍ ከይብሎ ፈራህኩ፣ ኰርዩ ሓዲጉኒ ዚኸይድ መሰለኒ።”
እንታይ ይመስለካ፧ ዓርኪ ሎራ ብሓቂ ይሓልየላ ድዩ ነይሩ፡ ወይስ ንርእሱ ጥራይ እዩ ኼዕግብ ዚደሊ ነይሩ፧ ርኹስ ተግባር ንኽትገብር ኬለዓዕል ዚፍትን ሰብ ብሓቂዶ ኸም ዜፍቅረካ እዩ ዜርኢ ዘሎ፧
ሓደ ወዲ ንሓንቲ ጓል ክርስትያናዊ ስልጠናኣን ሕልናኣን ንኽትጥሕስ ጸቕጢ እንተ ገይሩላ፡ ሕጊ ኣምላኽ ይጥሕስ፡ ንዓኣ ዘለዎ ፍቕሪ ድማ ኣብ ሕቶ ይኣቱ። ስቕ ኢላ ሕራይ እትብል ጓል ግን ንኺብለጸላ እያ መገዲ እትኸፍት። እቲ ዝኸፍአ ኸኣ፡ ርኹስ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10
ተግባር ትፍጽም፡ ምናልባት እውን ኣብ ምንዝር ትወድቕ።—ንጹር ደረት ግበረሉ
ዓርኪ ሒዝካ እንተ ኣሊኻ፡ ካብ ዘይግቡእ መግለጺ ፍቕሪ ብኸመይ ክትርሕቕ ትኽእል፧ ኣቐዲምካ ንጹር ደረት ክትገብረሉ ኣሎካ። ምሳሌ 13:10፡ “ጥበብ ግና ምስቶም ምኽሪ ዚቕበሉ እያ” ትብል። ስለዚ፡ ምስ መጻምድትኻ ኣየናይ መግለጺ ፍቕሪ ግቡእ ምዃኑ ተመያየጡሉ። ስምዒትኩም ክሳዕ ዚለዓዓል ሕግታት ከየውጻእኩም ምጽናሕ፡ ኣብ ገዛኻ ባርዕ ክሳዕ ዚለዓል መጠንቀቕታ ደወል ከይገጠምካ ኸም ምጽናሕ እዩ።
ልክዕ እዩ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣፋፊ ምይይጥ፡ ብፍላይ ኣብ መጀመርታ ደረጃ ዕርክነት፡ ኣጸጋሚ ወይ ዜሕፍር ኪኸውን ይኽእል እዩ። 1 ቈረንቶስ 7:3, 4
ኰይኑ ግን፡ ኣቐዲምካ ደረት ምግባር፡ ደሓር ኣብ ከቢድ ጸገማት ንኸይትኣቱ ብዙሕ ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። ብጥበብ እተገብረ ደረት፡ ከምቲ ገና ባርዕ ኪጅምር ከሎ፡ ትኪ ምስ ተኸኸ ድምጺ ዜስምዕ መሳርሒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ርእሰ-ግትኣትን ትዕግስትን ሓልዮትን፡ ኣብ ሓዳር ዜዕግብ ጾታዊ ርክብ ከም ዚህሉ ዚገብር መሰረት እዩ።—ስርዓታት ኣምላኽ ሓሊኻ ምምልላስ ቀሊል ዘይምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን። ነቲ የሆዋ ዚህበና ምኽሪ ግን ክትኣምኖ ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ኣብ ኢሳይያስ 48:17 ብዛዕባ ርእሱ፡ “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን፡ በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። የሆዋ ኺጠቕመካ እዩ ዚደሊ።
ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ 1ይ ጥራዝ፡ ኣብ ምዕራፍ 24 እውን ኣንብብ
ድንግልና ስግንጢር ኣይገብረካን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ጥበባዊ መገዲ እዩ። ስለምንታይ ከምኡ ምዃኑ ርአ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ዓለም፡ ዘይተመርዓዉ ውልቀ-ሰባት ኣብ ቅድሚ ሰባት ፍቕሮም ምግላጽ ከም ነውሪ እዩ ዚቝጸር። ክርስትያናት ንኻልኦት ከይዕንቅፉ ይጥንቀቑ እዮም።—2 ቈረንቶስ 6:3
[ቀንዲ ጥቕሲ]
“ፍቕሪ ስዲ ኣይኮነትን።”—1 ቈረንቶስ 13:5 ትርጕም 1990
ምኽሪ
ምስ ዓርክኻ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዚርከብዎ ግዜ ኣሕልፍ ወይ ዜሰንየኩም ሰብ ከም ዚህልወኩም ግበር። ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ኣይትእቶ፣ ንኣብነት፡ ኣብ ማኪና ወይ ኣብ ገዛ በይንኹም ኣይትኹኑ።
ትፈልጥዶ፧
እተሓጸኻ እንተ ዄንካ፡ ገለ ብሕታዊ ጕዳያት ክትመያየጡ ኼድልየኩም እዩ። ጾታዊ ባህጊ ዜለዓዕል ዘረባ ግን፡ ዋላ እውን ብተሌፎን ወይ ብሞባይል ብዚለኣኽ መልእኽቲ ይኹን፡ ምስ ርኽሰት እዩ ዚምደብ።
መደባተይ
ብርኽሰት ምእንቲ ኸይፍተን፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እኽእል፦ ․․․․․
እቲ ኸም ዓርኪ ሒዘዮ ዘለኹ ሰብ ርኽሰት ንኽፍጽም ጸቕጢ እንተ ገይሩለይ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․
ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․
እንታይ ይመስለካ፧
● ምስ ኣንጻር ጾታ ኽትከውን ከለኻ፡ ንኣካላዊ ምትንኻፍ ብዚምልከት እንታይ ደረት ኢኻ እትገብር፧
● ኣብ መንጎ ምንዝርን ርኽሰትን ቀይዲ-በተኽነትን ዘሎ ፍልልይ ግለጽ።
[ኣብ ገጽ 46 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ኣነን ሕጹየይን ንጽህና ብዛዕባ ምሕላው፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዓንቀጻት ኣንቢብና ኢና። ንጹህ ሕልና ንኺህልወና ስለ ዝሓገዘና ነማስወሉ ኢና።’’—ለቲሽያ
[ኣብ ገጽ 44 ዘሎ ሳጹን]
ደረት እንተ ሓለፍናኸ፧
ዘይግቡእ ተግባር እንተ ፈጺምካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ነቲ ጸገም በይንኻ ኽትፈትሖ ኸም እትኽእል ጌርካ ንርእስኻ ኣይተታልል። ሓንቲ መንእሰይ፡ “‘እንደገና ኸምኡ ኸይንገብር ሓግዘና’ ኢለ እጽሊ ነበርኩ። እዚ ሓድሓደ ግዜ እኳ እንተ ዓየየ፡ ኣብ ገሊኡ ግዜያት ግን ኣይዓየየን” በለት። ስለዚ፡ ንወለድኻ ኣዘራርቦም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ” ዚብል ጽቡቕ ማዕዳ እውን ይህብ እዩ። (ያእቆብ 5:14) እዞም ክርስትያን ጓሶት ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ናብ ቀደሙ ምእንቲ ኺምለስ፡ ምኽርን ማዕዳን መግናሕትን ኪህቡ ይኽእሉ እዮም።
[ኣብ ገጽ 47 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ገዛኻ ንባርዕ ዚሕብር መሳርሒ ንምግጣም፡ ባርዕ ክሳዕ ዚለዓልዶ ምጸናሕካ፧ እምበኣር፡ ሕግታት ንኸተውጽእ እውን፡ ስምዒትካ ኽሳዕ ዚለዓዓል ኣይትጽናሕ